ጠንቂ ወጥሪ ሱኒን ሺዓን ኣስላም እንታይ እዩ? ጽልዋኡ’ኸ?

መካ

ምንጪ ስእሊ, AP

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ድሕሪ ዝተራእዩ ወጥሪታት ኣብ መንጐ ሱኒን ሺዓን ዘሎ ፍልልያት፡ ሃይማኖታዊ ዝኣመሰሉ ግጭታት ከላዕል ጸኒሑ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኣስላም፡ ሓባራዊ ተመኵሮ ስደት ዘለዎም ኣካል ማሕበረሰብ'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ኣብ መንጐ ጕጅለታት ዘሎ ዝምድና ኣብታ ሃገር ትዅረት እናሰሓበ ይርከብ።

ኣብ መንጐ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዘራራቢ ኰይኑ ከምዝነበረ ይዝከር።

ክልቲኦም ወገናት ሱኒን ሺዓን ኣስላም፡ኣላህ እቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ፡ ነብዩ መሓመድ ድማ መልእኽተኛኡ ከምዝዀነ ይሰማምዑ።

መብዛሕትኡ እቲ ዞባዊ ንሕንሕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መን ዝያዳ ፖለቲካዊ ሓይሊ ሚዛን ይጭብጥ ዝብል’ኳ እንተዀነ፡ ሱሩ ግን ካብቲ ቅድሚ 1400 ዓመታት ኣብ መንጐ ሱኒን ሺዓን ዝተጀመረ ፍልልይ እዩ።

ስዑዲ ዓረብ እታ ዝሓየለት ዝያዳ ሱኒ እስልምና እትኽተልን ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ኢራን ድማ ማእከል ሺዓ እስልምና እያ።

ግን ኣብ መንጐ ክልቲኡ ዘሎ ፍልልይ እንታይ ይመስል?

ሕቶ መሪሕነት ከም መበገሲ’ቲ ፍልልይ

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተጀመረ ፍልልይ መበገሲኡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዘይኰነስ ምስ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝተኣሳሰር ከምዝነበረ ክኢላታት ይዛረቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ፍልልይ፡ እቶም ቀንዲ እስላማዊ ነቢይ መሓመድ ኣብ 632 ድሕሪ ምማቶም ዝጅምር ኰይኑ ቀንዲ መንቀሊኡ ድማ መን ይተክኣዮም ዝብል ኣካታዒ ነጥቢ እዩ።

ኣብቲ እዋን እቶም ነቢይ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሃይማኖት እስልምና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ከም እስላማዊ መንግስቲ ዝተወደበ ኣስታት ሚእቲ ሽሕ ኣስላም ዝሓቘፈ ማሕበረሰብ ገዲፎም ነይሮም።

ነቶም ነቢይ ተኪኡ ነታ ንእሽተይ ዝዀነት እስላማዊት ሃገር መን ይምርሓያ ዝብል ሕቶ ግን ምፍልላይ ኣስዒቡ።

እቲ ዝዓበየ ጕጅለ ኣስላም፡ ናይ ቀረባ ብጻይ ነቢይ ዝዀነ ንኣቡበከር ከሊፋ (ፖለቲካዊ-ማሕበራዊ መራሒ) ክኸውን መሪጹ። እዚ ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ነቲ ምትኽኻእ ብመንፈሳዊ ዘይኰነስ ብፖለቲካዊ ኣገላልጻ ዝረኣዮ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ረኺቡ።

እዚ ጕጅለ ተካኢ ክመርጽ እንከሎ፡ ባህላዊ ልምዲ ዓረብ (ሱና) እዩ ተኸቲሉ። እዚ ጕጅለ እዚ ድሒሩ ብሱኒ ክፍለጥ ጀሚሩ። ሱኒ ማለት ‘ሱና ዝኽተል ሰብ’ ማለት እዩ።

እምነት እዚ ጕጅለ፡ ዝዀነ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎን ናይቶም ነብይ እምነት ዝኽተልን ሰብ ነቶም ነብይ ክትክኦም ይኽእል’ዩ ዝብል’ዩ።

ኣይፋልን፡ ወዲ ሓውቦኦምን ወዲ ሓሙኦምን ዝዀነ ዓሊ ሕጋዊ ወራሲኦም ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ኣስላም ድማ ካልእ ጕጅለ መስረቱ።

