🔴ቀጥታ፡ ሓይልታት እስራኤል ጸረ-መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ስርሒታት ጀሚሮም

ቓዛ ናብ ‘ገሃነም ትንቆት’ ኣላ ክብል ዘጠንቅቕ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ህዝቢ እታ ዞባ ክወጽእ ንዝሃበቶ ትእዛዝ ከተቋርጾን ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱን ይምሕጸን ኣሎ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤል: ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ ገለ 'ምልክት ህይወት' ርእየ ኢላ

  2. እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ 'ዒላማኡ ዘነጻጸረ ዘመተ' ኣካይዳ

    ካብ ዝዓነወ ህንጻታት ሰባት ዘድሕኑ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ብታንክታት ዝተሓገዘ "ዒላማኡ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ" ኣካይዱ።

    እቲ ወፍሪ ከም ኣካል "ንቐጻሊ መድረኻት ውግእ ንምድላው" ዝተኻየደን፡ "ንብዙሓት ዋህዮታት ግብረሽበራውያን፣ ትሕተ-ቅርጽን ጸረ-ታንክ ሚሳይላት መወንጨፊ መደበራትን ከም ዝሃረመን" ምዃኑ ብሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

    ነቲ ወፍሪ ዘርእይ ቪድዮ'ውን ዘርጊሑ።

    "እቶም ወተሃደራት ሽዑ ካብቲ ከባቢ ወጺኦም ናብ መሬት እስራኤል ተመሊሶም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብመሬት ንዝካየድ ወፍሪ ይዳሎ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ መዓዝ ንዝብል ግን ዝኾነ ፍንጪ ኣይሃበን።

    እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ን1.1 ሚልዮን ነበርቲ ከተማ ቓዛን ካልኦት ቦታታት ሰሜናዊ ከባቢታትን ንድሕነቶም ክብሉ ክወጽኡ መጠንቀቕታ ምሃባ ይዝከር።

  3. ‘ዓቢይ ሓወይ መዓስ’ዩ ካብ እስራኤል ዝመጽእ?’

  4. “መብራህቲ እንተጠፊኣ እዞም ህጻናት ክሞቱ’ዮም” ሓካይም ቓዛ

  5. እስራኤል-ቓዛ፡ መበል 18 መዓልቲ ብስእሊ

  6. ‘ብገሃነም ሓሊፈ’- ካብ ጅሆ ሓማስ ዝተገላገለት ጓል 85 ዓመት

    ጓል 85 ዓመት ዮቾቪድ ሊፍሽዝ

    ምንጪ ስእሊ, Jenny Yerushalmi, Ichilov Hospital

    ሓንቲ ካብተን ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዝን ዝጸሓን ትማሊ ዝተለቃን ክልተ ኣረጋውያን ብዛዕባ ኣብ ኢድ ሓማስ ዘሕለፈቶ ኩነታት ተዛሪባ።

    ጓል 79 ዓመት ኑሪት ኩፐርን ጓል 85 ዓመት ዮቾቪድ ሊፍሽዝን ትማሊ ንዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ምርካበን ናብ ተልኣቪቭ ኣትየን ኣለዋ።

    ጓል 85 ዓመት ዮቾቪድ ሊፍሽዝ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ “ብገሃነም’የ ሓሊፈ” ክትብል ተዛሪባ።

    እታ ሰፊሕ መርበብ ገርያታት ትሕቲ ምድሪ ከምዝተዓዘበት ዝገለጸት ጓል 85 ዓመት፡ ንሳን ዝተጨውዩ ብጾታን “ብኣባትር ከምዝተሃርሙ” ሓቢራ።

    ንሳ ከምዝበለቶ፡ ፈለማ ካብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ‘ኪቡዝ’ (ማሕበርነታዊ ሰፈራ) ብሞተርብሽክሌታ ስለዝተወስደት ክሳብ ምስትንፋስ ትስእን ተሃስያ ነይራ።

