ኣሜሪካ ንዒላማታት ሑቲ ራብዓይ ዙርያ መጥቃዕቲ ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ፡ ኣብ የመን ብኢራን ንዝድገፉ ሑቲ ራብዓይ ዙርያ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ሰበስልጣን ፔንታጎን ብረቡዕ ምሸት ኣረጋጊጾም።
ኣሜሪካ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ ንምጥቃዕ ዝዓለሙ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዝገለጸቶም 14 ሚሳይላት ሑቲ ከምዘበርዓነት እውን ገሊጻ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ እዚ ኣሜሪካ፡ እቶም ቦታታት ካብ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ብዝተተኮሱ ሚሳይላት ቶማሃውክ ከምዝተሃርሙ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣሜሪካ ንሑቲ "ዓለማውያን ኣሸበርቲ" ኢላ ኣብ ዝገለጸትሉ እዋን'ዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ዝገብርዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
ሑቲ ኣብ ሕዳር ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ መጥቃዕቲ ብምጅማር፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ምላሽ ይህቡ ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዓለም ሓደ ካብ ጽዑቓት መስመራት መራኽብ ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ንግዳዊ መራኽብ ጽዕነት ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ መጥቃዕትታት ኣካይዱ።
ከም ግብረመልሲ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብ11 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ዒላማታት ሑቲ ማዕበል መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይደን እየን።
እቲ መጥቃዕቲ ብኣውስትራልያ፡ ባሕሬን፡ ሆላንድን ካናዳን ዝድገፍ ኰይኑ ሓይልታት ሑቲ ኣብቲ ዞባ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባሎም እዩ ተጀሚሩ።
እቲ ብረቡዕ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ተዋጋእቲ ሑቲ ኣብ ንግዳዊ መራኽብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ብምክያዶም ዝሰዓበ እዩ።
ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ እቲ ጕጅለ ኣብዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ብኣሜሪካ ንእትውነን መርከብ ወቒዑ ነይሩ።
እቶም ሓይልታት ኣብ ወሽመጥ ዓደን ንዝርከብ ጀንኮ ፒካርዲ ዒላማ ንምግባር ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተጠቕሙ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ እዚ ኣሜሪካ ሓቢሩ።
እታ መርከብ ገለ ጉድኣት እኳ እንተበጽሓ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ግን ዝዀነ ኣባል መርከብ ኣይተጐድአን።
ትማሊ ሰኑይ ሑቲ ንኻልእ መርከብ ኣሜሪካ ብባሊስቲክ ሚሳይል ወቒዖም፡ እዚ ድማ እቲ ጕጅለ ወፍርታቱ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ መርከብ ኣሜሪካ ዘካየዶ ዕዉት መጥቃዕቲ ይመስል።
ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ናይ ረቡዕ መጥቃዕቲ ናይ ቅድመ-ምክልኻል ስራሕ ከምዝነበረን፡ ብዕጡቓት ኣብ ቀረባ እዋን ክትኮስ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣጽዋር ከምዘዕነወን ገሊጾም።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዞም ኣብ መወንጨፊ ዝርከቡ ሚሳይላት፡ ንንግዳዊ መራኽብን ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካን ሓደጋ ስለዝዀኑ ኣብ ዝዀነ እዋን ክተኮስ ይኽእል ነይሩ፤ እዚ ድማ ሓይልታት ኣሜሪካ ንነብሶም ናይ ምክልኻል ባህርያዊ መሰሎምን ግዴታኦምን" ምዃኑ ገሊጹ።
"እቲ መጥቃዕቲ፡ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ ኣህጉራውን ንግዳውን መራኽብ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘይሓላፍነታዊ መጥቃዕቲ ንምቕጻል ዘለዎም ዓቕሚ ከጕድል'ዩ" ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ክፍሊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይነበሮ ሓቢሩ።
ኣዛዚ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጀነራል ሚኪኤል ኩሪላ፡ ሃገሩ፡ ተዋጋእቲ ሑቲ "ኣህጉራውያን ባሕረኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉን ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ጐድኒ ዝርከቡ መስመራት ማይን ንግዳዊ መስመራት መራኽብ ምዝራግ ዝቕጽል እንተዀይኖም" ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ገሊጹ።
የመን ኣብ 2015 ብሰንኪ ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ዕንወት ኣጋጢምዋ። ሑቲ ካብቲ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ንሰፊሕ ክፋል ምዕራብ እታ ሃገር ተቘጻጺሮም፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ድማ ጣልቃ ብምእታው ነቲ ስርዓት ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕርታት ኣካይዱ ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ውግእ ልዕሊ 160 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ኣብ ዓለም ካብ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከምዝዀነን ይፍለጥ። 21 ሚልዮን ህዝቢ የመን ድማ ተጸባይ ሓገዝ ክኸውን ኣገዲዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







