ላዕለዎት ሰብ መዚ ቻይና፡ ክታበታት ኮቪድ-19 'ልዑል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የብሎምን' ኢሎም

ሲኖቫክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ምቁጽጻር ሕማማት ቻይና፡ ዓቕሚ ምክልኻል ፍርያት ቻይና ዝኾኑ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ትሑት ምዃኑ ገሊጹ።

ጋኦ ፉ ኣብ መግለጺኡ፡ ቻይና ውጽኢታውነት እቶም ክታበታት ክብ ንምባል ክትሓዋውሶም ሓሳብ ከም ዝነበራ ሓቢሩ።

ቻይና ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ክተማዕብል እንከላ፡ ኩሎም ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ኣጽዲቓ እያ።

እንተኾነ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተፈቲኖም ውጽኢታውነቶም ትሕቲ 50 ሚኢታዊት ምዃኑ ተነጊሩ ነይሩ።

ቻይና ግን እቶም ክታበታት ውሕሳት'ዮም ብምባል፡ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ክታበት ዝወሰዱ ጥራሕ ናብ ሃገራ ክኣትው ከም እተፍቅደሎም ትገልጽ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ሓላፊ ድሒሩ ርእይትኡ ብጌጋ ከም ዝተተርጎመ ተዛሪቡ።

ንሱ ብቐዳም፡ እቶም ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ዘለው ክታበታት "ልዑል መጠን ምክልኻል" የብሎምን ክብል እንከሎ፡ ነዚ ንምምሕያሽ ድማ ክታበት ኮቪድ-19 ክትሓዋውሶም መደብ ከም ዝነበራ ተዛሪቡ።

እዚ፡ ብዝሒ ዝውሰድ ክታበትን ግዜን ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝኸውን ብምግላጽ፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምጉልባት'ውን ዝተፈላለዩ ክታበታት ክትሓዋወሱ ምግባር ኣማራጺ ምዃኑ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ጸኒሑ ንግሎባል ታይምስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ "መጠን ምክልኻል ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለው ክታበታት ሓደ ሻብ ልዑል፤ ሓደ ሻብ ከኣ ትሑት'ዩ" ኢሉ።

"ናይዚኦም ዓቕሚ ከመይ ኢኻ ክተዕብዮ እትኽእል ዝብል ሕቶ፡ ተመራመርቲ ዓለም ኣብ ግምት ከእትውዎ ይግባእ" ብምባል፡ ቅድም ኢሉ ዝሃቦ ርኢይቶ "ፍጹም ዘይምርድዳእ" ነይሩዎ ብምባል ብጌጋ ዝተተርጎመ'ዩ ኢሉ።

ልዕሊ 100 ሚሊየን ህዝቢ ቻይና፡ ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ወሲዱ ኣሎ።

ኮሮና

ቻይና ብዛዕባ ዘፍረየቶ ክታበት ዘሎ ዓለምለኻዊ መረዳእታ ድሩት ኮይኑ፡ ውጽኢታውነቶም ንነዊሕ እዋን ኣካታዒ ኮይኑ'ዩ።

ንኣብነት፡ እቲ ሲኖቫክ ዝተባህለ ክታበት ኣብ ብራዚል ተፈቲኑ፡ 50.4 ሚኢታዊት ጥራሕ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ድሒሩ ኣብ ቱርክን ኢንዶኔዥያን ዝተኻየደ ፈተነ ከኣ፡ ውጽኢታውነት እዚ ክታበት 91 ሚኢታዊት ከምኡ'ውን 65 ሚኢታዊት ምዃኑ ተገሊጹ።

ከም ባዮንቴክ/ፒፋይዘር፣ ሞዴርናን ኣስትራዘኔካን ዝበሉ ክታበታት ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ውጽኢታውነቶም 90 ሚኢታዊትን ልዕሊኡን ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን፡ ቻይና ዘፍረየቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ክታበታት ናብ ኢንዶኔዥያ፣ ቱርኪ፣ ፓራጓይን ብራዚልን ልኢኻ እያ።