ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ከምዘሻቐሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሓደ ካብቶም ናዕበኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ እስራኤል ዝተራእየ ሓድሕዳዊ ረጽሚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም "ዝሰንበደ" ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝተራእየ ጎነጽ ልዕሊ 170 ሰባት ከምዝቖሰሉ ይፍለጥ።

"በቲ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ኤርትራውያን ናዕበኛታት ዝተወልዐ ናዕቢ ዝሰዓበ ልኡል ቁጽሪ ዘለዎ መቑሰልቲ ሰንቢድና" ክብል እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

"መርመራ ክግበር፡ ከምኡ'ውን ናይ ጽልኢ መግለጺታት ክግታእ- ብፍላይ ብወገን ሰብመዚ- ኣገዳሲ'ዩ"

ብዘይካ'ዚ፡ "ግዱድ ምምላስ ስደተኛታት" ከይፍጸም'ውን ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ'ሎ።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ደገፍቲን መንግስቲ ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንነዊሕ ዝጸንሐ ምትፍናን'ኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ናይ ቀዳም ረጽሚ ግን፡ እቶም ተቓወምቲ ነቲ ብኤምባሲ ኤርትራን ደገፍቲ እቲ ስርዓትን ዝተወደበ ጽንብል ክስረዝ ጠለብ ድሕሪ ምቕራቦም'ዩ ተወሊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ብሰንበት ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኤርትራውያን "ቀይሕ መስመር ጥሒሶም ኣለዉ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "እቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ብቕልጡፍ ምስጓግ ዘጠቓለለ ተረርቲ ስጉምትታት ክንወስደ ኢና ንሓስብ ዘለና" ምባሉ'ውን ይዝከር።

ደገፍቲ መንግስቲ ዕቚባ ክሓቱ ከምዘይክእሉ'ውን ነታንያሁ ገሊጹ'ሎ።

"ስለምንታይ እቶም ነቲ ስርዓት ከምዝድግፉ ዝገልጹ የጸግሙና ኣይርድኣንን'ዩ፡ ዕቚባ ክሓቱ ከምዘይክእሉ ንጹር'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ቀደሙ'ውን ንኹሎም "ጥሒሶም ዝኣተዉ" ክብል ዝገልጾም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክጥርዝ ድሌት ከምዘለዎ'ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ቅድሚ ሕጂ ንዝገበሮ ፈተነታት'ውን ብውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከምዝፈሸለ ይዝከር።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣብ ተልኣቪቭ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ተቓወምቲ "ጎነጽ ስለዝጀመሩ፤ ኣባላት ማሕበረ-ኮም፡ ነበሶም ክከላኸሉ ተገዲዶም" ብምባል ንደገፍቱ ተኸላኺሉ'ሎ።

"ፖለቲካዊ መልክዕ ንምሃቡን ንማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ይኹን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምድዋን ዝካየድ ዘሎ ናይ ማዕከናት ዜና ይኹን ገለ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ዘይሓላፍነታዊ መግለጺታትን ጠቐነታትን፡ ዶብ ክግበረሉ የድሊ" ክብል እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

ብሰሉስ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ ብወገኑ፡ ንሰብመዚ ጸጥታ እስራኤል ነቒፉ'ሎ።

"ዘይጸዓድ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዘሰናበዶም ዓበይቲ ትካላት ስለያ (እንተላይ ሞሳድ) መሳርዕ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ብዕማዀ ሃሱሳት ዝህቅንዎ ዘለዉ፡ ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ እዩ" እቲ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብሰሉስ ዘውጽኦ መግለጺ ይኸስስ

ኤርት

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ብኣእማንን ኣባትርን ዝተሰነየ ሓድሕዳዊ ጎነጽ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል

ሰብመዚ ኤርትራ ኣብ 2021 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ "ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን" ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ "ሓይልታት ሽበራ" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል "ጸለመ" ይዝርግሕ ነይሩ ክብሉ ከሲሶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ርእይቶ መንግስቲ እስራኤል ንምርካብ፡ ናብ ኤምባሲታታን፡ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን እታ ሃገር ዝገበርናዮ ፈተነታት ኣይሰመረን።

ብኣንጻሩ፡ ኤርትራ ምስ እስራኤል ምስጢራዊ ጸጥታዊ ዝምድና ኣለዋ ንዝብል ጸብጻባት ብቐጻሊ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ምስዚ ኣብ እስራኤል ዝተኻየደ ግጭት ብዝተሓሓዝ ሚኒስትሪ ዜና ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኤርትራ ምስ እስራኤል ምስጢራዊ ጸጥታዊ ዝምድና ኣይነበራን፣ የብላን’ውን" ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ጠንቂ ፍልሰት ናይቶም መንእሰያት፡ ምዕራባውያን ናይ ስለያ ትካላት'የን ክብል ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ኣብታ ሀገር ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣግልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናጽነታትን ሃዲሞም ናብ ስደት ከምዘምርሑ'ዮም ዝገልጹ።