    ናብ ቓዛ ድሕሪ ምእታዎም፡ ጨወይቶም “ኣብ ቁርኣን ስለንኣምን ኣይንጎድኣኩምን ኢና” ኢሎ ምከምዝተዛረብዎም’ውን ጠቒሳ።

    “ጽቡቕ ኣልያ ይግበረለይ ነይሩ” ብምባል ድማ፡ ሓኪም ድሕሪ ገለ መዓልታት እናመጸ ይርእዮም ከምዝነበረን፡ ጻዕዳ ፋርማጆ (ቺዝ) ምስ ኩከምበር ይቕልብዎም ከምዝነበሩ ገሊጻ።

    ትማሊ ምሸት ብጸልማት ናብ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝተረከባሉ፡ ነቶም ምስአን ዝመጹ ገጾም ዝተሸፈነ ኣባላት ሓማስ “ሻሎም” (ሰላም) ብምባል ብሰላምታ ክትፋነዎም እንከላ ትርአ።

    ሓማስ ዛጊት ንክልቲአን ሓዊሱ ኣርባዕተ ጅሆ ሒዝዎም ዝነበረ ሰባት ፈቲሑ’ሎ። ብ7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ፡ ኣስታት 218 ሰባት ከምዝጨወየ ይግለጽ። ኣስታት 1400 ሰባት ከምዝቐተለ’ውን ይፍለጥ።

  7. ኢራን፡ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ

  8. ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

  9. ጸረ-ሴማውነትን ጸረ-ጽዮናውነትን እንታይ እዩ?

  10. “ስለምንታይ ኢኹም ትድብድቡና ዘለኹም?” ነባሪት ቓዛ

  11. ሰብ ገዛ ናብ ጎደና ሓደራት ዝቐየረ መጥቃዕቲ እስራኤል

  12. እዋናዊ ቀንዲ ምዕባለታት ግጭት እስራኤልን ሓማስን

    ናብ ደቡብ ዝወጹ ዘለዉ ፍልስጤማውያን በርቲ ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ንኣስታት ሓደ ሰሙን ከነመሓላልፎ ዝቐነና ቀጥታዊ ሸፈነ ኩነታት እስራኤልን ወሽመጥ ቓዛን ቅድሚ ምዝዛምና ምስዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ምዕባለታት ናይዚ መዓልቲ ንሓደገኩም፣

    • እስራኤል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብ ወሽመጥ ቓዛ ክወጹ ድሕሪ ምእዛዛ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ዞባ ሃዲሞም ናብ ደቡብ ይውሕዙ ኣለዉ።
    • ኩነታት ቓዛ ናብ ‘ገሃነም’ የምርሕ ከምዘሎ ዘጠንቀቐ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ኣብ ከምዚ ዘለውዎ ኩነታት ኮይኖም ነቲ “ዘሰንብድ” ዝበሎ ትእዛዝ እስራኤል ክፍጽሙ ዘይክኣል’ዩ ኢሉ። ቅድሚ ሕጂ ተገይሩ ዘይፈልጥ ትእዛዝ ምዃኑ’ዮም ፍሉጣት መራሕቲ ሰብኣዊ ትካላት ዝገልጹ ዘለዉ።
    • ሓማስ ሕጂ’ውን ናብ እስራኤል ንከተማ ኣሽከሎን ዒላማ ዝገበረ ሮኬታት ምትኳስ ኣየቋረጸን። ኣብ ከተማ ተል ኣቪቭን ካልኦት ከተማታትን ከይተረፈ መጠንቀቕታ ድምጺ ክስማዕ ውዒሉ። እስራኤል ብወገና ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ይቕጽል ኣሎ፡ ዛጊት ልዕሊ 5000 ቦምባታት ኣብታ ዞባ ኣውዲቓ ኣላ።
    • ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ “ውሑስ ቦታታት” ክፍጠር ትጽዕር ምህላዋ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ እስራኤል ኣትዩ ዘሎ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኣውስቲን፡ ሃገሩ ንእስራኤል ዘድልያ ወተሃደራዊ ደገፍ ክትህብ ድልውቲ ምዃናን፡ ድሮ ተተኮስትን ጸረ-ኣየር ሚሳይላትን ክትሰድድ ከምዝጀመረት ተዛሪቡ።
    • ኣብቲ ብማሕሙድ ዓባስ ዝምራሕ ምምሕዳር ፍልስጤም ዝቆጻጸሮ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ዝተኻየደ ተቓውታት ብውሕዱ 11 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ።
    • ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ሓደ ናይ ሮይተርስ ጋዜጠኛ ስእሊ ተቐቲሉ፡ ካልኦት ክልተ ቆሲሎም ኣለዉ። እስላማዊ ጉጅለ ሕዝቦላህ ምስ ሓማስ ክተሓጋገዝ ከምዝኽእል ኣሚቱ’ሎ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብቲ ዶባት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እስራኤል ምቕታሉ ይዝከር። ኣብቲ ከባቢ ካልእ ግንባር ከይክፈት ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ’ዩ።
    • ሰራዊት እስራኤል ነቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ንምርካብ ኣብ ቓዛ ዳህሳስ ከምዘካየደ ሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ኤክስ (ናይ ቀዳም ትዊትር) ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ “ነቶም ከባቢታት ካብ ኣሸበርትን ኣጽዋራትን ንምጽራይ” ዝዓለመ ዳህሳስ ብምባሩ ብምግላጽ “ኣብቶም ስርሒታት፡ ነቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ንምርካብ’ውን ጻዕርታት ተኻይዱ’ዩ” ኢሉ።
  13. ፈረንሳ ሰልፊታት ደገፍ-ፍልስጤም ኣጊዳ

