ጳጳስ ፍራንሲስ ምስ ፍሉጥ ዒራቓዊ መራሒ ሃይማኖት ክራኸቡ እዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሎሚ ንካልኣይ መዓልቶም ኣብ ዒራቕ ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምስ ፍሉጥ መራሒ ሃይማኖት ሺዓ እስልምና ክዘራረቡ እዮም።
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምስቲ መራሒ ሚልዮናት ተኸተልቲ ሺዓ እስልምና ዝኾነ ኣያቶላህ ዓሊ ኣል-ሲስታኒ ንምዝርራብ ኣብ ከተማ ናጃፍ ኣቀባብላ ይግበረሎም ኣሎ።
እቶም ጳጳስ፡ ድሕሪ ምምጻእ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝገብርዎ ዘለዉ ፈላማይ ዓለም ለኻዊ ጉዕዞ ኮይኑ፡ ንዒራቕ ድማ ብላዕለዋይ ጳጳስ ክትብጻሕ ናይ መጀመርታኣ እዩ።
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስን ስግኣት ጸጥታን፡ ጉዕዞ እቶም መራሒ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ሓደገኛ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡
ወዲ 84 ዓመት ጳጳስ ፍራንሲስ ነቲ ‘‘ትእምርታዊ ’’ ዝበልዎ ጉዕዞ ንምግባር ‘‘ሓላፍነት’’ ከምዝተሰመዖም ንጋዜጠኛታት ዝገለጹ ኾይኖም፡ ኣብ ጻንሒቶም ናብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ዒራቕ ምብጻሕ ክገብሩ እዮም።
ኮይኑ ግና ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ኣይክርከቡን ተባሂሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሎሚ ቀዳም ድማ ምስ ወዲ 90 ዓመት ኣያቶላህ ዓሊ፡ ብዛዕባ እቶም ካብቲ ኣብ 2003 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ኣብ ዒራቕ ዝተወለዐ ጎንጺ ጥቕዓት ይፍጸሞም ዘሎ ውሑዳት ክርስትያን እታ ሃገርን ካልኦት ሃይማኖት ተንከፍ ጉዳያትን ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበር፡፡
ብድሕሪ እዚ፡ ኣብታ ኣብ ሃይማኖታት ክርስትና፣ እስልምናን ጁደይዝምን ዝጥቀስ ነብዪ ኣብርሃም ከምዝተወለደላ ዝእመን ከተማ ኡር ምብጻሕ ክገብሩ እዮም።
መንግስቲ ዒራቕ ነቶም ጳጳስ ንምሕላው ኣስታት 10 ሽሕ ወታሃደራት ኣዋፊሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።
እንተኾነ ገለ ዕጡቓት ሚልሻታት ሺዓ፡ ጉዕዞ እቶም ጳጳስ ምስ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ብምትእስሳር ከምዝተቓወምዎ እዩ ዝዝረብ።
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ትማሊ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሙስጦፋ ኣል-ካዲሚ ምስተቐበሎም፡ ኣብታ ሃገር ጎንጽን ኣኽራርነትን ደው ክብል ጻውዒት ገይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







