ኮቪድ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ፈረንሳ ንሳልሳይ ግዜ ተዓጽየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈረንሳ ከም መቐጸልታ ምግታእ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሳልሳይ ግዜ ኣብያተ ትምህርታ እንተወሓደ ንሰለስተ ሰሙን ክዕጸዋ ምዃነን ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ማክሮን፡ ስርዓተ ምስትምሃር ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዙ ብርሕቐት ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ገለ ከባቢታት ፈረንሳ ዝተኣታተወ ናይ ዕጽዋ ስጒምቲ፡ ናብ ካልኦት ዞባታት'ውን ይዝርጋሕ ኣሎ።
ብዘይካ ናይ መግቢ ድኳናት ካልእ ኩሎም ኣብያተ ንግዲ ካብ ቀዳም ጀሚሮም ክዕጸዉን፡ ሰባት ካብ ገዛ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ልዕሊ 10 ኪ.ሜ. (ሽዱሽተ ማይል) ከይጉዓዙን እገዳ ተገይሩ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ልዕሊ 5,000 ዝዀኑ ብኮቪድ ዝተጠቕዑ ሰባት ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ኣሎ ።
ፈረንሳ ድሮ 4.6 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ታታሒዞም ኣለው። ካብኣቶም ከኣ 95,495 (ዳርጋ ሚእቲ ሽሕ) ሰባት ምስ ኮቪድ ብዝተታሕዘ ምኽንያት ከምዝሞቱ ኣብ ጸብጻባ ሰፊሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ማክሮን ብረቡዕ ብቴለፎን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ኮቪድ "ተነቃፊ" ይኸውን ከምዘሎን ብፍላይ ከኣ ወርሒ ሚያዝያ ኣዝያ ሓደገኛ ክትከውን ከምእትኽእል ገሊጹ ኣሎ።
ወዲ 43 ዓመት ፕረዚደንት ማክሮን፡ ፈረንሳ፡ ለበዳ ኮቪድ ንኸይዝርጋሕ ዝሕግዝ ስጉምትታ ዕጽዋ ብምክያድን ሰፊሕ ክታበት ብምሃብን ነቲ ሕማም ንምግታእን ንምስዓርን ኣብ ቃልሲ ከምዘሎ ገሊጹ።
እተን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝዕጽዋ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ንቖልዑ እቶም ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ናይ ግድን ክሰርሑ ዝግደዱ ቀንዲ ሰራሕተኛታት ዝበሃሉ ኣብ ከም ሕክምና፡ ፖሊስ፡ ዝኣመሰለ ስራሕ ዝሳተፉ ኣገልግሎት ክህባ እየን።
ፕረዚደንት ማክሮን ሰባት ንበዓለ ትንሳአ ምስ ዝደልዩዎ መታን ከብዕሉዎ ንቐዳመ ሰንበት ፍሉይ ፍቓድ ከምዝወሃቦም እውን ሓቢሩ ኣሎ።
ሰባት ነቲ ሓድሽ መምርሒ ተቐቢሎም ብዝግባእ እንተተግቢሮሞን ኣኽቢሮሞን "ጩራ ብርሃን ክህሉ እዩ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ ።
ፕረዚደንት ማክሮን ዝሃቦ መግለጺ ቅድሚ ምእዋጁ ፓርላማ እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ክዝትየሉን ክካትዓሉን እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







