ኢራን - እስራኤል፡ መበገሲ ኣብ መንጐአን ዘሎ ወጥሪ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ወጥሪ ይዓርግ ኣሎ።
ቀዳም ምሸት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ፈጺማ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ካቢኔ ኲናት ሃገሩ ጸዊዑ ነቲ መጥቃዕቲ ንምግጣም “መከላኸሊ ስርዓታት” እታ ሃገር ከም ዝተዋፈረ ገሊጹ።
ኢራን ብ1 ሚያዝያ 2024፡ ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝታ ድሕሪ ምቕታሎም ሕነ ክትፈዲ ምዃና ተሓንያ ነይራ፤ እቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝፈጸመቶ ትኸስስ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብዓርቢ፡ ቴህራን ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል’ያ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ድሕሪ'ዚ መግለጺ፡ ካብ ኢራን ክፍኖ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ምላሽ እናወሰኸ ምምጽኡ ይፍለጥ።
እዚ፡ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ወጥሪ ሓድሽ ክፋል ዝጸንሐ ቅርሕንቲ’ዩ።
እስራኤልን ኢራንን ንዓመታት ኣብ ደማዊ ወጠጥ ተጸሚደን ዝጸንሓ ኰይነን፡ ጻዕቂ ናይዚ ንሕንሕ ከከም ጂኦፖለቲካዊ ረቛሒታቱ ክፈላለ ጸኒሑ’ዩ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኰይኑ ኣሎ።
ንቴህራን እስራኤል "ንእሽቶ ሰይጣን" እያ፤ ካብዚ ብዝብገስ እታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘላ መሓዛ ኣመሪካ - እስራኤል - ኒራን፡ “ዓባይ ሰይጣን” እያ ትብላ።
እስራኤል፡ ኢራን ን”ኣሸበርቲ” ጕጅለታት ትምውልን ብጸረ-ሴማውነት ዝተደፋፍአ ኣንጻር ረብሓታት እስራኤል መጥቃዕቲ ትፍጽምን ኣላ ክትብል ትኸስስ።
ኣብ መንጐ እዘን “ዓበይቲ ጸላእቲ” ክካየድ ዝጸንሐ ንሕንሕ፡ ጠንቂ ሞት ብዙሓት ሰባት ኰይኑ’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ክልቲኦም መንግስታት ንዝፍጽምዎም መጥቃዕቲታት ሓላፍነት ወሲዶም ኣይፈልጡን።
እቲ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዝኸፍአ ክኸውን ገይሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወጥሪ እስራኤልን ኢራንን ብኸመይ ጀሚሩ?
ዝምድና እስራኤልን ኢራንን፡ እቲ እስላማዊ ሰውራ ኣያቶላሃት ዝበሃል ስልጣን ክሕዝ እንከሎ ክሳብ 1979 [ኣ.ኣ] ኣዝዩ ምዉቕን ልባውን እዩ ነይሩ።
ኢራን፡ ነቲ ኣብ 1948 ሃገረ እስራኤል ንምፍጣር ዝመርሐ ውጥን ምምቕቓል ፍልስጤም እኳ እንተተቓወመቶ፡ ንግብጺ ስዒባ ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝሃበት ካልኣይቲ እስላማዊት ሃገር እያ ነይራ።
ኣብቲ እዋን ኢራን ብስርወ መንግስቲ ፓህላቪ ሻህ እትመሓደር ንግስነት ኰይና፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝነበራ ቀንዲ መሓዙት ኣመሪካ ነይራ።
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ መስራቲ እስራኤልን ቀዳማይ መራሒ መንግስቲ እስራኤልን ደቪድ ቤን-ጉርዮን፡ ሓድሽ መንግስቲ ኣይሁድ ብጐረባብቲ ሃገራት ዓረብ ንዝገጥሞ ምንጻግ ንምምካት ዝሕግዝ መገዲ ምስ ኢራን ምሕዝነት ምምስራት ከም ዝዀነ ብምእማን ኣዐወቶ።
