ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጊሰን ዕግርግር ዝፈጠሩ ኤርትራውያን 125 ገበናዊ ክስታት መስሪቱ

ምንጪ ስእሊ, AP
ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ እቶም ብቐዳም ኣብ ከተማ ጊሰን ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ዝፈጠሩ ኤርትራውያን 125 ገበናዊ ክስታት ከምዝመስረተ ተገሊጹ።
ብቐዳም፡ 131 ካብቶም ዕግርግር ዝፈጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ዝገለሰ ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ 26 ፖሊስ ፎኲስን ከቢድን ማህረምቲ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
እቶም ፖሊስ ካብቶም ነቲ ፈስቲቫል ንምብታን ዝተኣከቡ መንእሰያት ብዝተደርበዮም ኣእማንን ጠራሙዝን’ዮም ተሃሪሞም።
ፖሊስ ጊሰን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ይዅን ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ፈስቲቫል ንምብታን ምስ ፖሊስ ዝተጓነጹ ሰባት ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ ከምዘየለ ኣብሪሁ።
እቲ ፈስቲቨል ትማሊ ሰንበት’ውን ተኻይዱ ነይሩ’ዩ፤ እንተዀነ ጥቡቕ ሓለዋ ፖሊስ ስለዝነበረ ዝዀነ ዕግረግር ከምዘይነበረ ፖሊስ ገሊጹ።
ከንቲባ ከተማ ጊሰን ፍራንክ ቲሎ ባቸር እቲ ኤርትራውያን ኣብ ጊሰን ፈስቲቫል ንኽካየድ ዝተወሃበ ፍቓድ ዳግማይ ክኽለስ ከምዘለዎ ጸዊዑ።
እቲ ከንቲባ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ካብ ከተማና ናብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐ ስእሊ ዝጽወር ኣይኰነን” ኢሉ።
እቲ ከንቲባ፡ ኣሽሓት እቲ ፈስቲቫል ዘይምልከቶም ሰባት ንልዕሊ ሓደ መዓልቲ ከይንቀሳቐሱ ከምዝተኸልከሉ ብምግላጽ፡ “ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሕቶ ክንሓትት ኣለና፤ እቶም ፈስቲቫል ዘካየዱ ሰባት ምስቲ ካብ ገዛኡ ከይወጽእ ዝተገደደ ሰብ ብቝጽሪ ዝመጣጠኑ ድዮም፡ እዚ ሕቶ እዚ ብፖለቲካውን ብሕጋውን መዳይ ክርአ ኣለዎ” ኢሉ።
ኣባል ባይቶ ዝዀነ ኣባል ሰልፊ ሲዲዩ ቶረስተን ፈረይ፡ “ፖላይስና መዝሓሊ ናይቲ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ግርጭት ኣይኮኑን፡ እቲ ፈኲስ ፖሊሲ ስደተኛታት የብቕዕ” ምባሉ ማዕከን ዜና ዲፒኤ ሓቢራ።
መንግስቲ ጀርመን ብቐዳም ነቶም ነቲ ፈስቲቫል ንምብታን ዝተንቀሳቐሱ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት ንምብታን፡ ኣማኢት ፖሊስ ብምውፋር ኣባትርን ዘንብዕ ጋዝን ከም ዝተጠቐሙ ተገሊጹ።
እቶም ተቓወምቲ መንእሰያት ኣቐዲሞም እቲ ፈስቲቫል ንመጐሳጐሲ ኲናትን ንፕሮፖጋንዳን’ዩ ዘገልግል ብምባል’ዮም ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም።
ምምሕዳር እታ ከተማ’ውን ዕግርግር ንምውጋድ እቲ ፈስቲቫል ከይካየድ’ኳ ከልኪሉ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ብዘካየዶ ምጕት እቲ ፈስቲቫል ክካየድ ንምምሕዳር እታ ከተማ ረቲዑ እዩ።
እቲ ፈስቲቫል ንኸይካየድ ተቓውሞኦም ዘልዓሉ መንእሰያት፡ ናብ ፖሊስ እምንን ጠራሙስን ብምድርባይ ሓደጋ ከምዘውረዱ ክግለጽ እንከሎ፡ መካይን ብምእምኒ ከምዝሃረሙን ንሓጹር እቲ ኣዳራሽን ከምዘፍረሱን ፖሊስ ገሊጹ።
መግለጺ ፖሊስ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ልዕሊ እተን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ጽዒነን ዝነበራ ኣውቶቡሳት’ውን የእማን ከምዝደርበዩ ኣብሪሁ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ፌስቲቫል ዕግርግር ተላዒሉ ካብኣቶም ኣብቲ ፈስቲቫል ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰባት ሓያለ ከምዝተሃረሙን ካብቶም ነቲ ዕግርግር ዘለዓዓሉ ሰባት ሓያለ ተኣሲሮም ጉዳዮም ይርአ ምህላዉን ይፍለጥ።
ከተማ ጊሰን ካብ ፍራንክፈርት ንሸነኽ ሰሜን ኣስታት 50 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ 84 ሽሕ ነባሪ ዘለዋ ከተማ’ያ።
እቲ ፈስቲቫል በቲ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝንገር ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ዝተወደበ ኰይኑ፡ ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ ሰለስት ፍሉጣት ደርፍቲ ነቲ ፈስቲቫል ንምድማቕ ከምዝሳተፉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስእሊ ዝተሰነየ መወዓውዒታት ክዝርጋሕ ቀንዩ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀርመን ንሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መሰል ዑቕባ ዝሃበት ሃገር’ያ።
ብሓፈሻ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ዑቕባ ዝተወሃቦምን ብቝጽሪ ምስ ዝርአ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ኣሃዝ ይሽፍኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







