ኣመሪካ መራኽብ ውግእ ናብ እስራኤል ኣፀጊዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ነፈርቲ ዝጽዕና መራኽብ፣ መራኽብ ውግእን ነፈርትን ናብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ተግዕዝ ከምዘላ ከምኡ'ውን ንእስራኤል ተወሳኺ ኣፅዋርን ተተኮስትን ክትልግስ ምዃና ኣፍሊጣ።
እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ባይደን "ተራእዩ ዘይፈልጥን ዘስካሕክሕን መጥቃዕቲ" ኢሉዎ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ሓያሎ ዜጋታት ኣመሪካ ካብቶም ዝሞቱ ምዃኖም ሓቢሩ።
እስራኤል ልዕሊ 700 ሰባት ከምዝተቐትሉን 100 ድማ ከምዝተጨውዩን ትገልፅ።
ኣብ ቃዛ፡ እስራኤል ዝፈፀመቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ስዒቡ፡ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ፍልስጤም ሓቢሮም ኣለዉ።
ሚኒስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ከምዝሓበሮ፡ ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ መራኽብ ፅዕነት ነፈርቲ፣ ክሩዘር ሚሳይልን ኣርባዕተ ኣዕነውቲ ሚሳይላትን ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ኣሎ። ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ እውን ተላኢከን ኣለዋ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ንእስራኤል ተወሳኺ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክለኣኽ ምዃኑ ዝገለጸ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ፡ ‘ጸላእቲ እስራኤል ካብቲ ኩነታት ክብለፁ ከይፍትኑ’ ኣመሪካ ትሰርሕ ከምዘላ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ብወገኑ፡ እስራኤል ነቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ክትሕተት ከምዘለዋ ብምኽኣሰስ ንመጥቃዕቲ ሓማስ ደገፉ ገሊፁ።
ሓማስ ካብ ኢራን ዝረኸቦ ደገፍ ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከም ዝሓገዞ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣመሪካ ቀጥታዊ ተሳትፎ ኢራን ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረከበት፣ እንተኾነ ግን ኢራን ነቲ ኣብ ጋዛ ዝመደበሩ ጉጅለ ንዓመታት ክትሕግዝ ከምዝፀንሐት ገሊፁ።
"ሓማስ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ኢራን ዝረኸቦ ደገፍ ዘይምረኸበ ነይሩ ሓማስ ኣይምኾነን። ኢራን ብድሕሪ እዚ ፍሉይ መጥቃዕቲ ከምዝነበረት ወይ ኣብዚ ጉዳይ ከምዝተሳተፈት ዝሕብር ቀጥታዊ መርትዖታት ክሳብ ሕጂ ኣይረኣናን። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተገብረ ደገፍ ግን ንጹር'ዩ" ክብል'ውን ንቲቪ ንኣመሪካ ተዛሪቡ።
ኢራን ኣብቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይብላ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዝነጸገት ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።
ብሊንከን፡ ዜጋታት ኣመሪካ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተታሕዙ ዝገልጽ ጸብጻባት ሰበስልጣን ሃገሩ ይከታተሉ ከምዘለዉ ገሊጹ።
"ሓያሎ ኣመሪካውያን ካብቶም ዝሞቱ ከምዘለዉ ዝሕብር ጸብጻባት ኣለና። ሓቃዊነት እዞም ጸብጻባት ንምርግጋጽ ኣዚና ብንጥፈት ንሰርሕ ኣለና" ክብል ትማሊ ሰንበት ንቲቪ ኣመሪካ ተዛሪቡ።
ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳይ፣ ዩክሬንን ታይላንድን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት እውን ሞት ዜጋታተን ከምዘጋጠመ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ንሱ ንኤቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ኣብ ከተማታቶም፣ ኣብ ኣባይቶም፣ ንሰላማውያን እስራኤላውያን ብጥይት ዝቐትል ዘሎ፡ ከምኡ'ውን ከምቲ ብምስሊ ዝረኣናዮ ቃል ብቓሉ ንሰባት ኣብ ዶብ ጋዛ ዝጎትት ዘሎ፡ ዓቢ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ'ዩ" ኢሉ።
"ስለዚ፡ እዚ ኣብ መላእ እስራኤል ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ዓለም ድማ በቲ ዝረኣየቶ ክትስንብድ ይግባእ" ክብል ገሊፁ።
ክሳብ ሕጂ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ደሃዮም ከም ዝጠፍኡ ይግለጽ። ካብኣቶም ሓደ ወዲ 23 ዓመት ኣመሪካዊ-እስራኤላዊ ሄርሽ ጎልበርግ-ፖሊን ኮይኑ፡ ኣብቲ ብዕጡቓት ዝተጠቕዐ ኣብ በረኻ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ሙዚቃ ዕዱም ነይሩ።
ወለዱ ንጋዜጣ ‘ኢየሩሳሌም ፖስት’ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ካብኡ፡ "ይፈትወኩም እየ"ን "ይቕሬታ"ን ዝብሉ ክልተ መልእኽትታት ከም ዝበጽሖም ሓቢሮም።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ ማይክል ሄርዞግ፡ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣመሪካውያን ካብቶም ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተጨውዩ ወተሃደራትን ሲቪላትን ከምዝርከቡ ከምዝተረድአን ዝርዝር ሓበሬታ ግን ከምዘይብሉን ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







