ኔታንያሁ፡ ኣብ ግጭት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ንምጥራዝ ሓይሊ ዕማም ከምዘቕውም ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ትማሊ ቀዳም፡ ብሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝተፈጸመ ናዕቢ ንምግምጋም፡ ሚኒስተራት ሓይሊ ዕማም ክጽውዕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።
እቲ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ዘይሕጋውያን ነበርቲ ክብል ዝጠቐሰ መግለጺ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ኣንጻር እቶም ሰልፈኛታት ንዝውሰድ ስጉምትታት ክርእን ብኸመይ ካብታ ሃገር ከምዝጥረዙን ክዝቲ እዩ።
ኣብ ተልኣቪቭ፡ ኣንጻር’ቲ ብኤምባሲ ኤርትራ ዝተወደበ ናይ በዓል ምትእኽኻብ ንምቅዋም፡ ብኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ናብ ጎንጺ ብምቕያሩ ኣማኢት ኣባላት ፖሊስን ስደተኛታትን ከምዝቖሰሉ ፖሊስ እስራኤልን ሆስፒታላት እቲ ከባቢን ሓቢሮም።
ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ጸብጻብ ብውሕዱ ልዕሊ 160 ሰባት ከምዝቖሰሉን ሸሞንተ ካብኦም ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለው፡ ዝተረፉ 13 ማእከላይ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ካልኦት 93 ከኣ ቀሊል መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ ኣሎ።
ከምኡ እውን ኣስታት 50 ኣባላት ፖሊስ መብዛሕትኦም ብዳርባ እምኒ ከምዝቖሰሉን ፖሊስ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ’ሎ።
ማእከል ሕክምና ሸባ፡ እቶም ህሩማት ልዕሊ ዓቐኑ ከምዝኾኑዎ ብምሕባር ነቲ መቑሰልቲ “ጃምላዊ መጉዳእቲ” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ሆስፒታል፡ ክልተ ካብቶም ህሩማት፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ሕክምና ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘለውን፡ እቲ ሓደ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ብመተንፈሲ ቲዩብ ይሕገዝ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ተልኣቪቭ ዝጀመረ ተቓውሞ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ከተማ ልሒሙ።
ኤርትራውያን፡ መንግስቶም ኣብታ ከተማ ንዘካይዶ ዝነበረ ባህላዊ ውራይ ንምቅዋም እናጨደሩን፡ በትሪ እናወዛወዙን እምኒ ክድርብዩ ከምዝተራእዩ ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣቃሊሐን።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ብቐጻሊ ሓበሬታ ይወሃቦ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።
ኮሚሽነር ፖሊስ ያኣኮቭ ሻብታይ ከኣ ምስ ኣዛዚ ከተማ ተልኣቪቭ ሱፐር ኢንተንተደንት ፔሬትዝ ኣማር ብዛዕባ እቲ ኩነታት ገምጋም ከካይድ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኩነታት ከመይ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ምሕደራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣመልኪቱ ንዘሎ ፍልልይ ኣብ ዲያስፖራታት እውን ይረኣ ከምዘሎን፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ’ውን ተመሳሰልቲ ፍጻመታት ከጋጥሙ ጸኒሖም እዮም።
ብመሰረት ጸብጻባት ዜና እስራኤል፡ እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ እቲ ፈስቲቫል ክካየደሉ ዝተዳለወ ቦታ ገጾም ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ መጀመርታ ብፖሊስ ተዓጊቶም እኳ እንተነበሩ ዳሕራይ ግን ነቲ ሓጹር ጥሒሶም ክሓልፉ ጀሚሮም።
ናይ ፖሊስ ሄሊኮፕተራት ኣብ ሰማያት እታ ሃገር ይዝምብያን፡ ፖሊስ እስራኤል እውን ጠያይት ይትኩሱን ስለዝነበረ ጎደናታት ማእከላይ ተልኣቪቭ ዞባ ኲናት ይመስል ከም ዝነበረ እቲ ኩነታት ዘሰምበዶም ነበርቲ ሓቢሮም።