እዚ ጕጅለ’ዚ ዓሊ ከሊፋ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለ ዝኣምን ሺዓ ዓሊ ወይ ‘ውድብ ዓሊ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ፤ ካብዚ ተበጊሱ ድማ ክሳዕ ሕጂ ሺዓ ብዝብል ቃል ይፍለጥ። ብመሰረት ጕጅለ ሺዓ፡ ንነብይ መሓመድ ዝትክእ ሰብ ምስቶም ነብይ ብደም ምትእስሳር ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።

ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ እቲ ምትኽኻእ ዘለዎም ርድኢት ዝድግፍ መርትዖ ኣለዎም።

ሱኒ፡ነቢይ መሓመድ ቀድሚ ምማቶም ኣብ ዓራት እንከለዉ፡ ኣቡበከር ንሰላት ጃማዓ ክመርሕ ከምዝመረጽዎ ይምጕቱ፤ እዚ ድማ እቶም ነቢይ፡ ኣቡበከር ከም ቀጻሊ መራሒ ይሰምይዎ ምንባሮም ዘመልክት ምዃኑ ይገልጹ።

ብኻልእ ወገን ሰዓብቲ ሺዓ ዘቕርብዎ መርትዖ ኣሎ። ነብይ መሓመድ ካብ ናይ መወዳእታ ሓጅ ኣብ ዝምለስሉ ዝነበረ እዋን፤ ኣብ መንገዲ ኣብ ቅድሚ ሰዓብቱ ደው ኢሉ፡ ንዓሊ መንፈሳዊ መራሒን ጐይታ ኵሎም ኣመንቲ ምዃኑ ከምዝኣወጁ ይዛረቡ። ብመሰረት ጸብጻባት ሺዓ፡ እቶም ነብይ ኢድ ዓሊ ሒዞም፡ ንመሓመድ ዝሰዓበ ሰብ ንዓሊ’ውን ክስዕብ ኣለዎ ኢሎም።

ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መወዳእታ ግን ኣቡበከር ቀዳማይ ከሊፋ ኰይኑ ተመዘዘ።

ዓሊ ኣብ መጀመርታ መሪሕነት ኣቡበከር ኣይተቐበለን። ብመሰረት እምነት ሱኒን ሺዓን፡ ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ፡ ዓሊ ምእንቲ ምትእስሳር ናይቲ ሓድሽ እስላማዊ መንግስቲ ንምሕላው ሓሳቡ ቀይሩ ንኣቡበከር ተቐቢልዎ።

ብድሕሪኡ ዑመር ኢብን ኣልኸጣብ ካልኣይ ከሊፋ ኰይኑ ተሰምዩ፡ ዑስማን ኢብን ዓፋን ድማ ሳልሳይ ኰይኑ።

ዓሊ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ቅትለት ዑስማን ከም ራብዓይ ከሊፋ ተመሪጹ። ርእሰ ከተማ እስላማዊ መንግስቲ ካብ መዲና ናብታ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ኩፋ ክግዕዝ ገይሩ።

እንተዀነ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤት እቶም ነቢይን ጓል ኣቡበከርን ዝዀነት ዓይሻ ተቓዊምዋ፤ ንሳ፡ ዓሊ ንቐተልቲ ዑስማን ናብ ፍርዲ ኣብ ምቕራብ ተገዳስነት የብሉን ክትብል ከሲሳቶ። እዚ ክትዕ እዚ ብ656 ኣብ ደቡባዊ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ባስራ ውግእ ኣግማል ኣምሪሑ፣ ኣብኡ ድማ ዓይሻ ተሳዒራ።

ዓይሻ ድሒራ ንዓሊ ይቕሬታ’ኳ እንተሓተተት፡ እቲ ግጭት ግን ድሮ ኣብቲ ሕብረተሰብ ምፍልላይ ፈጢሩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን ሺዓ ካብ ኵሎም ኣስላም ኣስታት 15 ሚእታዊት ኰይኖም፡ ኣስታት 85 ሚእታዊት ድማ ሱኒ ኣስላም ከምዝዀኑ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ኢራን፡ ዒራቕ፡ ባሕሬንን ኣዘርባጃንን ኣስላም ሺዓ ዝበዝሑለን ሃገራት እየን። ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ህንዲ፡ ኩዌት፡ ሊባኖስ፡ ፓኪስታን፡ ቐጠር፡ ሶርያ፡ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን እውን ዓበይቲ ማሕበረሰባት ሺዓ ኣለዉ።

