ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ፈላመይቲ ጓል ኣነስተይቲ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ገይሮም ሸይሞም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ላዕለዋይ ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ፈላመይቲ ጓል ኣነስተይቲ ኣባልን ተሓባበሪት ዋና ጸሓፊትን ቅዱስ ሲኖዶስ ገይሮም ሸይሞም።
ፈረንሳዊት ሲስተር ናታሊ ቤዂርት፡ ኣብቲ ቅዱስ ሲነዶስ ናይ ምምራጽ መሰል ዝህልዋ ኾይኑ ከምኡ'ውን ነቶም ሊቀ ጳጳስ ከተማኽርን ኣብ ኣካታዕቲ ዝኾኑ ጉዳያት ክትሟጎትን እያ።
ሲስተር ቤኲርት ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ'ቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ኣማኻሪት ኮይና ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ።
ዋና ጸሓፊ እቲ ቅዱስ ሲኖዱሰ ዝኾነ ካርዲናል ማሪያ ግሬች፡ እዚ ሹመት 'ንቕድሚት ዓብዪ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ' ኢሉ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ወሲኹ'ውን፡ እቲ ውሳነ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ወሰንቲ ጉዳያት ንክሳተፋ ካብ ዘለዎም ድሌት ዝነቐለ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ጸብጻቢ ቢቢሲ ጆን ማክማኑስ፡ እዚ ውሳነ ደቂ ኣንስትዮ ከም ካህን ኮይነን ናይ ክህነት ኣገልግሎት ክህባ ዘፍቅድ ኣይኹን'ምበር፡ ተቓወምቲ እዚ ውሳነ ናብኡ ገጹ ዝእንፍት ውሳነ ገይሮም ክቖጽሩዎ ይኽእሉ እዮም ኢሉ።
ስጳኛዊ ቀሺ ለዊስ ማሪን ዲ ሳን ማርቲን ድማ ካልእ ተሓባበሪ'ቲ ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋናት፡ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዛዕባ ዕጫ ካብ ሓዳሮም ዝተፋትሑ ካህናት ዝምልከት ከይተረፈ ኣካዕቲ ጉዳያት ክዝትየሎም ጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ናይ ሕዚ ውሳነ ድማ፡ ጳጳስ ፍራንሲሲስ፡ እቲ ዝጸንሐ ድንጋገ ብምቕያር፡ ደቂ ኣንስትዮ ቅዱስ ቁርባን ከመሓድራን ከቑርባን ከም ዘፈቅድ ገይሮም ካብ ዝቕይርዎ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ይኹን'ምበር፡ ክህነት ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ክፍቲ ክኸውን ዝብል ሕጊ ከይተተንከፈ ክጸንሕ መሪጾም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቶም ጳጳስ፡ ሽድሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣባል ክፍሊ ፋይናንስ ቫቲካን ገይሮም ሸይሞም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







