ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ንግዳያት መጥቃዕቲ ሓማስ ንምሕጋዝ ይነጥፉ

ወተሃደራት ዝሓዝዎ ወ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንግዳያት መጥቃዕቲ ሓማስ ዝኾኑ እስራኤላውያን ንምድጋፍ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።

ዕጡቓት ሓማስ ካብ ውሽመጥ ቓዛ ተበጊሶም ብባሕሪ፡ ምድርን ኣየርን ከካይድዎ ኣብ ዝጸንሑ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 900 እስራኤላውያን ቀቲሎም ኣለዉ። ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ካልኦት ከምዝቖሰሉን ጅሆ ተታሒዞም ከምዝተወስዱን ይግለጽ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ዝወሰደቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ድማ ብውሕዱ 600 ፍሊስጤማውያን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተቐቲሎም፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ቆሲሎም።

ገለ ኤርትራውያን ነቶም ኣብ ደቡብ እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃስዩ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኸውን ክዳውንቲ፡ ማይን ካልእ ኣገደስቲ ቀረባትን የተኣኻኽቡ ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ተል ኣቪቭ ዝነብር ወዲ 43 ዓመት ሓለፎም ሱልጣን ከምዝበሎ፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎም ኣሉታዊ ኣራኣእያ ክቕይር ተስፋ ከምዘለዎ ይዛረብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ንዝተፈጥረ ግጭት፡ "ቀይሕ መስመር" ዝሰገረ ምንባሩ ብምግላጽ ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ክገብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ። ብድሕሪ'ቲ ግጭት ካብ ክልቲኡ ወገናት ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።

"ብዙሓት እስራኤላውያን ከም ሓደገኛታት ሰባት ገይሮም'ዮም ስለዝወስዱና፡ ብዛዕባ ኣፍሪቃውያን ኣሉታዊ ኣራኣእያ እዩ ዘለዎም። ኤርትራውያን ኣብቲ ናይ እስራኤላውያን ንጥፈታት ምስታፎም ግን እወታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ" ይብል ሓለፎም።

ኣብ 2018 ኣቦመንበር ማሕበር ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ሓለፎም፡ እቲ ትካል መንግስቲ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጥርዝ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ንመሰላቶም ንምጥባቕ ዝቖመ ምንባሩ ይዛረብ።

ብዛዕባ'ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብቀዳም ወጋሕታ ኣብ ዝሰምዖ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከተማ ተል ኣቪቭ ከምዝተበራበረ ተዛሪቡ።

"ዝካየድ ዝነበረ. . .ደብዳባት ሰሚዐዮ። ዘሰንብድ'ዩ። ብድሕሪኡ ዜና ንምክትታል ናብ ተለፎነይ ከቋምት ጀሚረ" ይብል።

እታ ዝነብረላ ዓባይ ከተማ ብናይ መጠንቀቕታ ድምጽታትን ኣብ ሰማያት እስራኤል ብዝወናጨፍ ደብዳባትን ኣብ ዝናወጽሉ ዝነበሩ እዋን፡ ካብ ሓደ ኣብ ደቡብ እስራኤል ዝነብር ብጻዪ ኤርትራዊ ተወደዊልዎ።

"ደቁ ክሕብኡ ይዛረቦም ነይሩ። ብቴለፎኑ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝጋዋሕ ዝነበረ መጠንቀቕታ ድምጽን ክልተ ሮኬት ክወድቕን ኣብ ሓደ እዋን እሰምዖ ነይረ።

ሓለፎም ዕጡቓት ሓማስ ጅሆ ሒዞም ዝወሰድዎም ሰባት ከምዘለዉ ምስ ሰምዐ፡ ነቶም ኣብ ከባቢ ዶብ ቓዛ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሽከሎን ዝርከቡ ኤርትራውያን ድሃዮም ንምግባር ክደዋውል ጀሚሩ።

እንተኾነ ግን ዛጊት፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ተጨውዩ ዝብል ሓበሬታ ከምዘይነበሮ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ልዕሊ 53,000 ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ እስራኤል ኣለዉ።