ምምስሳልን ፍልልይን ክልቲኦም ወገናት

ሱኒን ሺዓን ኵሎም ቁርኣንን መልእኽቲ እቶም ነቢይን የንብቡ።

ክልቲኦም ነቢይ መሓመድ ልኡኽ ኣላህ ከምዝነበሩ ይኣምኑ።

ክልቲኦም ዝኽተልዎም ሓሙሽተ መርገጺታት እስልምና ኣለዉ - ኣብ ሮሞዳን ይጾሙ፡ ናብ መካ ሃይማኖታዊ ጕዕዞ ክገብሩ ቃል ይኣትዉ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓሙሽተ ሰላት ዘጠቓልል ስርዓታዊ ጸሎት ይገብሩ፡ ንድኻታት ይሕግዙ፡ ንእምነቶም ድማ እሙናት ክዀኑ ቃል ይኣትዉ።

ስርዓተ ጸሎቶም ዳርጋ ተመሳሳሊ’ኳ እንተዀነ፡ ቅሩብ ፍልልይ ግን ኣለዎ። ንኣብነት ሺዓ ኣእዳዎም ኣብ ጎድኖም ኣንቢሮም ደው ክብሉ እንከለዉ፡ ሱኒ ግን ኣእዳዎም ኣብ ከብዶም እዮም ዘንብሩ።

ብተወሳኺ ክልቲኦም ኣብ ሕጊ እስልምና ይኣምኑ፡ ግን ኣብ ኣተገባብራ ይፈላለዩ።

ይዅን’ምበር እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተለዓለ ቍልፊ ስነ-መለኮታዊ ፍልልይ ንነቢይ መሓመድ መን ክትክኦም ይግባእ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘለዎም እምነት እዩ።

ካብ እምነት ናብ ፖለቲካ - ዘመናዊ ወጥሪ

እስልምና ካብ በረኻታት ሓውሲ ደሴት ዓረብ ናብቲ ኣብ ሓደ እዋን ሮማን ፋርስን ዝነበረ ግዝኣታትን ሕብረተሰባትን እናተዘርገሐ ምስ ከደ፡ ኣስላም ስልጣን ሃይማኖታዊ መልስታት ዝጠልብ ሓድሽ ስነ-ምግባራዊ ቅልውላዋት ከጋጥሞ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ካብ መወዳእታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ብዘጋጠሙ ዝተሓላለኹ ፖለቲካዊ ጸገማት ተጋዲዱ።

እዚ ድማ ኣብ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ፓኪስታን፡ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ተራእዩ እዩ።

ኣብ 1979 ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ኣትሒዞም፡ መራሕቲ ሃይማኖት ሺዓ ኢራን ኣብ ዒራቕ፡ ሊባኖስን ሶርያን ዝርከቡ ሺዓ ኣስላም ክድግፉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እዚ እናወሰኸ ዝመጸ ጽልዋ ድማ፡ ኣብ ከም በዓል ባሕሬንን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ውሑዳት ሺዓ ዘለወን ሃገራት ንዝርከቡ መራሕቲ ሱኒ ስክፍታ ፈጢሩሎም ኣሎ። ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ውሑዳት ሺዓ ስዑዳውያን፡ ንኢራን ብምድጋፍ ከምዝኽሰሱ የማርሩ።

ኣብ 1979 ኣብ ኢራን ዝተኻየደ እስላማዊ ሰውራ ስዒቡ፡ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣያቶላህ ሩሆላህ ኮመይኒ፡ ብ“ሓለውቲ ዳያኑ” (ዊላያት ኣልፊቕህ) ዝምራሕ እስላማዊ መንግስቲ ከተግብር ዕድል ረኺቡ’ዩ። እዚ ኣምር እዚ ኣብ መንጐ ምሁራት ሺዓ ኣካታዒ ኰይኑ ሱኒ ድማ ይቃወምዎ፡ ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሃይማኖታውያን ምሁራትን ዘሎ ፍልልይ ኣርእዮም እዮም።

ሺዓ መራሕቲ ሃይማኖታት (ኣያቶላሃት) ወትሩ ሓለውቲ እምነት እዮም ነይሮም። ኮመይኒ፡ ምእንቲ እቶም መራሕቲ ስርሖም ብትእዛዝ ሺዓ ኢማማት መሰረት ብግቡእ ክፍጽሙ ገዛእቲ ክዀኑ ኣለዎም ኢሉ ይምጕት ነይሩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ብግምት 10 ሚእታዊት ዝዀኑ ውሑዳት ሺዓ ኣለዉ። ተኸተልቲ ናይቲ ምስ ሺዓ እስልምና ዝጻረር ዋሃቢዝም ተባሂሉ ዝፍለጥ ሱኒ እስልምና ግን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ እዮም።

