ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት እስራኤል ምስ ፍልስጤማዊ እሱር ጾታዊ ርክብ ፈጺመን ብዝብል ካብ ሓለዋ ተኣጊደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት እስራኤል ምስ ሓደ ፍልስጤማዊ እሱር ጾታዊ ርክብ ፈጺመን ብዝብል ክሲ ኣብ ዝለዓለ ፀጥታ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ሓለውቲ ኮይነን ከየገልግላ ተኣጊደን።
ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ እታ ወተሃደር ምስቲ ንሲቪል እስራኤል ዘጥቅዐ ፍልስጤማዊ እሱር ኣካላዊ ርክብ ከምዝነበራ ተኣሚና።
ንሳ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዝነበረት ኰይና፡ እዚ ድማ ንመብዛሕትኦም እስራኤላውያን ግዴታ እዩ።
ኣብ እስራኤል ደቂ ኣንስትዮ እንተወሓደ ንኽልተ ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ድማ ን32 ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህቡ ይግደዱ።
ኣስማት ናይቲ ነቲ ተግባር ፈጺሙ ዝተባህለ እሱርን እተን ወተሃደራት እስራኤልን ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን።
ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ፡ ኣቀማምጣ እቲ ቤት ማእሰርቲ ሓዊሱ ካልእ ዝርዝር ነገራት ክግለጽ ከምዘይብሉ ኣዚዙ።
ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ እታ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ወተሃደር፡ ካልኦት ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ምስ’ቲ እሱር ፆታዊ ርክብ ይገብራ ከም ዝነበራ እውን ገሊጻ።
ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ እስራኤል (IPS) እቲ ፍልስጤማዊ እሱር ቅድሚ ምስክርነት ክህብ ምሕታቱ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ካልእ ክፍሊ ከምዘረተቐየረ ገሊጹ።
ብዓርቢ ሓላፊ ኣገልግሎት ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ካቲ ፔሪን፡ ሚኒስተር ጸጥታ ኢታማር ቤን ግቪርን፡ ድሕሪ ደጊም ደቂ ኣንስትዮ ሓለውቲ ኣብተን ፍልስጤማውያን "ኣሸበርቲ" ዝሕዛ ልዑል ሓለዋ ዝግበረለን ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘየገልግላ ኣፍሊጦም።
ኣብ እስራኤል ዝለዓለ ሓለዋ ኣብ ዝግበረሎም ኣብያተ ማእሰርቲ ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት ኣገልግሎተር ከይህባ ክእገዳ ብተደጋጋሚ ጻውዒታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።
ይኹን እምበር ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት ዝትክእ ሓይሊ ሰብ ብዘይምህላዉ እዚ ጻውዒታት ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ይቕጽል ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