    ሰልፈኛታት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መንግስቲ ፈረንሳ ንፍልስጤም ዝድግፍ ሰልፍታት ኣጊዱ።

    ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን፡ እቶም ሕጊ ዝጥሕሱ ዘለዉ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክስጐጉ ከምዝኽእሉ ከጠንቅቕ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ድማ ሓድነት ክህሉ ጸዊዑ።

    እዚ ስጕምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ጸረ-ሴማውነት ስምዒታት ከይነቱግ ኣብ ዝሰግኣሉ ዘለዋ እዋን’ዩ።

    እንተዀነ፡ እቲ እገዳታት’ኳ እንተ ተኣወጀ፡ ብርክት ዝበሉ ደገፍቲ ፍልስጤም ዝዀኑ ሰልፈኛታት ግን ብ ሓሙስ ኣብ ጐደናታት ፓሪስ ወጺኦም ጸረ-እስራኤል ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

  14. ኣሜሪካ ዜጋታት ካብ እስራኤል ምውጻእ ሎመዓልቲ ክትጅምር እያ

    ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ታንኪ

    ምንጪ ስእሊ, OREN ROSENFELD

    ኣሜሪካ ዜጋታት ካብ እስራኤል ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ ፈላማይ በረራ ሎመዓልቲ ክትገብር እያ።

    ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ፡ ዜጋታት ብመሬት ይኹን ብባሕሪ ክወጹ ዝሕግዙ ካልኦት መገድታት እውን ከናድዩሎም ምዃኖም ገሊጹ።

    ከም ኣርጀንቲና፣ ፈረንሳ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን እው ኣብ መዛዘሚ ናይ ሰሙን ዜጋታተን ካብ እስራኤል ከውጽኣ ምዃነን ተፈሊጡ'ሎ።

    ጃፓን እውን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ንዜጋታት ንምውፃእ ናብ እስራኤል ነፋሪት ክትሰድድ ምዃና ትገልጽ።

  15. እስራኤል ንዘቕረበቶ ሕቶ ዝነጸጉ ሓካይም ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ምውጻእ ኣብዮም

    ፍልስጤማውያን ካብ መጥቃዕቲ እንትሃድሙ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እስራኤል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ክወፅኡ ንሕቡራት ሃገራት ምሕባራ ይፍለጥ።

