ጋዜጣ ኡጋንዳ 'ጠርሙስ ዋይን ንዛንታ ፆታዊ ዓመፅ' ብዝብል ዘቕረቦ ፃውዒት ቁጠዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Daily Monitor
ኡጋንዳዊ ጋዜጣ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ደቀኣንስትዮ ዛንትአን እንተድኣ ኣቕሪበን ሓደ ጠርሙዝ መስተ ወይኒ፡ ከምዝሽልመን ንዘቕረቦ መፀዋዕታ ይቕሬታ ክሓትት ተገዲዱ።
ዘ ዴይሊ ሞኒተር ኣብታ ሃገር ዝሕተም ዝዓበየ ጋዜጣ ክኸውን ከሎ፡ እተን ግዳያት ዛንትአን ኣብ ትዊተር ከስፍር'ዩ ፀዊዑ ነይሩ።
ተዓዋቲት ዝኾነት ድማ "ክባር መስተ ወይኒ' ከምዝሸልም ኣፍሊጡ።
ኣብ ገዛ ዝፍፀሙ ጥቕዓታት ብስፍሓት ኣብ ዝረኣየላ ሃገር ከምዚ ዝበለ ፃውዒት ምቕራቡ እቲ ጉዳይ ክኸብድ ገይርዎ'ሎ።
መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘውፅኦ ፀብፃብ ከምዝሕብሮ፡ ካብ ሓሙሽተ ደቀኣንስትዮ እተን ልዕሊ ሓደ (ካብ 15-49 ዕድመ ዝርከባ) ኣብ ውሽጢ ገዛ ንዝፍፀም ጥቕዓትን ፆታዊ ግህሰትን ግህሰትን ዝተሳጥሓ እየን።
እቲ ጋዜጣ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝወፀ ፀብፃብ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ግና ካብ ደቀኣንስትዮ ዩጋንዳ እተን 51 ሚኢታዊት ኣካላዉን ፆታውን ግህሰታት የጓንፈን።
ዘ ደይሊ ሞኒተር ከምዚ ዝዓይነቱ ውድድር ከዳልው ብምፍታኑ ካብ ኣንበብቲን ተጣበቕቲ መሰላት ደቀኣንስትዮን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ'ሎ።
እቲ ጋዜጣ "ኣብ ልዕሊ ደቀኣንስትዮ ንዝፍፀሙ ፆታ መሰረት ዝገበሩ ግህሰታት ንምትብባዕ ሓሲቡ ኣይፈልጠን።" ብምባል እቲ ዝተጠቅዐ ፃውፂት ንዝፈጠሮ ዘይምርዳእ ይቕሬታ ሓቲቱ።
ካብ ትዊተር ገፁ ድማ ነቲ ዝጠቅዖ መልእኽቲ ኣወጊዱ። ኣንበብቲ ግን ሕዚ'ውን ቁጠዐኦም እናገለፁ ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







