እስራኤል-ሓማስ፡ ኣብ ቓዛ 370፡ ኣብ እስራኤል 600 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል፡ ሓማስ መጥቃዕቲ ምክያድ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ 600 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ገሊጻ።
ብተወሳኺ 100 ሰባት ጅሆ ከም ዝተተሓዙን ልዕሊ 2000 ድማ ከም ዝቖሰሉን ኣፍሊጣ።
ሰበስልጣን ፍልስጤም ብወገኖም፡ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ልዕሊ 370 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተለ ሓቢሮም።
ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ትማሊ ናብ እስራኤል ድሕሪ ምእታዎም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ዝተወንጨፈ ኣሽሓት ሮኬታትን እስራኤላውያን ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ ነይሩ።
ኦፊር ሊብስታይን ዝተበሃለ መራሒ ሓደ ዞባዊ ባይቶ ደቡባዊ እስራኤል ምስ ዕጡቓት ብዝተገብረ ምልውዋጥ ተዅሲ ተቐቲሉ።
ሓያሎ እስራኤላውያን ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝተወሰዱ’ውን ይግለጽ ኣሎ።
እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያድ ቅልጡፍ ምላሽ ሂባ።
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ምውሳዱ ይፍለጥ።
ምክትል ሓላፊ ፖለቲካዊ ቢሮ ሓማስ ሳልሕ ኣልኣሩሪ፡ ካብ ሰራዊት እስራኤል "ላዕለዎት መኮንናት" ከም ዝማረኹ ገሊጹ።
ንሱ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንዅሎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ እሱራት ነጻ ከውጽእ’የ" ኢሉ።
"ብዙሓት ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ሞይቶም፡ ከምኡ'ውን ዝተማረኹ ኣለዉ፡ እቲ ውግእ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ይርከብ።"
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤያጃሚን ናታንያሁ፡ እስራኤል "ናብ ኲናት" ከም ዝኣተወት ብምግላጽ፡ ሓማስ "ርእይዎ ዘይፈልጥ ዋጋ ክኸፍል" ምዃኑ ኣጠንቂቝ።

ምንጪ ስእሊ, MOHAMMED SALEM/REUTERS
"ሎሚ ንግሆ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ሃገረ እስራኤልን ዜጋታታን ቀታሊ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ" ክብል ኣብ ቪድዮ መደረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ድሕሪ ዓመታት ኣብ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ካብ ዝተረኣዩ ከበድቲ ምዕባለታት ሓደ እዩ።
ተቓለስቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ቀዳም ወጋሕታ እዮም ሓጹር ሰጊሮም ኣትዮም። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ፡ ካብ ቓዛ ብርክት ዝበሉ ሮኬታት ዘወንጨፉ ኰይኖም፡ ገለ ካብዚኦም ክሳብ ተልኣቪቭን እየሩሳሌምን ዝበጽሑ እዮም።
እቶም ዕጡቓት ብኸመይ ነቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ጽኑዕ ዕርድታት ዘለዎ ዶብ ክሰግሩ ከም ዝኸኣሉ ንጹር ኣይኰነን።
እስራኤል ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ዕቑር ሰራዊት ከም ዘዋደደት ገሊጻ ኣላ።
ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ሓማስ ደብዳብ የካይዳ ከም ዘለዋን 17 ወተሃደራዊ ቀጽሪ’ቲ ጕጅለ ከም ዝሃረማን ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ ኣብ መጥቃዕቲ እስራኤል 198 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 1610 ድማ ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰንበተ-ኣይሁድ በዓል ‘ሲምቻት ቶራህ’ ኣብ ዝኽበረላ ወጋሕታ ቀዳም’ዩ ተፈጺሙ።
ኣብ መላእ እስራኤል መጠንቀቕታ ኣብ ዝወሃበሉ ዝነበረ እዋን፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል "ብዝሒ ኣሸበርቲ" ካብ ምድረበዳ ቓዛ ናብ መሬት እስራኤል ከም ዝኣተዉን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ገዛኦም ክጸንሑን ሓቲቱ።

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF AMRA/ANADOLU AGENCY VIA GETTY IMAGES
ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ኣብ ማዕከናት ዜና እቲ ጕጅለ ኣብ ዝገበሮ ፈነወ፡ እቲ ስርሒት ከም ዝተጀመረ ብምግላጽ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ክዋግኡ ጸዊዑ።
መሓመድ ደይፍ፡ "እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ምድሪ እቲ ናይ መወዳእታ ጎበጣ ንምፍራስ ዓቢ ውግእ ዝካየደላ መዓልቲ'ያ" ኢሉ።
ፖለቲካዊ መወዳድርቲ ሓማስ ዝዀነ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ህዝቢ ፍልስጤም ካብ "ራዕዲ ሰፋሮን ጎበጥቲ ወተሃደራትን" ንገዛእ ርእሱ ክኸላኸል መሰል ከም ዘለዎ ኣስሚሩ።
ስለያ እስራኤል ብኸመይ ነቲ ብዝግባእ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ሓማስ ብዝምልከት ኣቐዲሙ ክፈልጥ ከም ዘይከኣለ ዓቢ መርመራ ተጀሚሩ ከም ዘሎ ሰበስልጣን መንግስቲ እስራኤል ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፡ ሓማስ ዝፈጸሞም መጥቃዕቲታት ብትሪ ይኹንን ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀምስ ክለቨርሊ፡ ዓባይ ብሪጣንያ "ሓማስ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት እስራኤል ዝፍጽሞ ዘሎ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ብዘይጥርጥር ትኹንኖ" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር "ዓባይ ብሪጣንያ፡ እስራኤል ዘለዋ ንገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ወትሩ ትድግፍ’ያ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኔቶ ብወገኑ፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍጽሞ ዘሎ "ሽበራዊ መጥቃዕቲ" ኮኒኑ።
ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ "ሽበራ ብኣዝዩ መሕፈሪ መልክዑ" ኢላ ክትገልጾ እንከላ፡ ኣመሪካ ድማ "እስራኤል ንገዛእ ርእሳ ንምክልኻል ዘድልያ ምእንቲ ክትረክብ ክትሰርሕ" ምዃና ሓቢራ’ላ።
ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ብምድጋፍ ነቶም ዕጡቓት እንቋዕ ሓጎሰኩም ክትብል እንከላ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ድማ ኣብቲ እናተጓሃረ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት 'እስራኤል ጥራይ ተሓታቲት' ከም ዝዀነት ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF AMRA/ANADOLU AGENCY VIA GETTY IMAGES




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







