ጸረ-ሴማውነት ኣብ ዘስግኣሉ፡ ፈረንሳ ሰልፊታት ደገፍ-ፍልስጤም ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ፈረንሳ ንፍልስጤም ዝድግፍ ሰልፍታት ኣጊዱ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን፡ እቶም ሕጊ ዝጥሕሱ ዘለዉ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክስጐጉ ከምዝኽእሉ ከጠንቅቕ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ድማ ሓድነት ክህሉ ጸዊዑ።
እዚ ስጕምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ጸረ-ሴማውነት ስምዒታት ከይነቱግ ኣብ ዝሰግኣሉ ዘለዋ እዋን’ዩ።
እንተዀነ፡ እቲ እገዳታት’ኳ እንተ ተኣወጀ፡ ብርክት ዝበሉ ደገፍቲ ፍልስጤም ዝዀኑ ሰልፈኛታት ግን ብ ሓሙስ ኣብ ጐደናታት ፓሪስ ወጺኦም ጸረ-እስራኤል ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።
ኣብቲ 3000 ሽሕ ዝዀኑ ስልፈኛታት፡ ባንዴራ ፍልስጤም እናንበልበሉ፡ “እስራኤል ቀታሊት!”፡ “ፍልስጤም ክትዕወት እያ!” ዝብል ጭርሖታት እናስምዑ ዘካየድዎ ሓያል ሰልፊ፡ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ማይ ነጺጕን፡ ገለ 10 ዝዀኑ ካብ ቀንዲ መራሕቲ ሰልፊ ኣሲሩን።
ነቲ እገዳ ዝኣዘዘ ሚስተር ዳርማኒን፡ እቶም ሕጊ ዝጻረሩ፡ "ህዝባዊ ስርዓት ብምዝራግ" ክእሰሩ ኣለዎም ኢሉ።
ደገፍቲ ፍልስጤም ዝዀኑ ጕጅለታት ግን፡ እዚ ውሳነ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ምዃኑ ብምግላጽ ንህዝቢ ፍልስጤም ዝድግፍ ሰልፊ ክቕጽሉ ቃል ኣትዮም።
ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈት ሻርሎት ቮቲየር ን ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ሲቪላዊ ሕጊ ኣብ ዘለዋ ሃገር ኢና እንነብር ዘለና፡ መርገጺ ክንሕዝን ሰልፊ ክንገብርን መሰል ኣብ እትህብ ሃገርቲና ዘለና" ኢላ።
"ንሓደ ወገን ምኽልካል፡ ነቲ ካልእ ወገን ድማ ፍቓድ ምሃብ [ፍትሓዊ ኣይኮነን]" ክትብል እውን ተዛሪባ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፖሊስ ርእሰ ከተማ ጀርመን - በርሊን’ውን፡ ንሓደጋ ምልዕዓል ጸረ-ሴማውነት ብምጥቃስ፡ ተወጢኑ ዝነበረ ደገፍቲ ፍልስጤም ዝድግፉ ሰልፍታት ክእገድ ወሲኑ።
ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ ቪድዮ፡ "ኣብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዓለማዊ ምፍልላይ ካልእ ሃገራዊ ምፍልላይ ኣይንወስኽ" ብምባል፡ ህዝቢ ፈረንሳ ብሓድነት ክጸንሕ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ "ሞት ህዝቢ እስራኤል ዝደሊ ግብረሽበራዊ ትካል" ክብል ንሓማስ ገሊጽዎ።
ሓማስ ብቐዳም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣስታት 13 ፈረንሳውያን ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ'ሎ።
ፕረዚደንት ማክሮን፡ 17 ፈረንሳውያን ዜጋታት ደሃዮም ከምዝጠፍአን፡ ካብቶም ብሓማስ ኣብ ቓዛ ጅሆ ዝተታሕዙ ክዀኑ ከምዝኽእሉን ብምግላጽ፡ "ፈረንሳ ኣብ ጐድኒ እስራኤልን መሻርኽትናን ኰይና ናብ ዓዶም ንምምጻእ ዝከኣላ ኵሉ ክትገብር እያ" ኢሉ።
ካብቶም ዝጠፍኡ ኣርባዕተ ህጻናት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤል፡ ኣሸበርቲ ብምጽራግ ንነብሳ ክትከላኸል መሰል ኣለዋ፤ እንተዀነ “ግዴታ ደሞክራስያውያን ሃገራት ስለዝዀነ ህይወት ሲቪላት ክትዕቅብ ኣለዋ” ኢሉ።
“ንሽበራ ዝወሃቦ ምላሽ ሓያል ግን ከኣ ፍትሓዊ ዝዀነ ጥራይ'ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ፈረንሳ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝግመት ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣለውዋ።
ማሕበረሰብ ኣስላም ፈረንሳ'ውን ኣብ ኣውሮጳ ካብቶም ዝዓበዩ ማሕበረሰባት ኮይኑ፡ ብገምጋም ሓሙሽተ ሚልዮን ይበጽሕ።
ሚስተር ዳርማኒን፡ ኣብያተ ትምህርትን ምኹራባትን ኣይሁድን ብዝርአ ህላወ ፖሊስ ክሕለዋ ከምዘለወን፡ ብሓሙስ ንወከልቲ ዞባታት ኣተሓሳሲቡ።
ንሱ ንራድዮ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ቀዳም ኣትሒዙ 100 ጸረ-ሴማውያን ተግባራት ከምዝተቐድሑን መብዛሕትኦም ድማ ሞት ንኣይሁድ ዝብሉ ጻውዒታትን ‘ኢንቲፋዳ ኣንጻር እስራኤል’ ዘርእዩ ጽሑፋት ዘጠቓልሉ ምዃኖም ገሊጹ።
ኣብ ገለ ፍጻመታት፡ ሰባት ካራ ሒዞም ናብ ኣብያተ ትምህርትን ምኹራባትን ክኣትዉ ፈቲኖም ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ዘጠቓልል ምዃኑ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ፖሊስ ፈረንሳ ድሮ ኣባይቲ መራሕቲ ኣባላት ባይቶ ይሕልዉ ኣለዉ፤ ክልቲኦም ኣይሁዳውያን ዝዀኑ ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ያኤል ብራውን-ፒቨትን ኣባል ባይቶ ሜየር ሓቢብን ተወሳኺ ሓለዋ ተገይሩሎም ኣሎ።
ኣባል “ሰልፊ ህዳሰ” ዝኾነት ብራውን-ፒቨት ድማ ምፍርራሕ ሞት ከምዝመጻ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ "ዜሮ ተጻዋርነት" ንጸረ-ሴማውነት ኣዊጁ።
ንሱ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ንመጥቃዕቲ ሓማስ ንምጽንባል ኣብ ከባቢ ኒውኮልን በርሊን ምቍር መግቢ እናዓደለ ዝተሳእለ ደጋፊ ፍልስጤም ጕጅለ ሳሚዱን ክእገድ ምዃኑ ገሊጹ።
"ጸረ-ሴማውነት ኣይንጻወሮን ኢና" ክብል ወሲኹ ኣጠንቂቝ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