    እንተዀነ፡ እቶም ነበርቲ "ብሰላም ክግዕዙ ዝኽእሉሉ መንገዲ የለን" ትብል ኣብ ከተማ ቓዛ ወሃቢት ቃል ቀይሕ ወርሒ ነባል ፋርሳክ።

    ንሳ ንኣሶሸይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ሕሙማትና እንታይ ክዀኑ እዮም? ቍሱላት ኣለዉና፤ ኣረጋውያን ኣለዉና፤ ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ቈልዑ ኣለዉና" ኢላ።

    ብዙሓት ሓካይም ካብ ሆስፒታላት ምውጻእን ሕሙማት ምግዳፍን ኣብዮም ከምዘለዉ ወሲኻ ገሊጻ።

    ቢቢሲ እውን ዘዘራረባ ኰይኑ፡ "ሰባት ዝኸዱሉ ቦታ የብሎምን። ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ድምጺ ቦምባታት እናተሰምዐ ሰባት ናብ ካልእ ከባቢ ክግዕዙ ምሕታት፡ እሞ ድማ ምስዚ ዓቢ ዕንወት መሰረተ ልምዓትን ጽርግያታትን . . . ንኽትኣምኖ ዘጸግም ነገር እዩ" ክትብል ኣረዲኣ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓደ ግብጻዊ ፖለቲከኛ፡ እዚ ስጕምቲ እስራኤል ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ናብ ግብጺ ንኽግዕዙ ንምግዳድ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

  16. ናብ ፍልስጤም ህፁፅ ሓገዝ ንምቕራብ 294 ሚልዮን ዶላር ተሓቲቱ

    ካብ መንበሪኦም ዝፈናቐሉ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ዘድሊ ኣዝዩ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምላእ 294 ሚልዮን ዶላር ሓቲቱ።

    ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ሃገራት ንኣዝዩ ህጹጽ ድሌታት ፍልስጤማውያን 294 ሚልዮን ዶላር ቅልጡፍ ምወላ ክገብራ ዝሓትት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

    እቲ ገንዘብ ንኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ ከምዝውዕል እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ።

    ኣብ ቓዛ ትማሊ ሓሙስ ጥራይ ልዕሊ 84 ሽሕ ሰባት ብዘይመፅለሊ ከምዝተረፉ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 423 ሽሕ ሰባት መጽለሊ ከምዘይብሎም ሓቢሩ።

  17. ሓድሽ ዜና, እስራኤል ኣብ ዝቕጽሉ 24 ሰዓታት ካብ ቓዛ 1.1 ሚልዮን ሰባት ክወጹ ትደሊ - ሕቡራት ሃገራት

    መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞም ህንፃታት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝነብር ኵሉ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናብ ደቡባዊ ቓዛ ክግዕዙ ከምዘለዎም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበረ ወሃቢ ቃል እቲ ዓለማዊ ትካል ኣፍሊጡ።

    እዚ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ኣስታት ፍርቂ ካብ መላእ ህዝቢ ቓዛ ከምዝዀነ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

    እቲ ተሃስዩ ዘሎ ከባቢ ጽዑቕ ህዝቢ ንዘለዋ ከተማ ቓዛ እውን ዘጠቓልል እዩ። እቲ መጠንቀቕታ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ፡ ብኣቈጻጽራ ቓዛን እየሩሳሌምን (23፡00 GMT) ከምዝተዋህበ ተፈሊጡ'ሎ።

  18. ናብራ ዞባ ቓዛ እንታይ ይመስል?

