ፌስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ብሪጣንያ ተሰሪዙ፡ ማሕበረኮም ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ

ባንዴራታት ኤርትራን ብሪጣንያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መርበብ ማሕበረኮማትን ውድባትን ኤርትራውያን ብሪጣንያውያን፡ ቤትምኽሪ ሃሮው ንፌስቲቫል ኤርትራውያን ብሪጣንያ 2023 ምስራዙ ከምዘጉሃዮ ገሊጹ።

እቲ መርበብ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ውሳነ እቲ ቤትምኽሪ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ “ነቲ ብህንጡይነት ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ብሪጣንያ ንምስራዝ ምውሳኑ ኣዝዩ ከምዝጓሃዮ ይገልጽ” ይብል።

እቲ ሎሚ ቀዳምን ሰንበትን (15-16 ሓምለ) ኣብ ለንደን ማእክል ምዝንጋዕ ሃሮው ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፌስቲቫል፡ ኤርትራውያን ብሪጣንያውያን ብምትእኽኻብ “ሃብታም ባህሎም ክጽንብሉ፡ ማሕበራዊ ምትእስሳር ከደልድሉን ቈልዑ ምስ ውርሻታቶም ክዋስኡን” ዕድል ዝኸፍት ምንባሩ’ውን ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ ቀዳም ብርክት ዝበሉ ብውሳነ ቤትምኽሪ ሃሮው ዝተሓጐሱ መንእሰያት ኣብ ከባቢ እቲ ኣዳራሽ ብምእካብ ሓጐሶም ይገልጹ ከምዘለው ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘተዘርግሑ ምስልታት የርእዩ።

ምስራዝ እቲ ፌስቲቫል ንመሰረታዊ መሰል ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ብሪጣንያውያን ዝጥሕስ እዩ ዝበለ እቲ መርበብ ማሕበረኮማትን ውድባትን ኤርትራውያን ብሪጣንያውያን፡ “ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ” ምዃኑ ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓመታዊ ዝካየድ ፌስቲቫላት ኤርትራውያን ዝቓወሙ ኤርትራውያን ግና፡ እቲ ፌስቲቫላት ምስ ኤምባሲታት ኤርትራ ቅርበት ብዘለዎም ወገናት ዝውደብን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ ዘገልግልን እዩ ይብሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከተማ ጊሰን ጀርመን ዕግርግር ብምስጋእ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ከይካየድ ወሲኑ እኳ እንተነበረ ቤትፍርዲ ክካየድ በዪኑ እዩ።

እቲ ፌስቲቫል ምስ ጀመረ ግና ተቓወምቲ ናብቲ እቲ ፌስቲቫል ዝካየደሉ ስፍራ ንምእታው ኣብ ዝፈተኑሉ ምስ ፖሊስ ከቢድ ግጭት ከምዘጋጠመ ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ነቲ ፈስቲቫል ክካየድ የብሉን ብምባል ተቓውሞኦም ዘልዓሉ መንእሰያት፡ ናብ ፖሊስ እምንን ጠራሙስን ብምድርባይ ሓደጋ ከምዘውረዱ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ መካይንን ንሓጹር እቲ ኣዳራሽን ከምዘፍረሱን ፖሊስ ገሊጹ።

መግለጺ ፖሊስ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ልዕሊ እተን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ጽዒነን ዝነበራ ኣውቶቡሳት’ውን የእማን ከምዝደርበዩ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ፍጻመ 26 ኣባላቱ ከምዝተሃረሙ ዝገለጸ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነቲ ዕግርግር ኣለዓዒሎም ዝበሎም ኤርትራውያን 125 ገበናዊ ክስታት ምኽፋቱ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ፈስቲቫል ዕግርግር ተላዒሉ ካብቶም ኣብቲ ፈስቲቫል ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰባት ሓያለ ከምዝተሃረሙን ካብቶም ነቲ ዕግርግር ብምልዕዓል ዝተኸሰሱ ሰባት ሓያለ ተኣሲሮም ጉዳዮም ይርአ ምህላዉን ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ጊሰን ዘጋጠመ ግጭት ኤርትራውያን ኣቓልቦ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ክስሕብ እንከሎ፡ ብዙሓት ሃገራት እቲ ፍጻመ ከይድገም ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብራ ምዃነን ገለ ወገናት ገሊጾም ኔሮም።

መርበብ ማሕበረኮማትን ውድባትን ኤርትራውያን ብሪጣንያውያን፡ ቤትምኽሪ ናይቲ እቲ ፌስቲቫል ክካየደሉ ዝተደለየ ምምሕዳር (ሃሮው ካውንስል) ንዘሕለፎ ውሳነ ምስራዝ እቲ ፌስቲቫል ዳግመ ግምት ክገብረሉ ጸዊዑ ኣሎ።

ፌስቲቫል ኤርትራውያን ካብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሩ ዓመት ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፤ ካብ ኤርትራ ዝገሹ ላዕለዎት ሰብ መዚን ስነጥበባውያንን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይሳተፍዎ።

ኤርትራ ብግህሰት መሰረታዊ መሰላት ሰባት ብተደጋጋሚ ክትኽሰስ እንከላ፡ ብዙሓት መንእሰያታ ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ብኡ ኣቢሎም’ውን ናብ ኣውሮጳ ይውሕዙ።

መንግስቲ ግና እቲ ክስታት መሰረት ዘይብሉ'ዩ ብምባል ይነጽጎ።