እቶም ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም፡ መካይን ኣቃጺሎም፡ መስኮት ናይቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ትካላት ንግዲ እውን ከምዝሰበሩ ተሓቢሩ።
ፖሊስ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፖሊስ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ስለዝተሰምዖም ጠበንጃ ከም ዝተጠቕሙን 27 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ ሓቢሩ።
ኣብቲ ባህላዊ መደብ ክግበረሉ ዝተሓስበ ቦታ ናይ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ስእልታት ብምርኣዮም ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት፡ ነቲ ሓጺር ጥሒሶም ብምእታው ጠረጴዛታትን መናብርን ከም ዝገልበጡ ተፈሊጡ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጎደናታት ዝተኻየዱ ግጭታት ዘርኢ ቪድዮታት ተዝርጊሑ ኣሎ። ፖሊስ እስራኤል ከኣ ንክልቲኦም ወገናት ንምፍላይ ከም ዝፈተኑ ይገልጽ።
ፖሊስ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ብትዊተር ዝፍለጥ ዝነበረ ሕጂ ብኤክስ ዝጽዋዕ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ፡ እቶም ኣብቲ ግጭት ዘይተሳተፉ ኣባላትን ህዝብን ካብቲ ቦታ ክርሓቑ ሓቲቱ’ሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ቦታታት ክእከቡ ከም ዝተሰማምዑ ሓቢሩ ነይሩ።
ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ጥቓ እቲ ኤምባሲ ክራኸቡ ነይርዎም፤ ተቓወምቲ ድማ ኣብቲ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ዝርከብ ኣረጊት ማእከላይ መደበር ኣውቶቡስ ተቓውሞ ከስምዑ’ዩ ትጽቢት ነይሩ።
ይኹን እምበር ክልቲኦም ወገናት ቃሎም ከም ዘየኽበሩ ፖሊስ ገሊጹ።
ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ ምንጪ ፖሊስ፡ ንጋዜጣ ሃሬትዝ ብምጥቃስ "ብደረጃ ሰልፊ ኣዝዩ እዩ ገሪሙና፡ [እቲ ፍጻሜ] ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ጥራይ እትርእዮ ትርኢታት’ዩ” ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ውድባት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዓመጽ ዝተራእየሎም ፍጻመታት ነይሮም እዮም።
ኣብ 2019፡ ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘጋጠመ ግጭት ሓደ ደጋፊ’ቲ ስርዓት ዝነበረ ሓታቲ ዑቕባ ብኻራ ተቐቲሉ እዩ።
ኣብ እስራኤል ካብ ኤርትራ ዝመጹ ኣስታት 25 ሽሕ ሓተትቲ ዑቕባ ከም ዘለዉን መብዛሕትኦም ድማ ቅድሚ ዓመታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ግብጺ ሰጊሮም ዝኣተዉ እዮም።
ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ኤርትራውያን፡ ከም ስደተኛታት ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዘድልዮም እኳ እንተዘይመስሉ፡ ሰበ ስልጣን እስራኤል ግን ኣብ መንጎ ሓተትቲ ዑቕባ ብመሰረት ፖለቲካዊ ምትእስሳሮም ፍልልይ ከም ዘይገብሩ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ይሕብራ።
ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ እስራኤል፡ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውደብ ባህላዊ መደባት ተቓውሞታት ብሳዕቤኑ ዝፍጠር ግጭትን ዓመጽን ከጋጥም ምጽንሑ ተንተንቲ ፖለቲካ ናይቲ ዞባ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ክካየድ ዝተሓሰበ ናይ ሰለስተ መዓልታት ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ኤርትራ ድሕሪ ምግጫው ተሰሪዙ ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ጊሰን ጀርመን ንመንግስቲ ኤርትራ ብዝድግፉ ኤርትራውያን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫልን ንምብታን ብዝተኣኻኸቡ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከም ዝተሃርሙን ልዕሊ 125 መዝገብ ክሲ ተኸፊቱ ከምዘሎን ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