እስላማዊ ሰውራ ስዒቡ ኢራን ናብ ግሁድ ሺዓዊ ሓይሊ ድሕሪ ምቕያራ፡ ስዑዲ ዓረብ ንዝርግሐ ዋሃቢዝም ከተቀላጥፍ ደሪኽዋ’ዩ። ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ንሕንሕ ኣብ ሓቀኛ ትርጕም እስልምና ዳግማይ ኣበራቢረን።

ብዙሓት ካብቶም ካብ 1979 ጀሚሩ ኣብቲ ዞባን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝተፈጸሙ ዓመጻት ተሓተትቲ ዝዀኑ ጕጅለታት ምስ ምንጭታት ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ምትእስሳር ከምዘለዎም ይእመን።

ሞት ዓሊ፡ ሓሰንን ሑሴንን መበገሲ እምነት ሺዓ ከምዝዀነ ይንገር

ምንጪ ስእሊ, AP

ሱኒ ሳዳም ሑሴን እትምራሕ ዒራቕ ኣብ 1980 ነታ ብሓድሽ ገዛኢ ሺዓ ኣያቶላህ ኮመይኒ እትምራሕ ዝነበረት ጎረቤታ ኢራን ወሪራ። ሳዳም ዒራቕ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዓብላሊት ሃገር ኰይና ንኢራን ክትትክእ ይደሊ’ኳ እንተነበረ፡ ሰውራ ኢራን ኣብቶም ዝበዝሑ ሺዓ ዒራቕ ማዕበል ጽልዋ ከሕድር ይኽእል’ዩ ዝብል’ውን ስክፍታ ነይርዎ።

ኣብ መንጎ ኢራንን ዒራቕን ዝተኻየደ ኲናት ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 20 ፍለ ዘመን ዝተኸየዱ ደማዊ ኲናት ኮይኑ፡ ብገምጋም ሓደ ሚልዮን ኢራናውያንን ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝበጽሑ ዒራቓውያንን ብሰንኪ’ቲ ግጭት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ካብ 1980–1988 ምስ ኢራን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ስዑዲ ዓረብ ንዒራቕ እያ ደጊፋ። ብተወሳኺ ንዕጡቓት ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን እውን ትድግፍ ነይራ። እዞም ዕጡቓት ብቐንዱ ኣንጻር እታ ኣብ 1979 ንኣፍጋኒስታን ዝወረረት ሕብረት ሶቭየት ይዋግኡ’ኳ እንተነበሩ ብኢራን ዝተደፋፍኡ ወይ ዝተደገፉ ምንቅስቓሳት ሺዓ እውን ይዓብጡ ነይሮም።

ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ኣብ ውግኣት ውክልናታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሶርያ ብዙሕ ጸጋታት ኣዋፊረን እየን። ሪያድ ኣብተን ውሑዳት ሺዓ ዝነብሩለን ብነዳዲ ዝሃብተማ ምብራቓዊ ኣውራጃታታ ክህሉ ዝኽእል ቅሳነት ብቐረባ ትከታተል፡ ሓይልታታ ምስ ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምትሕብባር ኣብ ባሕሬን ብቐንዱ ሺዓ ዝዀኑ ናዕቢታት ንምዕፋን ኣዋፊራ’ያ።

ብተወሳኺ ኣብ የመን ንዝርከቡ ዓመጽቲ ሑቲ ንምምካት ብኣመሪካ ዝድገፍን ዓሰርተ ኣብዝሓ ሱኒ ዝዀና ሃገራት ዝሓቖፈን ጥምረት ኣተኣኻኺባ። ስዑዲ ዓረብ ነቶም ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ብብዝሒ ሱኒ ዝዀኑ ዓመጽቲ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ገንዘባዊ ደገፍ ክትህብ እንከላ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናብ ኣልቓዒዳን ምስ ስርዓት ኣሳድ ናብ ዝዋግኡ ኣኽረርቲ ጕጅለታት ጅሃዳውያንን ዝውሕዝ ገንዘብ ክትእግድ ጸኒሓ’ያ።

ኢራን ብወገና ነቲ ብዓላዊ ዝምራሕ መንግስቲ ሶርያ ንምድጋፍ ቢልዮናት ዶላር ሓገዝን ልቓሕን ካብ ምምዳብ ሓሊፋ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ሊባኖስን ዒራቕን ዝመጹ ዕጡቓት ሺዓ ኣብ ሶርያ ንኽዋግኡ ኣሰልጢናን ኣዕጢቓን’ያ። ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ነቲ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዝዓለሙ ፈተነታት ውጽኢታውያን ኣይነበሩን።

