ጠንቂ ናይቲ ንኤርትራውያን ዝመቓቐለ ጎነጻዊ ፍጻመ ጊሰን ጀርመን እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, PoliceMittelhessen/Twitter
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 20 ነሓሰ፡ ኣብታ ካብ ከተማ ፍራንክፈርት ውጽእ ኢላ እትርከብ ከተማ ጊሰን፡ ልዕሊ 20 ኤርትራውያን ዘቑሰለ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ ኣጋጢሙ ነይሩ።
ኣብ ከተማ ጊሰን ኣብ ዝርከብ ማእከል ኤግዚቢሽን (Hessenhallen in Gießen) ዝተባህለ ቦታ ብምትሕብባር ቆንስል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርትን ማእከላይ ሽማግለ በዓላት ኤርትራውያንን "ባህላዊ ፈስቲቫል" ኣብቲ ዕለት ናይ ምሸት ክካየድ ተመዲቡ።
እንተኾነ ግን ነቲ ጽንብል ዝቃወሙ መንእሰያት፡ ኣንጻሩ ሰልፊ ክካየድ ዝቐረበ ሕጋዊ ሕቶ ምስተነጽገ፡ ገለ ካብኦም ንቐጽሪ ናይቲ ቦታ ጥሒሶም ብምእታው ነቲ መደብ ክስረዝ ከምዘገደድዎ ጸብጻባት የመልክቱ።
እቲ ኩነታት ናብ ጎነጽ ድሕሪ ምምርሑ ኸኣ ሓያሎ ሰባትን ኣባላት ፖሊስን ቆሲሎም።
እቲ ፍጻመ ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓያል ክትዕ ፈጢሩ የዘራርብ ኣሎ።
ፖሊስ እንታይ ይብል?
ሰብመዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ብሰኑይ 21 ነሓሰ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ ዝተፈጥረ ጎንጺ 26 ነቲ ምርኢት ኣብ ምውዳብ ዝነበሩ "ተሓጋገዝትን ተሳተፍትን" ከምዝቖሰሉ ሓቢሮም።
ብዘይካ'ዚ፡ "ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ቀሊል ጉድኣት" ከምዝወረዶም፡ እንተኾነ ስርሖም ካብ ምቕጻል ዝገብር ከምዘይነበረን ጸብጻብ ፖሊስ ጊሰን ጠቒሱ'ሎ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ "ቀዳም ሰዓት 5፡00 ናይ ምሸት ኣቢሉ፡ ኣስታት 100 ሰባት ኣብ ልዕሊ ተሓጋገዝትን በጻሕትን ናይቲ ንቀዳም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ባህላዊ ፈስቲቫል መጥቃዕቲ ፈጺሞም" ይብል።
እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ዝተባህለ "ባህላዊ ፈስቲቫል" ንምቅዋም ኣብቲ ቦታ ዝተገብረ ምትእኽኻብ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ፖሊስ ይእምት።
"እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ ሓጹር ዘሊሎም ናብቲ ቀጽሪ ብምእታው፡ ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ሰባት ብኣባትር፡ ሓጻውን፡ ካራታትን ኣእማንን ኣጥቂዖሞም" ይብል መግለጺ ፖሊስ።
ገለ ካብቶም ሰባት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ'ውን ብእምኒ ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ሰብመዚ ፖሊስ ይገልጹ።
ገለ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ መሰላት እቶም ነቲ ጎንጺ ዘካየዱ ስደተኛታት መንእሰያት፡ ብኹነታቶምን ብዝወርዶም ምትዂታኽን፡ ስምዒታቶም ከምዝንሃረ'ኳ እንተገለጹ፡ ፖሊስ ግን እቲ መጥቃዕቲ "ዝተወጠነ ተግባራት" ከምዝኾነ ዘመልክት ጭብጥታት ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።
ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ነቲ መጥቃዕቲ ኣትሪረ እኹንኖ" ድሕሪ ምባል፡ "እቲ ተግባራት ከተመኽንየሉ ዘይትኽእል እዩ። ነቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ንምልላይን ናብ ፍትሒ ንምቕራብን ዝኣከኣለና ኩሉ ክንገብር ምዃንና አረጋግጸልኩም" ኢሉ።
ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ናዕቢ ንምቁጽጻር ኣስታት 300 ኣባላት ፖሊስ ከምዘዋፈሩ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ኣስታት 75 ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ነይሩዎም ዝበሎም ሰባት መንነቶም ከምዝተረጋገጸ ሓቢሩ። ነቲ ተቃውሞ ንምብታን በትርን ዘንብዕ በርበረን ከምዝተጠቐሙ'ውን ይገልጽ።
ኣፈኛ ፖሊስ ጒዶ ሬህር፡ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰብመዚ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ንምቁጽጻር እቲ ዝተመደበ ምርኢት ክስረዝ ምእዛዞም ገሊጹ ነይሩ።
ኣዳለውቲኸ እንታይ ይብሉ?
ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝተሰረዘ ጽንብል ብምትሕብባር ቆንስል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርትን ማእከላይ ሽማግለ ብዓላት ዝተወደበ ምዃኑ ይጠቅስ።
እቲ ዝተወደበ "ምርኢት" (ኮንሰርት) ምንባሩ ብምጥቃስ ድማ "ፈስቲቫል" ከምዘይኮነ የነጽር። እቲ ንቡር ፈስቲቫል ኣቐዲሙ ካብ 9 ክሳብ 10 ሓምለ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ "ብዘይ ዝኾነ ጸገማት" ከምዝተኻየ እቲ ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።
"ናይ ምርኢት ኣዳላዊ ኣኽበርቲ ጸጥታ ክቖጽር ብ20-08-2022 ተሓቲቱ፡ ተማሊኡ ድማ" ይብል።
ዓርቢ 18 ነሓሰ፡ ነቲ ምርኢት ከይካየድ ብ7 ማሕበራት ዝቐረበ ሕጋዊ ጥርዓን ብቤት ፍርዲ ጊሰን ድሕሪ ምንጻጉ፡ ኣንጻር እቲ ምርኢት ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ብ20 ነሓሰ ንዝቐረበ ሕቶ ፖሊስ ፍቓድ ሂቡ።
ወደብቲ ናይቲ ምርኢት፡ ኣብ ምድላው ተጸሚዶም እንከለዉ ግን እቲ "ኩነታት [ናብ ዝኸፍአ ደረጃ] ዓሪጉ" ድሕሪ ምባል፡ እቶም ነቲ ዝተባህለ ምርኢት ዝቃወሙ ዝነበሩ፡ ሓጹር ዘሊሎም ብምእታው ሰባት ክሃርሙ ጀሚሮም ኢሉ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ሓያለ ሰባት ከምዝቖሰሉ ይጠቅስ።
ተሳተፍቲ ኣብ ጎደና ክሓድሩ ከምዝተገደዱ ዝገልጹ እቶም ኣዳለውቲ፡ ፖሊስ ንተሳተፍቲ እኹል ሓለዋ ብዘይምግባሮም ብምንቃፍ፡ ነቲ ዝተወስደ ናይ ምስራዝ ውሳነ ነቒፎም። ኣንጻር እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ገበናውን ሲቪላውን ክስታት ክምስርቱ ምዃኖም'ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ፖሊስ "ንኽብረት ጀርመናውያን-ኤርትራውያን ዜጋታት ግሂሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ እኹል ሓለዋ'ውን ኣይገበርሎምን" ክብሉ እቶም ወደብቲ ነቒፎም።
ጠንቂ ናይቲ ተቓውሞ እንታ'ዩ?
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ኣብ ወጻኢ ዝካየዱ ፈስቲቫላት ተቓውሞታትን ምትፍናናትን ክስዕቡ ምጽንሖም ይዝከር። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ጊሰን ዝተፈጥረ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ድማ መቐጸልታት’ዩ ክብሃል ይክኣል።
እቲ ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርሱን ክትዕ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ገለ ወገናት ነቶም ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዝተገደዱ መንእሰያት ዝድግፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ እቲ ተቓውሞ ብሕግን ዘይጎነጻዊ ኣገባብን ክኸውን ነይሩዎ ክብሉ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝኹንኑ’ዮም። እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ኣብ መንጎ ተቓወምቲ መንግስቲ’ውን ምፍልላይ ዝፈጠረ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።
ኣብ ሆላንድ ዝቕመጥ ጋዜጠኛን ተመራማርን ሃብቶም ዮውሃንስ፡ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተዳለወ ባህላዊ ምርኢት ጠጠው ንምባል ዝወሰድዎ ስጉምቲ ግዝያዊ ምኽንያት'ኳ እንተኾነ፡ ሰር እቲ ጠንቂ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቅልውላውንእ ምጥቃን ተቓወምትን ከምዝኾነ'ዩ ዝምጉት።
"እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ፈስቲቫል ናይ ህግደፍ ጠጠው ከብሉ ፈቲኖም ምዃን ምስ ኣበዮም ናብቲ ቦታ ከይዶም ብጎንጺ ዘለዎ መንገዲ ኣብ መጨረስታ ጠጠው ከብልዎ ክኢሎም። ኣብ ብወገነይ፡ እቲ ጎንጺ ከም መትከል ኩሉ ግዜ ይቃወሞ'የ፡ ነገር ብሰላማዊ [ኣገባብ] ክፍታሕ ኣለዎ ኢለ'የ ዝኣምን። ግን እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ድማ ገሊኦም ኣብ ሰራዊት ኤርትራ መራሕቲ ሓይሊ ዝነበሩ፡ ገሊኦም መራሕቲ ጋንታ ዝነበሩን ተጋደልቲ ዝነበሩን እዮም።
