ብሰንኪ ግጭት እስራኤል-ሓማስ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ እስራኤልን ቓዛን ዘሎ ኵነታት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝመጽእ ምህርቲ ከተኣጓጕል ይኽእል እዩ ብዝብል ስክፍታ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ።
ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ንሓደ በርሚል ብ2.25 ዶላር ወሲኹ፡ ናብ 86.83 ዶላር ከም ዝበጽሐ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ኣሜሪካ ዋጋታት'ውን ብ 2.50 ዶላር ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።
እስራኤልን ግዝኣታት ፍልስጤምን ኣፍረይቲ ነዳዲ ‘ኳ እንተዘይኰና ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ግን ዳርጋ ሲሶ ካብ ዓለማዊ ቀረብ ከምዝሽፍን ይፍለጥ።
ትማሊ ሰኑይ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንዝነጥፍ ኣሜሪካዊ ትካል ነዳዲ ሸቭሮን ምፍራይ ደው ከብል ኣዚዛ’ላ።
እቲ ነዳዲ ዘፍሪ ትካል ካብ ቓዛ ብዝትኮሱ ሮኬታታት ክብጻሕ ኣብ ዝኽእል ርሕቐት እዩ ዝርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብሰንኪ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ግጭታት ነቲ ነዳዲ ዝፈርየሉ ቦታ ክዓጹ ዝጸንሐ ሚኒስትሪ ጸዓት እታ ሃገር፡ ድሌታት ነዳዲ እስራኤል ንምምላእ ካብ ካልኦት ምንጪታት ብእኹል መጠን ይቐርብ ከምዝነበረ ይገልጽ።
ተንታኒ ጸዓት ሳውል ካቮኒክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ "እቲ ግጭት ናብተን ኣብ ቀረባ ዝርከባ ከም ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳዲ ሃገራት ክላባዕ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት" ከምዝወሰኸ ኣረዲኡ።
ትማሊ ሰኑይ ንግሆ፡ ዋጋ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ንሓደ በርሚል ብ2.50 ዶላር ብምውሳኽ 85.30 ዶላር በጺሑ’ሎ።
ተንታኒ ጸዓት ሳውል ካቮኒክ "እቲ ግጭት ነታ ንመጥቃዕቲ ሓማስ ደጊፋ ተባሂላ ዝተኸሰሰት ኢራን እንተጸንቢሩ ካብ ዓለማዊ ቀረብ ነዳዲ እቲ ክሳብ 3 ሚእታዊት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ካፒታል ኢኮኖሚክስ ዋና ክኢላ ስነ-ቝጠባ ፍርያት ዝዀነት ካሮሊን በይን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ኢራን ዋላ’ኳ እገዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ እንተሃለወ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት ምህርቲ ነዳዲ እናወሰኸት ከምዝጸንሐት ተዛሪባ።
ብሓፈሻ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ዘለዋ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ጠለብ ነዳዲ ካብ ቀረብ ክዛይድ ትጽቢት ከምዘሎ ዝሓበረት እታ ክኢላ ስነ-ቝጠባ "እዚ ድማ ንምውሳኽ ዋጋታት ከምዘጠናኽር" ኣተንቢሃ።
ሳውል ካቮኒክ ብወገኑ፡ በቲ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ነዳዲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ (መጻብቦ - ንኽልተ ባሕርታት ወይ ውቅያኖሳት ዘራኽብ ክሳድ ማይ) ምሕላፍ እንተተኣጓጒሉ ኣስታት ህምሺት ካብ ዓለማዊ ቀረብ "ጅሆ ክተሓዝ'ዩ" ኢሉ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ነተን ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባን ቍጠብአን ካብ ፍርያት ነዳዲን ጋዝን ዝተሃነጸን ቀንዲ ሰደድቲ ነዳዲ ዝዀና ሃገራት ወሳኒ እዩ።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍጻማ ስዒቡ ዋጋ ነዳዲ ከምዝነሃረ ይዝከር። ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ንሓደ በርሚል ልዕሊ 120 ዶላር በጺሑ ነይሩ።
ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ናብ 70 ዶላር ንሓደ በርሚል ወሪዱ ነይሩ። ኰይኑ ግን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣፍረይቲ ንዕዳጋ ንምድጋፍ ብዝብል መጠን ፍርያት ክድርታ ብምፍታነን ብቐጻሊ ክውስኽ ጸኒሑ።
ዓባይ ኣፍራዪት ነዳዲ ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ሓምለ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚልዮን በርሚል ምጕዳል ክትገብር ምዃና ገሊጻ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