ኣብ 1979 ግን ሰውራ ሩሆላህ ዅመይኒ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ንግስነት ኢራን ኣልዩ፤ ተሓላቒት ውጹዓት ኰይና እትቐርብ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኣቚሙ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለለዪ መንነት እዚ ሓድሽ መንግስቲ ድማ፡ “ሃጸይነት” ኣመሪካን መሓዛኣ እስራኤልን ምንጻግ ነበረ።
እቲ ሓድሽ ስርዓት ኣያቶላህ ምስ እስራኤል ዝነበሮ ዝምድና ኣቋሪጹ፡ ንፓስፖርት ዜጋታት እስራኤል ኣፍልጦ ምሃብ ነጺጉ። ነቲ ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ብምዕጻው፡ ነቲ ሃገረ ፍልስጤም ንምቛም ኣንጻር እስራኤል ዝግበር ቃልሲ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) ሂቡዎ።
ኣብ ክራይስስ ግሩፕ ዳይረክተር ፕሮግራም ኢራን ዝዀነ ዓሊ ቫዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነበረ ጽልኢ ዓንዲ ናይቲ ሓድሽ ስርዓት ኢራን እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ብዙሓት መራሕቱ ኣብ ከም በዓል ሊባኖስ ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ፍልስጤማውያን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሳተፉን ንፍልስጤም ዓብይ ምድንጋጽ ዝነበሮምን’ዮም” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብተወሳኺ፡ “ሓዳስ ኢራን ንነብሳ ከም ፓን-እስላማዊት ሓይሊ ክትርአ ደልያ፤ ነቲ ሃገራት ዓረብ ኣስላም ዝገደፋኦ ጉዳይ ፍልስጤም ኣንጻር እስራኤል ድማ ኣለዓዒላቶ” ክብል የብርህ።
በዚ መንገዲ’ዚ፡ ዅመይኒ ንጉዳይ ፍልስጤም ከም ናይ ባዕሉ ጉዳይ ክርእዮን ኣብ ቴህራን ዝካየዱ ንፍልስጤም ዝድግፉ ሰልፍታት ልሙዳት ክዀኑን ጀሚሮም።
ቫኤዝ “ኣብ እስራኤል፡ ክሳብ ደሓር ኣብ ልዕሊ ኢራን ጽልኢ ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ንዒራቕ ዝመርሐ ሳዳም ሑሴን ከም ዓብይ ዞባዊ ስግኣት ይርአ ስለ ዝነበረ ክሳብ ኣብ 1990ታት ኣንጻር ኢራን ጽልኢ ኣይጀመረን ነይሩ” ይብል።
ስለዝዀነ፡ እስራኤል ነቲ ኣመሪካ ካብ 1980 ክሳብ 1988 ኣንጻር ዒራቕ ኣብ ዘካየደቶ ኲናት ንኽትጥቀመሉ ኣጽዋር ናብ ኢራን ከቕንዕ ትገብረሉ ዝነበረት ብ‘ኢራን-ኮንትራ’ ዝፍለጥ ሕቡእ መደብ መንጐኛ እያ ነይራ።
ምስ ግዜ ግን እስራኤል ንኢራን ከም ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ሓደጋታት ህላወኣ ክትርእያ ጀሚራ፤ ኣብ መንጐአን ዝነበረ ወጥሪ ድማ ካብ ቃላት ናብ ተግባር ተሰጋጊሩ።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ‘ጽላሎት ኲናት
ቫኤዝ፡ ኢራን ፋርሳዊትን ሺዓን ምዃና ብምግንዛብ፡ “ስርዓት ኢራን ዝገጠሞ ተነጽሎ ተገንዚቡ፡ ነዚ ንምክልኻል ዝዓለመ ስትራተጂ ከማዕብል ጀሚሩ” ክብል ይጠቅስ።
በዚ ድማ ምስ ቴህራን ዝተሰለፉ መርበብ ውዳበታት እናበዝሑን ንረብሓታታ ዝምችእ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከካይዱን ጀሚሮም።
ካብዚኦም እቲ ብኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ኣካል ዝምደብ ዕጡቕ ሓይሊ ሊባኖስ ዝዀነ ሕዝቦላሕ እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ "ልፍንቲ ተቓውሞ" ኢራን ዝበሃል ብሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ዒራቕን የመንን ኣቢሉ ይዝርጋሕ።
