ፈስቲቫል ኤርትራውያን ካናዳ ድሕሪ ዝተፈጥረ ዕግርግር ተሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብቐዳም 5 ነሓሰ፡ ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ድሕሪ ምፍጣሩ ምምሕዳር እታ ከተማ ንፍቓድ እቲ ፌስቲቫል ከምዝሰረዞ ተገሊጹ።
እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንድሕነት ህዝቢ" ክብል ነቲ እቲ ፌስቲቫል ኣብቲ ፓርክ ክካየድ ዝተዋሃበ ፍቓድ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ።
እታ ከተማ ዝኾነ ዓይነት ጐነጽ ከምዘይትጻወር ብምግላጽ ከኣ ዝኾነ ሰብ "ናብታ ከተማ ኮነ ፓርክታት ዝበጽሕ ሰብ ዝኾነ ሰብ ውሑስ ሃዋሁ ንምፍጣር" ግዴትኡ ምዃኑ ሓቢሩ።
በቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ትሽዓተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ተፈሊጡ።
እቶም ሸሞንተ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ መጕዳእቲ ክበጽሖም እንከሎ፡ እቲ ሓደ ሰብ ግን ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ ከቢድ መጕዳእቲ ከምዘጋጠሞ ፖሊስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ፖሊስ፡ እቶም ሸሞንተ ሰባት ብኸመይ ከምዝቘሰሉ ኣብ መግለጺኡ ኣየነጸረን። እንተዀነ፡ መሰካኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጐ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን እቲ ፈስቲቫል ከይካየድ ዝቃወሙ ዝነበሩን ብዝተላዕለ ዕግርግር ከምዝቘሰሉ ተፈሊጡ።
እቲ ዕግርግር፡ ነቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቓወሙ ሰባት ድሕሪ ምግጫዎም እዩ ኣጋጢሙ።
ፖሊስ እታ ከተማ ነቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ንምህዳእ ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ጫፍ እታ ከተማ ዝርከብ ኤርልስኮርት ፓርክ ገለ ጕጅለ ኣዋፊሩ።
ምሉእ መዓልቲ ግን ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ወጥሪ ቀጺሉ ውዒሉ።

ምንጪ ስእሊ, The Canadian Press
ኣብቲ ፓርክ - መናፈሻ እንታይ ኣጋጢሙ?

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ትማሊ ቀዳም ንግሆ፡ ፖሊስ ቶሮንቶ፡ መጀመርያ ሓደ ካራ ናይ ዝሓዘ ሰብኣይ ጸብጻብ ከምዝበጽሖ ሓቢሩ። ድሒሩ ኣብ ዝዘርግሖ ድማ፡ ኣብቲ መናፈሻ ባእሲ ከምዝተላዕለን ቴንዳታት ከምዝተቓጸለን ይሕብር።
ኣገልግሎት ፓራሜዲክ ቶሮንቶ ብወገኑ፡ ትሽዓተ ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ሓደ ከቢድ መጕዳእቲ ከምዝወረዶን ገሊጹ።
ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣስታት 200 ሰልፈኛታት ካብቶም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብከለላ ፖሊስ ተፈልዮም ወዒሎም። ብሰንኪ እቲ ሰልፊ’ውን ትራፊክን ህዝባዊ መጓዓዝያን ኣብቲ ከባቢ ደው ኢሉ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ቶሮንቶ ኣሌሃንድራ ብራቮ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ነቲ ዘጋጠመ ምስ ሰምዐት ከም ዝሰንበደትን ከም ዝሓዘነትን ገሊጻ፤ ዓመጽን ምፍርራሕን’ውን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን ኢላ።
ሓሙስ 3 ነሓሰ፡ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል ሽወደን፡ ተቓወምቲ ድሕሪ ዝፈጠርዎ ናዕቢ፡ ልዕሊ 52 ሰባት ተሃስዮም፡ ልዕሊ 100 ተኣሲሮም እዮም።
እቶም ሰልፈኛታት ቴንዳታት ፈስቲቫል ኣፍሪሶምን ኣቃጺሎምን፤ ብዘይካ'ዚ ሓያለ መካይን ብሓዊ ከምዝተቓጸላ ጸብጻባት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ጊሰን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ብዝተኣኻኸቡ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከምዝሃረሙን ልዕሊ 125 መዝገብ ክሲ ከምዝተኸፍተን ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝካየድ ባህላዊ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን ከም ምንጪ ገንዘብን ኰይኑ የገልግል’ዩ ብምባል'ዮም ብዝሓት ዝቃወምዎ።
ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ ዝፈለመ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት'ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ክጽንበል ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሰብመዚ ኤርትራ፡ እቲ ፈስቲቫል ንባህላውን ማሕበራውን ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ ምዃኑ'ኳ እንተመጐቱ፡ ተቓወምቲ ግን፡ ናይቲ ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘተግብር'ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