ብድሕሪኡ ድማ ክልቲአን ሃገራት ምስ እስላማዊ መንግስቲ ተቓሊሰን እየን። ኢራን ኣብ ገለ ክፋል ዒራቕ ንእስላማዊ መንግስቲ ክትምክት ክትቃለስ እንከላ፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ኣብዝሓ ሱኒ ዘለወን ሃገራትን ድማ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኣንጻር እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ዝግበር ናይ ኣየር ወፍሪ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ደጊፈን እየን ።

ጽልዋ ሰብኣዊ ቅልውላው ቓዛ

ኲናት እስራኤልን ሓማስን ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጕጅለታት ሱኒን ሺዓን ዘይተለምደ ሓድነት ከርእዩ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኲናት ቓዛ፡ ብኢራን ዝድገፉ ሓያላት ንኡሳን ወተሃደራት ሺዓ ኣስላም ምስ ዕጡቓት ውድባት ሱኒ ይተሓባበሩ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ኣብ መንጐ ብሃይማኖታዊ ስነ-ሓሳብ ዝፈላለዩ ግን ከኣ ብተቓውሞ እስራኤልን ኣመሪካን ዝተጠርነፉ ጕጅለታት ዝተፈጠረ ዝያዳ ምትሕብባር ይመስል።

ጠንቂ’ቲ ኲናት ዝዀነ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመ ሓማስ፡ ብቐንዱ ፍልስጤማዊ ምንቅስቓስ ሱኒ ኣስላም እዩ። ስሙ ብዓረብኛ ኣሕጽሮተ ቃል ምንቅስቓስ እስላማዊ ተቓውሞ ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዚ ጉጅለ፡ ጨንፈር ናይቲ ኣብ 1920ታት ኣብ ግብጺ ዝተመስረተ ሓያል እስላማዊ ምንቅስቓስ ሙስሊም ብራዘርሁድ እዩ።

ሓማስ ንባዕሉ ኣብ 1987 ብሸኽ ኣሕመድ ያሲን ዝተባህለ ኣብ ቓዛ ዝነብር ዝነበረ ፍልስጤማዊ መራሒ ሃይማኖት ዝተመስረተ እዩ። ያሲን ኣብ 2004 ብእስራኤል ዝተቐተለ ክኸውን እንከሎ እቲ ንሱ ዝመስረቶ ጕጅለ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተዓዊቱ፤ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ኣብ ስልጣን ፍልስጤም ቦታ ረኺቡ። ግብጽን እስራኤልን ንቓዛ ብምእጋድ ነዚ ምላሽ ሂበን።

ፍልስጤማውያን ሺዓ ኣስላም፡ ክርስትያን፡ ድሩዛውያንን ካልኦትን ዝሓቘፉ እኳ እንተዀኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ግን ሱኒ ኣስላም እዮም።

ሊባኖሳዊ ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ኣብ 1982 ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ድሕሪ ምውራር ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ዝተቐልቀለ ምንቅስቓስ ሺዓ ኣስላም እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብቲ ዞባ ዘለዎ ስልጣን ንምስፋሕ ዝጥቀመሎም ኣባላቱ ብኸፊል ብኢራን ዝሰልጠኑን ዝምወሉን እዮም።

ሊባኖሳዊ ሂዝቦላህ፡ ካብ ሓማስ ብተወሳኺ ንእስራኤል ዓቢ ብድሆ ኰይኑዋ ይርከብ። ሓይልታት ሕዝቦላን እስራኤልን ኣብ ጥቅምቲ ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ስግር ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ኣብ ነንሕድሕዶም መጥቃዕቲ እናፈጸሙ ይርከቡ።

ሕዝቦላህን ሓማስን ብእስራኤል፡ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ትካላት ዝተመዝገቡ እዮም።

ኣብዚ እዋን ድማ ክልቲኦም ጕጅለታት ርክባቶም ከምዘበረኹ ይንገር ኣሎ።

ኢራን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ትዝውር ሓይሊ እያ።

ኢራን "ጥምረት ተቓውሞ" ተባሂሎም ዝተሰመዩ ጕጅለታት ድማ ትድግፍ፤ ካብዚኦም ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት፡ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሕዝቦላህ፡ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲን ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ንኡሳን ወተሃደራዊ ጕጅለታትን ይርከብዎም።