በዓል ልደት ስለምንታይ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይኽበር?

ወርቃዊ ልብሲ ተኸዲኑ ዕጣን ዝዓጥን ኣብ ቅድሚ ድንን ኢለን ጸሎተን ዘስምዓ ጻዕዳ ክዳን ዝለበሳን ዝተጎልበባን ደቂኣንስሰትዮ

ምንጪ ስእሊ, aelafat zemarie

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ክልተ በዓል ልደተ-ክርስቶስ ተባዒሉ ኣሎ።

ኣብ ኣመሪካታትን ኤውሮጳን፡ ከምኡ'ው እ ገለ ክፋላት ካልእ ኣህጉራት ብ25 ታሕሳስ በዓል ልደት ተኸቢሩ።

ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ከምኡ’ውን ገለ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ከኣ ሸውዓተ ጥሪ ወይ 29 ታሕሳስ [ኣ. ግ] የብዕላ።

እዘን ሃገራት ሓደ ዘመሳስለን ነገር እንተሎ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ዘለወን ምዃኑ'ዩ።

እቲ ካልእ ድማ ዝኽተልኦ ኣቈጻጽራ ዘመን እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን (ብፍላይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን) ኣመንቲ ክርስትና በብዓመቱ 29 ታሕሳስ [ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ድማ 28 ታሕሳስ] በዓል ልደት የብዕሉ።

መብዛሕትአን ሃገራት ምዕራብን ካልኦት ጐርጐርዮሳዊን ዓውደ ኣዋርሕን ዝኽተላ ኰይነን፡ በዓል ልደት ኣቐዲመን የብዕላ፤ እቲ ኣቈጻጽራ ዘመን ብ1582 ብሊቀ ጳጳስ ጐርጎርዮስ ዝተፈጥረ እዩ።

ከምኡ’ውን መብዛሕትአን ሃገራት ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ ምብራቕ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ጁልየስ ቄሳር ዝፈጠሮ ኣቆጻጽራ ጁልያን ይኽተላ።

ብዘይካ'ዚ፡ ብዙሓት ሃገራት ንኣቈጻጽራ ጐርጐርዮስ ከም ወግዓዊ ኣቈጻጽራ ክጥቀማሉ እንከለዋ፡ ንኣቈጻጽራ ጁልያን ድማ ንሃገራዊ በዓላት ይጥቀማሉ።

ልደት ክርስቶስ ዘብዕሉ ዘለው ምእመናን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

29 ታሕሳስ በዓል ልደት ዘብዕላ ሃገራት

ብመሰረት ጸብጻብ ናሽናል ጂኦግራፊ፡ 12 ሚእታዊት ካብ ክርስትያናት ዓለምና፡ በዓል ልደት ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ኣብ ዝተፈልየ መዓልቲ የብዕሉ።

እዚአን ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሩስያ፡ ዩክረይን፡ ቤላሩስ፡ ካዛኪስታን፡ ሰርብያ፡ ሞንቴነግሮ፡ እስራኤል፡ ቡልጋርያ፡ መቄዶንያ፡ ጆርጅያን ሞልዶቫን እየን።

ኣብ ግሪኽ፡ ቈጵሮስን ሮማንያን ዝርከቡ ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያናት ድማ ብ ኣቈጻጽራ ጐርጐርዮስ ክልተ ሰሙን ኣቐዲሞም ዕለተ ልደት እየሱስ ክርስቶስ የብዕሉ።

ከምኡ’ውን ኣርመንያ ከም ካልኦት ዘይኰነስ፡ ንበዓል ልደት ብናይ ገዛእ ርእሳ ኣቈጻጽራ ኣብ ዝተፈለየ መዓልቲ እያ እተብዕል።

ኣርመንያ በዓል ልደት ብ28 ታሕሳስ (ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ 27 ታሕሳስ) ተብዕል።

ስነስርዓት ኦርቶዶክሳዊ በዓል ልደት

ምንጪ ስእሊ, EPA

እዚ በዓል ዝኽበረሉ ዝተፈላለየ ልምዲታት

ላሊበላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኦርቶዶክሳውያን ግብጺ ከም ኢትዮጵያ በዓል ልደት ካብ ምዕራባዊ ዓለም ኣስታት ክልተ ሰሙን ድሒሮም እዮም ዘብዕሉ። ዕለተ ጥምቀትን ፋሲካን እውን ብተመሳሳሊ ዝተፈለየ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኦርቶዶክሳውያን፡ ካቶሊካውያን፡ ወንጌላውያን፡ ጴንጠቆስጣውያንን ካልኦት ክርስትያንን ድማ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዕለተ ልደት የብዕሉ።

ኤርትራ፡ ብኣንጻሩ ጐርጐርዮሳዊ ኣቈጻጽራ ከም ሃገራዊ ኣቆጻጽራ ትጥቀም ኰይና፣ እቶም ክርስትያን ግን ኦርቶዶክሳዊ ኣቈጻጽራ ይኽተሉ።

ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስን ካልኦት ሃይማኖታት ክርስትናን ቅድሚ በዓል ልደት ዝነበሩ መዓልታት ብጾምን ጸሎትን ይዝክሩ።

በዓላት ልደት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝተፈላለየ መልክዕ ኣለዎ።

ንኣብነት ኣብ ሩስያ ዝርከቡ ክርስትያን ካብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ክሳብ መዓልቲ ልደት ዝጸንሓ ሸውዓተ መዓልታት ኣብ መዓልቲ 12 ዝተፈላለየ መግቢ እናበልዑ የሕልፍዎ።

እቲ ዕላማ ነቶም 12 ሃዋርያት ንምዝካር እዩ።

ኣብ ዩክረይን፡ እቶም በዓላት ነታ መዓልቲ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናዘመሩ የሕልፍዋ።

ቤላሩሳውያን እውን ነዛ መዓልቲ ባኒን ዓሳን የዳልዉ።

ኣብ ሞንተነግሮ ኣብ ውሽጡ ሳንቲም ዘለዎ ባኒ ይጥበስ። እቲ ባኒ ምስ ዝቝረስ ዝርከብ ሳንቲም ጽቡቕ ዕድል ከምጽእ እዩ ተባሂሉ ይእመን።

ኣብ ሰርብያ በዓል ልደት ልክዕ ሓዊ ብምንዳድ፡ ኣብ ዙርያኡ ተኣኪብካ ድራር ብምብላዕ ይዝከር።

ጆርጅያውያን እውን ንልደት እየሱስ ክርስቶስ ንምጽንባል ናብ ጐደናታት ይወጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን መሰረት እቲ በዓል ሓደ'ኳ እንተዀነ እቲ በዓል ግን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ።

ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ልደት ሰሙናት ብጾም የሕልፍዎ፣ ኣብ መዓልቲ በዓል ድማ እቲ ጾም ይፈትሑ።

ዝበዝሑ ምእመናን ክርስትያን ግን ናብተን ቤተ እምነታት ብምኻድ ነቲ በዓል የብዕልዎ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ጸሎት ብምስታፍን ኣብ ገዛ ብሓባር ብምብላዕን ይዝክርዎ።

ሎሚ በዓል ልደት ንእተኽብሩ ርሑስ በዓል ይዅነልኩም!