ሓያለ ሃገራት ዘሳተፈ ብመጥቃዕቲ ሚሳይላት ዝተሰነየ ሰሙን፤ እንታይ’ዩ ዝኽሰት ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ሓደስቲ ግጭታት ተራእዮም እዮም።
ብሰንኩ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፤ ዋላ’ኳ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይግበሩ እንተሃለዉ እቲ ግጭት ናብ ርሑቕ ከባቢታት ናይቲ ዞባ ዝዝርጋሕ ዘሎ ይመስል።
ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ’ውን ብድሕሪኡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝተፈጸመቶ ደብዳብ፡ እቶም ንነዊሕ እዋን ሃዲኦም ዝነበሩ ግጭታት ክለዓሉ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ሳዕቤኑ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ የሕድር ኣሎ።
ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ከምኡ'ውን ናበይ ክመርሕ ከምዝኽእል ሓጺር መብርሂ ቀጺሉ ቀሪቡ ኣሎ።
ኢራን-ፓኪስታን
ብሰሉስ ኢራን ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መንገዲ ኣብ ልዕሊ መሬት ፓኪስታን ብሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጥቃዕቲ ኣካይዳ። ኢራን፡ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ እቲ ኣብ ውሽጢ መሬታ መጥቃዕቲ ዘካየደ ጀይሽ ኣል-ዓድል ዝተባህለ ኢራናዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሱኒ ኣስላም ምዃኑ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ብሰንኪ’ቲ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ክልተ ህጻናት ከምዝተቐተሉ ዝገለጸት ፓኪስታን፡ ናብቲ ብወገን ዶብ ኢራን ዝርከብ "መሕብኢ ግብረሽበራውያን" ዝበለቶም፡ ሚሳይላት ብምውንጫፍ ብቕልጡፍ ግብረ-መልሲ ሂባ። እዚ ድማ ኣርባዕተ ህጻናት፡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ከምዝተቐተለ ኢራን ገሊጻ።
እዚ ኵነታት ኣብቲ ድሮ ብዙሕ ቅልውላዋት ዘጋጠሞ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ክጋደድ ገይሩ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍድዳይ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ካብቲ ቀንዲ ቅልውላዋት ማእከላይ ምብራቕ ዝረሓቐ እዩ።
እንተዀነ እቲ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ግን ዘይርጕእ ስለዝዀነ፡ ገለ ተወሳኺ ፍጻመታት ነቲ ኵነታት ብቕልጡፍ ክጋደዶ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ጀይሽ ኣል-ዓድል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ምፍዳይ እንተፈጺሙ ነቲ ግጭት ክባራዕ ተኽእሎ ኣሎ።
የመንን ቀይሕ ባሕርን
ኣብ የመን ዝርከብ ምንቅስቓስ ሑቲ ዛይዲ ሺዓ፡ ኣብቲ ንንግዲ ዓለም ወሳኒ ዝዀነ መስመር ማይ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣካይዱ።
ኣብ ሕዳር ኲናት ቓዛ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ዝፍጽሞም መጥቃዕቲታት ኣሐይሉ እዩ። ምስ ፍልስጤማውያን ዘለዎ ምትሕግጋዝ ንምግላጽ ድማ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ደው እንተዘይሉ፡ ኣብ ልዕሊ "ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ" መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽል ኣጠንቂቝ ኣሎ።
ከም ሳዕቤኑ፡ ኵለን ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ዝርከባ ንግዳዊ መራኽብ ኣብ ሓደጋ ወዲቐን ኣለዋ፤ ኣብ መንጐ ምዕራባውያን ሓይልታት እዚ ዘይጽወር ነገር እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብመሻርኽቲ ሃገራት ተሓጊዘን፡ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ፈላሚ መጥቃዕቲ ኣየር ጀሚረን፤ እቲ ጕጅለ ግን ዝቕልበስ ኣይመስልን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ሑቲ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ንዝነበረት መርከብ ኣሜሪካ ወቒዖም፣ እዚ ድማ ወፍሮም ካብ ዝጅምሩ ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ መርከብ ኣሜሪካ ዝገብርዎ ዕዉት መጥቃዕቲ እዩ ዝመስል። ብረቡዕ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ካልኣይቲ መርከብ ብምውቃዕ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽሉ ቃል ኣትዮም።
እዚ ኵነታት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ምፍጻም ክትቅጽል ዘሎ ተኽእሎ ክብርኽ ገይሩ እዩ፤ ብተወሳኺ ኢራን ከ፡ ምላሽ ክትህብ ከምዘለዋ ግዴታ ክስምዓ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።
