‘ኣይረን ዶም’፡ እስራኤል እትምከሓሉ ጸረ-ሚሳይል እንታይ እዩ፡ ብኸመይከ ይሰርሕ?

እስራኤል እቲ ሰርዓት ፀረ-ሚሳኤል 90 ሚኢታዊት ውፅኢታዊ ምዃኑ ትኣምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል እቲ ሰርዓትፀረ-ሚሳኤል 90 ሚኢታዊት ውፅኢታዊ ምዃኑ ትኣምን

እስራኤል ካብ ኢራን ዝተወንጨፉ ኣማኢት ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ-ነፈርትን ናብ ክሊ ኣየራ ከይኣተዉ 99 ሚእታዊት ከምዘወደቐት ትገልጽ።

እስራኤል ካብ ዝዀነ ወገን ዝመጽእ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሮኬትን ንነብሳ ንምክልኻል "ኣይረን ዶም" ዝበሃል ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ትጥቀም።

ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ፡ ዕጡቕ ጕጅለ ፍልስጤም ሓማስ ናብ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሮኬታት ምስ ተኰሰ፡ እዚ ጸረ-መጥቃዕቲ ስርዓት ንብዙሓት ሮኬታት ብምፍሻል ነታ ሃገር ከም ዝሓገዛ ይንገር።

ገለ ካብተን ሮኬታት ሓማስ ግን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዓሊበን ጉድኣት ኣውሪደን እየን።

ኣይረን ዶም እንታይ እዩ፡ ብኸመይከ ይሰርሕ?

ኣይረን ዶም ካብ ናይ ሓጺር ርሕቀት ኣጽዋር ውግእ ንምክልኻል ዓሊሙ ዝተዳለወ እዩ። ኣብ ኵሉ ኵነታት ኣየር ድማ ይሰርሕ።

ንዝተወንጨፈ ሚሳይላት [ሮኬታት] ንምፍላጥ ራዳር ዝጥቀም ኰይኑ፡ እቶም ሚሳይላት ኣብ መንበሪ -ኣባይቲ ወይ ኣብ ሰጣሕ ሜዳታት ክዓልቡ ምዃኖም ኣቐዲሙ ናይ ምውሳን ዓቕሚ ኣለዎ።

እዚ መጥቃዕቲ ኣየርን ከበድቲ ኣጽዋርን ቀዲሙ ንምሕባር ዝውዕል ሚሳይል፡ ኣብ ዓሰርተ ዝተፈላለየ ቦታታት እስራኤል ‘ተጻዊዱ’ ይርከብ።

ነፍሲ ወከፍ ካብዘን ጸረ-ሚሳይል ዝውንጨፋ ነፈርቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጸረ-ሚሳይል ዝውንጨፋ ዘለወን ኰይነን ነፍሲ ወከፈን ክሳብ 20 ሚሳይላት ዝሓዛ እየን።

ስርዓተ ምክልኻል ኣይረን ዶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንክሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሮኬት ክልተ ታሚር ክሩዝ ሚሳይላት ይትኩስ።

ዓለምለኻዊ ማእከል ስትራተጂያዊ መጽናዕትታት፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቶም ዓሰርተ ጸረ-ኣየር ሚሳይላት ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ዝውድእ ምዃኑ ይግምት።

እቲ 'ኣይረን ዶም' ዝበሃል ስርዓት ምክልኻል ሚሳይል፡ ዋላ'ኳ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት እንተዀነ፡ ኣብ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ዓሊቡ ዕንወት ከስዕብ ዘኽእል መጥቃዕቲ ንምፍሻል ጥራይ'ዩ ዝትኮስ።

ኣይረን ዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መን እዩ ሰሪሕዎ? መዓስከ ኣብ ግብሪ ወዒሉ?

እቲ ’ሓጺናዊ ጎቦ’ ዝብል ትርጕም ዘለዎ ‘ኣይረን ዶም’ መጸውዒኡ ስርዓት ጸረ-ሚሳኤል፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2006 ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ሕዝቦላህን ዝተፈጥረ ግጭት ዝተሃንጸ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሕዝቦላህ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሮኬታት ናብ እስራኤል ብምውንጫፍ፡ ሰፊሕ ዕንወት ኣስዒቡ፡ ብዙሓት ዜጋታት ድማ ቀቲሉ።