"ካልእ ኣረኣኣእያ ስለዘለዎም ግን በቃ ወያነ'ዮም፡ ሽዩጣት እዮም እናበልካ ከተዋርዶም ጽቡቕ ኣይመስለንን። ሱር ናይዚ ኹሉ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ኣምባጋሮ፡ እዚ ኹሉ ስደት፡ እዚ ኹሉ ማእሰርእቲ፣ ብዙሓት ካብቶም ክቡራት ኣቦታቶም ክወርሱ ኣይክኣሉን"።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግዱድን ገደብ ኣልቦን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰላት ብምህዳም ናብ ጀርመን እትርከበን ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃብቶም ከምዝብሎ፡ "ግራት ኣቦታቶም ክሓርሱ ኣይክኣሉን፡ ወለዶም ንበይቶም ኣብ ጽምዋ ዝርድኦም ዘይብሎም'ዮም ገዲፎም መጺኦም። ሕጂ እቲ ብኣኣቶም ወገን እቲ ንኸምዚ ዘቃልዖም ስልጣን ናብቲ ዘለውዎ ቦታ ስዒቡ ፈስቲቫል እናገበረ ኣንጻሮም ፈኸራን መደረን ክገብር ክርእይዎ እንከለዉ፡ እሞ ናይ ስደት ጩጉራፍ ክኣ እናጸርገፎም፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ክንርድኦም ኣለና። ዝሓትዎ ሕቶ ኣሎ፡ ክነብሩ ደልዮም፡ ንቡር መውስቦ ክገብሩ ደልዮም እዚ ኹሉ ኣይክኣሉን ሰሪሖም ክኣትዉ ደልዯም፡ ሰሪሖም ስድርኦም ክረድኡ ደልዮም እዚ'ውን ኣይክኣሉን" ይብል።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያን ዝኾነ ኣቶ ሳምሶን ሰሎሙን ብወገኑ፡ እቲ ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ጊሰን ክግበር ዝተሓስበ ፈስቲቫል ክቋረጽ፡ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ምንባሮም ይዛረብ።
"እቲ ፕሮግራም ንኲናት ዘወዓውዕ ፕሮፖጋንዳ ዝሓዘለ ምዃኑ፡ እዚ ድማ ምስቲ ቅዋም ናይታ ሃገር ኣዝዩ ዝጻረር ምዃኑ ኢና ከነረድእ ፈቲንና። ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ዘቕረብናዮ ጠለብ ተነጺጉ፡ ምኽንያቱ ባህላዊ ፈስቲቫል ተባሂሉ ስለዝተመዘነ።
"ካብዚ ሓሊፉ ግን ብድሕሪኡ እንታይ ድኣ ይገበር ምስ ተባህለ ኣብቲ ኣፍደገ ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ኩሉ ሰብ ተሰማሚዑ”።
ሳምሶም፡ ፍትሒ ብፍትሓዊ መንገዲ ጥራይ’ዩ ክሰፍን ዘለዎ ዝብል መርገጺ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ምብትታን ንኽህሉ ዝገብር’ዩ ብምባል ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዘይድግፎ ይገልጽ።
“ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ጎነጽ ክገትእዎ ዝፈተኑ ደለይቲ ፍትሒ’ውን ጎነጽ ወሪድዎም እዩ፡ እዚ ድማ ምስ ፍትሒ ዝተሓሓዝ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን" ክብል ድማ ይዛረብ።
“እቲ መንእሰይ ዋላ’ኳ ሕርቃን ይሃልዎ፡ ዋላ’ኳ ጓሂ ይሃልዎ፡ እዚ ዝተገበረ ነገር እንትርፎ ክሳራ፡ እንትርፎ ሰብ ክበታተንን ክተሃራረምን ዋላ ሓንቲ ዓወት የብሉን” ብምባል ድማ ይምጉት።
ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ "ብፍሉይ" ጉዳይ ጥርናፈ ስድራቤታቶም ዓመታት ከምዝወስድን፡ ብሰንኩ ድማ ኣብ ከቢድ ስነኣእምሮኣዊን ቁጠባውን ቅልውላዉ ከምዝኣተዉ ከማርሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጎደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
መብዛሕትኦም፡ በቲ ሂወት ብዙሓት ብጾቶም ዝቐዘፈ ሓደገኛ ጉዕዞ ምድረበዳ ሳሃራ፡ መዳጎኒታት ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ሓሊፎም ዝኣተዉ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







