መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብ መደብር ሓይሊ ኣየር ኢራን ዕንወት ኣብፂሑ ድዩ?

ምስሊ ሳተላይት

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብሳተላይት ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ እስራኤል ዓርቢ ንግሆ ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መደበር ኣየር ኢራን ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘሎ መርትዖታት ኣቃሊዑ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ኢስፍሃን ኣብ ዝርከብ መደብር ነፈርቲ ዝርከብ ሓደ ክፋል ስርዓተ ምክልኻል ኣየር፡ ከምዝዓነወ ዘርኢ ክልተ ምስልታት ተንቲኑ።

ካብ እስራኤል ዝወፅአ ዕላዊ መግለፂ እኳ እንተዘየለ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ይገልጹ።

ኣብ መንጎ እዞም መሪር ተፀላእቲ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት እዩ ተጋዲዱ።

እስራኤል፡ ኣቐዲማ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ቆንስል ኢራን ኣብ ሶርያ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ብ13 ሚያዝያ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ሕነ-ምፍዳይ መጥቃዕቲ ፈጺማ።

እዚ ድማ ብግዲኡ፡ ብዓርቢ ኣብ ቀንዲ ኒዩክለራዊ ፕሮግራም ኢራን ዝዀነ ኢስፋሃን መጥቃቀቲ እስራኤል ኣስዒቡ።

ብዛዕባ ዕምቆት እቲ ዕንወት እውን ገለ ግምታት ይቐርብ ኣሎ።

ኢራን እቲ መጥቃዕቲ ብመከላኸሊ ኣየር ዝፈሸለ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተሰነየ ከምዝነበረ ገሊጻ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ዝጊድ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ብሳተላይት ዝተሳእለ ምስሊ ግን፡ ኣብቲ መደበር ኣየር ዕንወት ከምዘጋጠመ መርትዖታት ተረኺቡ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ብዓርቢ ኣብ ልዕሊ እስፋሃን ዝተቐድሐ ምስሊ ሳተላይት ኦፕቲካልን ሲንተቲክን ኣፐርቸር ራዳር መሰረት ዝገበረ ገምጋም ኣካይዱ።

ሓደ ካብዚ ብ15 ሚያዝያ ብኡምብራ ስፔስ ዝተቐድሐ ምስሊ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኩርናዕ መደበር ኣየር ሺካሪ ዝርከብ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ኤስ-300 ዘርኢ እዩ።

እቲ ስርዓት ራዳር፣ ፍሉያት መወንጨፊ ሚሳይላትን ካልኦት መሳርሒታትን ዝተዓጠቓ ሓያሎ ተሽከርከርቲ ዝሓቖፈ እዩ።

ድሕሪ ናይ ዓርቢ መጥቃዕቲ ዝተቐድሐ ምስሊ ኡምብራ ስፔስ፡ ኣብ ዙርያ ሓደ ኣካል ምናልባት ራዳር ዝበፅሐ ዕንወትን ፍርስራስን ዘርኢ ኰይኑ፡ እዚ'ውን ቁሩብ ኣቀማምጣኡ ቀይሩ'ዩ።

ካልኦት ተሽከርከርቲ ድማ ካብቲ ዝነበረኦ ቦታ ርሒቐን ኣለዋ።

እዚ ምስሊ ዋላ'ኳ ትሑት ፅሬት እንተሃለዎ፡ ብፕላኔት ብዝተቐረጸ ብርሃናዊ ሳተላይት ምስሊ ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝበፅሐ ባርዕ ዘርኢ እዩ።

እዚ ምልክት እዚ ብ11ን 15ን ሚያዝያ ኣብ ዝተቐድሑ ምስልታት ዝርአ ኣይነበረን።

እንተኾነ ግን ኣብዚ መደምደምታ ንምብጻሕ ተወሳኺ ትንተና ናይ ዝለዓለ ፅሬት ዘለዎ ምስሊ ከድሊ እዩ።

እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ትካላት ኒዩክለር ኢስፋሃን ዝተረኽበ ምስሊ የለን።

ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት ግን፡ "ኣብ ኒዩክለራዊ ቦታታት ኢራን ዝበፅሐ ዕንወትእ የለን" ክብል ገሊጹ።