ብረቡዕ ወተሃደራዊ ሓላፊ እስራኤል "ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ [ኣብ ሰሜን ኲናት] ክኽሰት ተኽእሎኡ ካብቲ ዝሓለፈ ኣዝዩ ዝለዓለ'ዩ" ኢሉ።
እስራኤል-ሕዝቦላህ-ኢራን
ኣብ መንጐ ቀንዲ ጸላእቲ እስራኤልን ኢራንን ንዓመታት ዝቐጸለ ጽላሎት ውግእ ዝሓለፈ ሰሙንተወሊዑ ኣሎ።
ኢራን፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ትካል ስለያ እስራኤል ሞሳድ ዝርከበሉ እዩ ኣብ ዝበለቶ ኣብ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዞባ ኩርዲስታን ዒራቕ ዝርከብ ኢርቢል ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም። መሓዛ ኢራንን ተጻባኢት እስራኤልን ዝዀነት ዒራቕ፡ ሞሳድ ኣብኡ ከምዘይነበረ ብምኽሓድ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒናቶ ኣላ።
እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኢራንን ኣብ ሊባኖስ ድማ ክልተ ብኢራን ዝድገፉ ላዕለዎት ዕጡቓት ቀቲላ ንዝብል ክሲ ምላሽ ከምዝሃበት ኢራን ትገልጽ። ኣዛዚ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ሺዓ ሕዝቦላህ ሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ ብኢራን ዝድገፉ ላዕለዎት ዕጡቓት፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምክትል መራሒ ሓማስ ምዃኖም ይግለጽ።
እስራኤልን እቲ ኢራን ትምውሎን ተዕጥቘን ሕዝቦላህን ድሕሪ ምጅማር ኲናት ቓዛ፡ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ዝተለዋወጡሉ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ሓደ ካብቶም ሓደገኛታት ግንባራት ናይቲ ዞባ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NURPHOTO
ኢራን-ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ
ኢራን፡ ኣብ ዒራቕ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመትሉ እዋን፡ ብ3 ጥሪ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ንዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ ቦምባታት ሕነ ንምፍዳይ ንመደበራት ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዒላማ ከምዝገበረት ብምግላጽ፡ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዓመጽቲ እትርከብ ኣውራጃ ብዘወንጨፈቶም ሚሳይላት 94 ሰባት ተቐቲሎም።
ሱኒ ጅሃዳዊ ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ንሽዓ ኣስላም ከም መናፍቓን እዮ ዝቘጽሮም፤ ኢራን ድማ ኣብቲ ዞባ ዓብላሊት ሓይሊ ሺዓ እያ።
ኢራን ቀንዲ መሓዛ መንግስቲ ሶርያ እያ፤ ኣብቲ ዕጡቓት ዝቈጻጸርዎ ዞባ ብቐጥታ መጥቃዕቲ ምፍጻም ሳሕቲ ዝርአ ስጕምቲ’ኳ እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ጸላእታ ግን ሓያል ስጕምቲ ክትወስድ ድልውቲ ምዃና ዘመልክትን እዩ።
እስራኤል-ሶርያ-ኢራን
ብቀዳም ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ሶርያ ደማስቆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ይሕብር። ሓሙሽተ ካብኣቶም ላዕለዎት ኣባላት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን እዮም።
ሶርያን ኢራንን ንእስራኤል ወቒሰን፤ ኢራን ድማ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ተሓንያ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ከባቢ ደማስቆ ድሕሪ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲታት እዩ።
እስራኤል ርእይቶ ኣይሃበትን፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ኣብ ሶርያ ምስ ኢራን ምትእስሳር ኣለዎም ኣብ ዝበለቶም ዒላማታት መጥቃዕቲ ምፍጻም ዘካተተ ኣማኢት ስርሒታት ኣየር ከምዘካየደት ተኣሚና እያ። ክሳዕ ሕጂ ንሓንቲ ነፋሪት ውግእ ብመከላኸሊ ኣየር ሶርያ ምዕጋት ዘይተፈጸመ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ እንተተኸሲቱ ወይ ድማ ቀታሊ ሕነ ምፍዳይ እንተተፈጺሙ ግን ኣብቲ ብውግኣት ዝተዓብለለ ዞባ ሓድሽ ቅልውላው ከበግስ ተኽእሎ ኣሎ።
እስራኤል-ቓዛ
እቲ መበል 15 ሰሙን ዘቑጸረ ኣብ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ውግእ ቀጺሉ ኣሎ።
ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ብውሕዱ 891 ፍልስጤማውያን ብደብዳብ እስራኤል ከምዝተቐትሉን ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ድማ ልዕሊ 25 ሽሕ ከምዝሞቱን ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር። ብወገን እስራኤል ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሸሞንተ ወተሃደራት ክሞቱ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ውግእ ዝሞቱ ብድምሩ 188 በጺሑ እዩ።
