‘ኤርትራውያን ቀይሕ መስመር ጥሒሶም ኣለዉ’

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤል ብቐዳም ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብህጹጽ ንምስጓጐም ዘጠቓልል ተሪር ስጕምትታት ክትወስድ ትሓስብ ኣላ።
እቲ ንኣባላት ፖሊስ ዝጸንበረ ኣብ መንጐ ጕጅለታት ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ኤርትራ ዝተኻየደ ጐነጻዊ ግጭታት ኣስታት 170 ሰባት ቈሲሎም።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ፡ "ቀይሕ መስመር" ተጣሒሱ’ሎ ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኺ ንዅሎም "ዘይሕጋውያን ሰገርቲ" ኢሉ ዝገለጾም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምብራሮም ዘኽእል ሓድሽ ውጥን ክሕንጸጽ ኣዚዙ።
እዚ ዘይተገመተ ዕግርግር ቀዳም፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ብኤምባሲ ሃገሮም ዝተዳለወ መደብ ክስረዝ 'ንሰበስልጣን እስራኤል ሓቲትና ኢና' ድሕሪ ምባሎም ዝተላዕለ እዩ።
ናዕበኛታት፡ ኣብ ዙርያ እቲ ቦታ ንዝነበረ መከላኸሊ ሓጹር ፖሊስ ጥሒሶምን ኣዕንዮምን እዮም።
ፈረሰኛታት መኮንናት፡ ነቶም ሰልፈኛታት ክዓግትዎም ክቃለሱ እንከለዉ፡ ኣኽበርቲ ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ተኲሶም።
ጥይት ምትኳስ ኣብ መቓን ሕጊ ከምዚ ዝኣመሰለ ናዕቢ ከመይ ከምዝርአ መርመራ ተጀሚሩ ኣሎ።
ፖሊስ እስራኤል - ሓያሎ ዓሰርተታት ካብኣቶም ዝተሃርሙ - ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ኰይኑ ከምዝተሰምዖም ገሊጾም።
እቶም ኤርትራውያን፡ ሓጻውን፡ ኣእማንን ኣባትርን ዝሓዙ ኰይኖም ብዘስደምም መገዲ ኣብ ጐደናታት ንሓድሕዶም ተዛቢጦም፤ ካብኡ ሓሊፎም’ውን መስኮት ድኳናትን መካይንን ሰባቢሮም።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምሕደራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተፈጠረ ፍልልይ ኣብ ዲያስፖራ እዩ ዝንጸባረቕ። እዚ ናይ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ካብ ዝተራእየ ተመሳሰልቲ ፍጻመታት ሓደ እዩ።
ጐደናታት ማእከላይ ተልኣቪቭ፡ ንሓያሎ ሰዓታት ዳርጋ ዓውደ ኲናት ከምዝተቐየረን፤ ሄሊኮፕተራት ፖሊስ ከምዝዘንበያን ሳይረን - ደወል ሓደጋታት - ከምዝተሰምዐን ነበርቲ ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ተሪር ውሳነ
እስራኤል፡ ኣብ ጉዳይ ጽገናታት ሕጊ ስደተኛታት ድሮ ኣብ ዝተመቓቐለ ሃዋሁ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ እቲ ናዕቢ፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ሓደ ዕቱብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁን ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ንምስጓጐም ኣቐዲሙ ዝተወስደ ስጉምቲ ብምዕጋቱ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሪር ወቐሳ ኣቕሪቦምሉ ኣለዉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ፡ "ሕጂ ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭን ካልእ ቦታታትን ምስቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ገና ከቢድ ጸገም ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ።
“ጠቕሊልካ ምስጓግ ዘጠቓልል ኣብ ልዕሊ እቶም ናዕበኛታት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ንደሊ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ንሱ፡ እቶም ሚኒስተራት "ንዅሎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣተዉ ሰባት ንምእላይ" መደባት ከቕርቡሉ ሓቲቱ'ሎ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር፡ ንዅሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ብጅምላ ንምስጓግ ዘኽእል ሕጊ፡ ንገለ ክፋል ናይቲ ቅዋማዊ መሰረታዊ ሕጊ እስራኤል ብመንጽር ሰብኣዊ ክብርን ሓርነትን ጽገናታት ክገብር ዘኽእል እማመ ከቕርብ መደብ ኣለዎ።
ኣብ እስራኤል ኣስታት 18 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ዝግመት ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ቅድሚ ዓመታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንሓውሲ ደሴት ሲናይ ግብጺ ሰጊሮም ከምዝኣተዉ ይግመት።
እዞም ስደተኛታት፡ ካብታ ሓንቲ ካብተን ከቢድ ግህሰትን ዓፈናን ዝፍጸመለን ሃገራት ዓለም ዝዀነት ኤርትራ ካብ ሓደጋ፡ ማእሰርቲ፡ ግዱድን ገደብ ኣልቦን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዝሃደሙ ይዛረቡ።
ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ኤርትራውያን፡ ከም ስደተኛታት ኣህጉራዊ ውሕስነት ዘድልዮም እኳ እንተዘይመሰለ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጐ ሓተትቲ ዑቕባ ብመንጽር ፖለቲካዊ ምትእስሳሮም ዝዀነ ፍልልይ ክገብሩ ኣይጸንሑን።
ፈስቲቫላት ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
እንተዀነ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብሰንኪ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ተቛሪጾም እዮም።
ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሰለስተ መዓልታት ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ድሕሪ ምግጫው ተሰሪዙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