  19. ኣዛዚ ሰራዊት እስራኤል ንመጥቃዕቲ ሓማስ ክከላኸል ዘይምኽኣሉ ፍሽለቱ ተኣሚኑ

    ብደገፍቲ ሓማስ ዝተማረኸት ታንኪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ መጥቃዕቲ ሓማስ ዝተማረኸት ታንኪ ሰራዊት እስራኤል

    ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ንፈለማ እዋን ንማዕከናት ዜና ተዛሪቡ።

    ሌ/ጀነራል ሄርዚ ሃለቪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰራዊቱ ብኣጋ ነቲ መጥቃዕቲ ክገትኦ ዘይምኽኣሉ ዘርኣዮ ድኽመት ተኣሚኑ።

    “ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ናይታ ሃገርን ዜጋታታን ጸጥታ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ” ዝበለ እቲ ጀነራል “ብቐዳም ንጉሆ ግን፡ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ቐዛ [ንዝተፈጥረ ኩነታት] ኣይተቖጻጸርናዮን” ክብል ነቲ ንብዙሓት ተዓዘብትን ህዝቢ እስራኤልን ዘገረመ ጉድለት ገሊጽዎ።

    “ክንመሃር ኢና፡ ክንምርምሮ ኢና፡ ሕጂ ግን ናይ ኲናት ግዜ እዩ”።

    ብዛዕባ’ቶም ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣስታት 150 ዝኾኑ ሰባት ምስ ተሓተተ ድማ፡ “ዋጋ ኲናት ልዑልን ከቢድን’ዩ። ነቶም ተታሒዞም ዘለዉ ክንመልሶም ዝከኣለና ክንገብር ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

    ኣብቲ ካብ ቀዳም ወጋሕታ ጀሚሩ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓማስ ብወገን እስራኤል ብውሕዱ 1,300 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ልዕሊ 3,000 ካልኦት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

    ሰራዊት እስራኤል ከምዝሓበሮ፡ ዛጊት ልዕሊ 5,000 ተወንጨፍቲ ሮኬታት ሓማስ ናብ እስራኤል ተተኲሶም ኣለዉ። ሰራትዊት እስራኤል ብወገኑ ኣብ ቓዛ ብኣሽሓት ዝቑጸር ቦምባታት ኣዝኒቡ’ሎ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 50 ዓመታታት ካብ ዘጋጠማ እቲ ዝኸፍአ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ 1973 ጎረባብቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ መዓልቲ ሃያማኖታዊ ብዓላ (ዮም ኩፑር) ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኣብ ሓደጋ ኣእትየንኣ ምንባረን ይዝከር።

  20. ቁጽሪ ዝተቐትሉ ልዕሊ 2700 በጺሑ

    ደብዳብ እስራኤል ኣብ ቓዛ ይቕጽል

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብወገን እስራኤል፡ ቁጽሪ ናይቶም ብመጥቃዕቲ ሓማስ ዝሞቱ ግዳያት 1300 በጺሑ’ሎ። ብዙሓት ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታላት ከምዘለዉ ይግለጽ።

    ካልኦት ኣስታት 150 ብሓማስ ተጨውዮም ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዎ፡ ዛጊት ድሃዮም ኣይተረጋገጸን ዘሎ። ንምፍትሖም ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ይግለጽ።

    ቁጽሪ ናይቶ ብደብዳባት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን’ውን 1400 በጺሑ’ሎ።

    ሆስፒታላት ናብ መጽንሒ ሬሳታት ተቐዪረን ከምዘለዋን፡ ዓቕሉ ዘጽበበ ሰላማዊ ህዝቢ ኣብአን ክዕቆብ ይግደድ ምህላዉን ሰብመዚ ይገልጹ ኣለዉ።

    እቲ እንኮ ትልኽ ክብል ዝጸንሐ መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክ ቓዛ ብሰንኪ ስእነት ነዳዲ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ሆስፒታላትን ነበርትን ኣብ ጀነሬተራት ተመርኲሶም ክሰርሑ ተገዲዶም ኣለዉ። እስራኤል ናብታ ዞባ ቀረባት ኤለክትሪክ፡ ነዳዲን ማይን ከይኣቱ ብምዕጻው ከርዲናታ ትርከብ

    ኣብታ ኣብ ዕጽዋ ኣትያ ዘላ ዞባ ቀረባት መግብን ማይን ይውዳእ ብምህላዉ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ከምዝመጸ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ’ሎ።