እስራኤል፡ ምስ ኢራንን መሻርኽታን መጥቃዕትን ካልእ ተጻባኢ ተግባራትን ተለዋዊጣ እያ።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብተን ደገፍቲ ኢራን ዝዀኑን ብኢራን ዝምወሉን ዝድገፉን ዕጡቓት ጕጅለታት ዘለውለን ሳልሳይ ሃገራት እያ ተራጺማ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ መንግስታት እተን ሃገራት ዝነበሮም ተሳትፎ ብወግዒ ዘይተኣመንሉ ኣብ ንሓድሕደን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ክካየድ ብምጽንሑ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ “ጽላሎታዊ ኲናት” ተባሂሉ ክግለጽ ጸኒሑ።
ኣብ 1992 ምስ ኢራን ቅርበት ዘለዎ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 29 ሰባት ሞይቶም።
ቅድሚኡ መራሒ ሕዝቦላሕ ዓባስ ኣል ሙሳዊ ተቐቲሉ ነይሩ፤ እዚ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ ኣገልግሎት ስለያ እስራኤል ፈጺምዎ እዩ ዝበሃል።
እስራኤል፡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኢራን ፈጺሙ ኣቶሚክ ኣጽዋር ከይኣቱ ደው ንምባል፡ ንመደብ ኒዩክለራዊ መደብ ኢራን ምፍሻል ወትሩ ድቃስ እትስእነሉ ጉዳይ እዩ።
እስራኤል፡ መደባት ኒዩክሌር ኢራን ንሲቪላዊ ዕላማ ጥራይ ዝውዕል’ዩ ዝብል መልእኽትታት ኣይትኣምኖን።
ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር ድማ ኣብተን ቀዳሞት ዓሰርተ ዓመታት 2000፡ ኣብ ኒዩክለራዊ ትካላት ኢራን ከቢድ ጉድኣት ዘውረደ ‘ስቱክስነት’ ዝተባህለ ቫይረስ ኮምፒዩተር ኣማዕቢላ።
ቴህራን፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ካብቶም ቀንዲ ተመራመርቲ ፕሮግራም ኒዩክሌር ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንስለያ እስራኤል ክትነቅፍ ጸኒሓ።
እቲ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝርአ ቅትለት፡ ኣብ 2020 ኣብ ልዕሊ እቲ ዝለዓለ ክኢላ ተባሂሉ ዝግለጽ ሞሕሰን ፋኽሪዛደ ዝተፈጸመ እዩ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሞት ኢራናውያን ተመራመርቲ ኢድ ኣለዎ ንዝብል ክስታት ተኣሚኑ ኣይፈልጥን።
እስራኤል ምስ ምዕራባውያን መሻርኽታ ብምዃን፡ ኢራን ኣብ ሕሉፍ ኣብ ልዕሊኣ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሮኬትን ከም ዝፈጸመት ከምኡ’ውን ሓያሎ መጥቃዕቲታት ሳይበር ከም ዘካየደት ትኸስስ።
እቲ ኣብ 2011 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ካልእ ምኽንያት ወጥሪ እዘን ሃገራት እዩ።
ምንጭታት ስለያ ምዕራባውያን ከም ዝሕብርዎ፡ ኢራን ፕረዚደንት በሽር ኣል ዓሳድ ኣንጻር ከውድቕዎ ዝደልዩ ዕጡቓት ንምውጋእ ሓገዝ ገንዘብ፡ ኣጽዋርን ኣሰልጠንትን ልኢኻ እያ።
እስራአል፡ ጎረቤት ሃገር ሶርያ፡ ኢራናውያን ኣጽዋር ካብ ዝልእኹለን ቀንዲ መንገድታት ሓንቲ እያ ከም ዝዀነትን ኣብ ሊባኖስ ንዘለው ሂዝቦላሕ ንምዕጣቕ ከም እትጥቀመላን ትአምን።
ብመሰረት ስለያ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እስራኤልን ኢራንን፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንኸይፍጽም ንምግታእ ኣብ ሶርያ ስጕምቲታት ወሲደን እየን።
እቲ “ናይ ጽላሎት ኲናት” ኣብ 2021 ናብ ባሕሪ በጺሑ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ እስራኤል ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዖማን ኣብ ልዕሊ መራኽብ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺማ ክትብል ከሲሳ።
ኢራን ብወገና፡ እስራኤል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽባ ኣጥቂዓ ክትብል ከሲሳ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል
ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብዕጡቓት ፍልስጤም ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕትን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትን፡ እቲ ግጭት ኣብቲ ዞባ ሰንሰለታዊ ግብረመልሲ ከለዓዕል ከም ዝኽእል ተንተንቲን መንግስታትን ዓለም፡ ስክፍታኦም ገሊጾም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።
እዚ ድማ፡ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ዝህሉ ቀጥታዊ ረጽሚ ዝሓውስ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጐ ሓይልታት እስራኤልን ምስ ሕዝቦላህ ምትእስሳር ኣለዎም ዝተባህሉ ሚሊሻታትን ብዝነበረ ረጽሚ ኣብ ዶብ ሊባኖስ ንዝነበረ ምትህልላኽ ክውስኽ ምኽንያት ከም ዝዀነ ይፍለጥ።
ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝተጐበጠ ግዝኣታት ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ምስ ፍልስጤማውያን ሰልፈኛታት ዝካየድ ግጭት ነይሩ።
ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኢራንን እስራኤልን ተጻብኦአን ናብ ሰፊሕ ውግእ ካብ ምብራኽ ተቘጢበን ነይረን። ኣብ መወዳእታ፡ ቴህራን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ሰዲዳ።
ብመሰረት ቫኤዝ “እቲ ዝገርም ነገር ሕጂ ሰፊሕ ግጭት ዝደሊ ዘየሎ ምዃኑ እዩ፤ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ ኣብ ዝገበረቶ ኣዕናዊ ኲናት ሽዱሽተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ብደረጃ ዓለም ዝነበራ ቅቡልነት ሰፊሕ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ፤ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ድማ ተነጽሎ ኣስዒቡላ ኣሎ” ይብል።
ኢራን ዘይከም ሓማስ፡ ብደረጃ ሃገር እትዋሳእን ሓያልን ምዃና የጠንቅቕ።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ “ብዙሕ ቁጠባዊ ጸገማት ኣለዋ፤ መንግስቲ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ሕጋውነት ቅልውላው ገጢሙዎ ይርከብ” ኢሉ።
ኣብታ ሃገር፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ብዘጋጥመን ዘሎ ሃይማኖታዊ ክልከላታት ምኽንያት ንኣዋርሕ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ከካይዳ ጸኒሐን እየን።
ኣብ ልዕሊ ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ቆንስል ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ከም በዓል ጀነራል ሓለዋ ሰውራ መሓመድ ረዛ ዛህዲን ምክትሉ ሃዲ ሓጅርያሂሚን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኢራን ዝርከብዎም 13 ሰባት ክሞቱ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ብድሕሪኡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን “ንወራሪ መቕጻዕቲ” ክወሃቦ’ዩ ክብል ተሓንዩ።
ኣብ ሶርያ ዝርከብ ኣምባሳደር ሑሴን ኣክባሪ ድማ እቲ ምላሽ "ወሳኒ" ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።
እቲ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ብርግጽ ናይ መወዳእታ ኣይከውንን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