እዚ ድሕሪ ሓደ ዓመት’ዚ መጥቃዕቲ ግን፡ ‘ራፋኤል’ ዝተባህለ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ናውቲ ዘፍሪ ትካል ምክልኻል መንግስቲ እስራኤል፡ ሓድሽ ስርዓተ ምክልኻል ጸረ-ሚሳይል ንምህናጽ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ‘ኣይረን ዶም’ ንመጀመርያ ግዜ ከም ኣብ 2011 [ኣ.ኣ] እዩ ኣብ ረብሓ ውዒሉ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓማስ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝቈጻጸሮ ምድረበዳ -ቓዛ፡ ናብ ደቡባዊት እስራኤል ከተማ ቤርሸባ ገጹ ሮኬታት ይትኩስ ነይሩ።

ኣብ 2019፡ እታ ትኽ ትንፋስ መሓዛ-እስራኤል ዝዀነት ኣመሪካ፡ ነቲ ጸረ-ሚሳይል ስርዓት እስራኤል ብምዕዳግ ኣብቲ ናታ ጸረ-ሚሳይል ክትፍትኖ ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ።

ስርዓት ጸረ-ሚሳይል ኣመሪካ ፓትሪዮት ከምቲ ናይ ‘ሓጺን ጐቦ’ ብተመሳሳሊ መንገዲ እዩ ዝሰርሕ።

ርግጽ፡ ኣመሪካዊ ፓትሪዮት ግን ዋላ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛ ነፈርትን ካልእ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ክከላኸል ዓቕሚ ዘለዎ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ኣይረን ዶም ዋላ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይላት ከፍሽል ጥራይ ዝኽእል እንተዀነ፡ ኣመሪካ ምስቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣዋሂዳ ክትጥቀመሉ ደልያ።

ኣይረን ዶም ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እስራኤል ኣብ 2012 ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣይረን ዶም፡ ካብተን ብሓማስ ካብ ቓዛ ዝተተኮሳ ሮኬታት 84 ሚእታዊት ከምዝዓገተን ገሊጻ ነይራ።

ኣብቲ እዋን እቲ ጸረ-ሚሳይል ምክልኻል 573 ጸረ ሚሳይላት ብምትኳስ ን421 ካብተን ሮኬታት ሓማስ ኣብ ኣየር እንከሎ ብምህራም ከፍሽሎ ክኢሉ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ማንቸስተር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ክኢላ ምክልኻል ፕሮፌሰር ቴዎዶር ፖስቶል ግን፡ ኣይረን ዶም ካብተን ዝተተኮሳ ሮኬታት ምናልባት 10 ሚእታዊት ጥራይ ክዓግት ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

ኣብ 2021 ሓማስ ካብ ምድረበዳ ቓዛ 3000 ሮኬታት ከምዝወንጨፈን፡ ’ኣይረን ዶም’ ን90 ሚእታዊት ካብኣተን ከምዘፍሸለን ሰራዊት እስራኤል ይሕብር።

ኣብ መጀመርታ እቲ ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሓማስ 5000 ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝወንጨፈ ብምግላጽ፡ እስራኤል ግን እቲ ብዝሒ ዝተወንጨፈ ካብቲ ዝተባህለ ትሕቲ ፍርቂ ምዃኑ ትገልጽ።

እስራኤል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓማስ ካብ ዝወንጨፈን 2500 ሮኬታት፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ኣይረን ዶም 153 ሮኬታት ከፍሽል ክኢሉ።

እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ወይ ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ከምዝወደቓ ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ።

እንተዀነ ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ብሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤልን ከባቢታት ከተማ ተልኣቪቭን ብዝተፈጸመ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቘሰሉን ምሕባረን ይዝከር።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 8 ሽሕ ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝተተኮሳ ሓቢሩ።

ገለ ሮኬታት ካብ ኣይረን ዶም ኣምሊጠን ኣብ ዝተሃንጸ ቦታታት ወዲቐን ሓያሎ ሞትን መጕዳእትን ከምዘስዓበን ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

እንተዀነ፡ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሌተናል ኮሎኔል ጆናታን ኮንሪከስ፡ "ስርዓት ‘ኣይረን ዶም’ እንተዘይህሉ ነይሩ ቍጽሪ ናይቶም ዝሞቱን ዝቘሰሉን እስራኤላውያን ኣዝዩ ዝለዓለ ምዀነ" ኢሉ።

ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ካብ እትሰርሖም ክልተ መጻወድያታት ኣይረን ዶም ብምሃብ ንጸረ ሮኬት ምክልኻል እስራኤል ከተደልድል ምዃና ገሊጻ ኣላ።