እስራኤል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊት ከተማ ከሃን ዩኒስ መጥቃዕታ ኣሐይላ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ እቲ ግጭት ክሳዕ 2025 ክቕጽል ከምዝኽእል ምግላጹ ተሌቪዥን እስራኤል ኣብዚ ሰሙን ጸብጺቡ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
እስራኤል’ውን ብሰኑይ ብመኪና ግጭትን ብመውጋእቲ ኻራን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣጋጢምዋ’ዩ። በዚ ምኽንያት ፖሊስ ካብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ክልተ ፍልስጤማውያን ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም እዮም።
እቲ ሓማስ ዝነኣዶ መጥቃዕቲ፡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክቐተል እንከሎ፡ ካልኦት 17 ሰባት ድማ ኣቑሲሉ እዩ። ድሕሪ ምጅማር ኲናት ቓዛ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ካብ ዝተኻየዱ ፈላሞት መጥቃዕቲ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብቶም ክሳዕ ሕጂ ብሰንኪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዝተጸለዉ እስራኤላውያን ጭንቀት ክብርኽ ገይሩ ኣሎ።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እውን ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኲናት ዓመጽ እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ። ብረቡዕ እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ትሽዓተ ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱ ሓካይም ሓቢሮም። እስራኤል ብውሕዱ ሓሙሽተ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን መጥቃዕቲ ንምፍጻም መደብ ከምዝነበሮም እያ ትገልጽ።
ሓይልታት ጥምረት ዒራቕ
ብቀዳም ኣብ ምዕራብ ዒራቕ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ኣብ ዝጥቀሙሉ መዓስከር ኣየር፡ ሚሳይላት ከምዝተተኮሱን ሓያሎ ወተሃደራዊ ኣባላት ኣሜሪካ ከምዝቘሰሉን ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝርከቡ ይጥርጠር።
ኣብ ዒራቕን ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያን ዝርከባ ሓይልታት ኣመሪካን መሻርኽቲን ዘዕቆባ መደበራት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብኢራን ብዝድገፉ ዕጡቓት ዓሰርተታት ግዜ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ኰይኑ እዚ ድማ ካብ ኣሜሪካ ሕነ ምፍዳይ ኣስዒቡ።
እቶም መጥቃዕቲታት ከም ኣካል ናይቲ ኢራን ምስ ኣሜሪካ እትገብሮ ዘላ ተዘዋዋሪ ግጭት ዝረኣዩ ኰይኖም፡ እታ ሃገር ብርሑቕ ኣብ ልዕሊ ንብረት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል እያ።
ከም ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ዳግማይ ንኸይትንስእ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኣስታት 3,400 ኣባላት ጥምረት ኣብ ዒራቕን ሶርያን ይርከቡ።
ካልኦት ዓውዲታት
ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ካልእ ቦታታት ማእከላይ ምብራቕ’ውን ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገር ትፍጽሞም መጥቃዕቲ ኣጋጢሞም እዮም።
ብሰኑይ ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ዝርከቡ ዕጡቓት ኩርዳውያንን ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ብኣሜሪካ ዝድገፍ ብኩርዳውያን ዝምራሕ ኪዳን ምልሻን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ከምዘፍለጠ ይዝከር።
እቶም ዳሕረዎት መጥቃዕቲታት ኣካል ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ቱርኪን ዕጡቓት ጉጅለታት ኩርዳውያንን ዝቐጸለን ደማዊ ግጭት እዩ። እታ ብዙሓት ኩርዳውያን ዘለዉዋ ቱርኪ ከም ግብረሽበራዊ ውድባት እያ ትቘጽሮም። ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲታት ልዕሊ 3 ሽሕ እሱራት ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝርከብዎ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወቕዐ ይግለጽ።
ዮርዳኖስ ምስ ሶርያ ኣብ ትዳወበሉ ስግር እውን፡ ሳሕቲ ዝርአ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዳ እያ። ህጻናት ዝርከብዎም ዓሰርተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ድማ ይግለጽ። እቲ መጥቃዕቲ ንኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ይግመት። ዮርዳኖስ፡ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት ካፕታጎን ብዝብል ዝጽዋዕ ኣምፈታሚን (ሓሽሽ) ናብ ሃገራ ኣእትዮም ይሸጡ ኣለዉ ክትብል ትኸስስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







