እስራኤል መጥቃዕቲ ሓማስ ንምምካት ስለምንታይ ደንጒያ?

ዕጡቓት ሓማስ ብዘሰንብድ መጥቃዕቲ ንሰራዊት እስራኤል ክስዕሩ ክኢሎም

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘሰንብድ መጥቃዕቲ ኣካይዶም

ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ከባቢ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ድላዮም ኣብ ዝፈጸሙሉ ነዊሕ ሰዓት፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣበይ ነይሮም ኢሎም ዝሓቱ ሰባት ኣለዉ።

"እቲ ሰራዊት ቅልጡፍ ግብረመልሲ ኣብ ምሃብ ፍጹም ፈሺሉ" ይብል ሓደ እስራኤላዊ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ዝኣተዉ ማሕበረሰባት፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክሳዕ ዝመጽእ ኣብ ዝጽበዩሉ እዋን፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሲቪላዊ ሓይልታት ምክልኻል ክምርኮሱ ነይርዎም።

እዚ ንምንታይ ከም ዘጋጠመ ምሉእ መልሲ ክሳዕ ዝረክብ ገለ ግዜ ክወስድ እዩ። ግን ሃንደበታውነት፡ መጠንን ፍጥነትን እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ዘይተዳለወ ሓይሊ ምክልኻል ዝዓብለሎ ይመስል።

ሃንደበት ምዃኑ ንሓማስ ወሳኒ እዩ ነይሩ።

ስለያ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ሓማስ ዝሓንጸጾ ውጥን ክፈልጥ ኣይከኣለን። እቲ ጕጅለ ንነዊሕ እዋን፡ ዓበይቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዓቕሚ ወይ ድሌት ከም ዘይብሉ ዘምስል መደብ ሒዙ ዝጸንሐ’ዩ ዝመስል።

መስርሕ ድሕነት ምናልባት’ውን ኤሌክትሮኒካዊ ርክባት ምዕጋት መሊኹ’ዩ።

ድሕሪኡ ሓማስ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስፍሓትን ፍጥነትን ዘለዎ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ካብ ቓዛ፡ ኣሽሓት ሮኬታት ናብ ተልኣቪቭን ካልኦት ከባቢታት እስራኤል ተተኵሶም

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ካብ ቓዛ፡ ኣሽሓት ሮኬታት ናብ ተልኣቪቭን ካልኦት ከባቢታት እስራኤል ተተኵሶም

ከም መወናበዲ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ሮኬታት ተወንጪፈን። እስራኤል ኣብ ሓጹር ዶብ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ንምዕዛብ ኣብ ዝጥቀመሉ ናይ ምክትታል መሳርሒታት እውን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ’ዩ። ብድሕሪኡ ከበድቲ ነታጒታትን መካይንን ነቲ ሓጹር ጸጥታ ክሳብ 80 ኣብ ዝበጽሕ ቦታታት ቆሪጾምዎ።

ብድሕሪ ብሞተር ዝሰርሓ ሃንግ-ግላይደራትን ሞተር ብሽክለታን ኣብ ዝተሳተፋሉ ስርሒት ካብ 800 ክሳብ 1000 ዝበጽሑ ዕጡቓት ካብ ቓዛ ወጺኦም ኣብ ብዙሕ ቦታታት መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

እዞም ዕጡቓት ዝተጠቐሙሉ ሜላ ንሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕብላል ዝተዓወቱ ይመስሉ - እንተወሓደ ንእተወሰነ እዋን።

ድሮ ኣብ ሓንቲ ጸጥ ዝበለት ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊ በዓል ዝነበረላ ዕለተ ቀዳም ንግሆ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈት ኣብ ውሽጢ ማእከላት እዚን ቍጽጽርን እስራኤል ህውከት ዝፈጠረ ነይሩ።

ገለ ካብቶም ተቓለስቲ ሓማስ ንሲቪላዊ ማሕበረሰባት፡ ገሊኦም ድማ ንወተሃደራዊ ድፋዓት ዒላማ ገይሮም። ምክልኻል እቶም ድፋዓት ቀሊል ምንባሩ፡ ከምኡ’ውን ታንክታት እስራኤል ኣብ ኢድ ሓማስ ዘርእዩ ምስልታት ምዝርግሖም ሰንባደ ዝፈጠረ’ዩ።

ብተወሳኺ እቶም ኣብ ዶብ ዝተቘረጹ ቀዳዳት፡ ኣብ መወዳእታ ብታንክታት ቅድሚ ምዕጻዎም፡ ንነዊሕ እዋን ክፉታት ኰይኖም ምጽንሖም ጅሆ ዝተታሕዙ ብቐሊሉ ናብ ቓዛ ንኽወስዱ ኣኽኢልዎም’ዩ።

እስራኤል ሕጂ ኣማኢት ኣሽሓት ዕቑር ሰራዊት ድሕሪ ምጽዋዓ ኣብ ዶብ ቓዛ ታንክታትን ወተሃደራትን ተዝምት ኣላ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል፡ ሕጂ ኣማኢት ኣሽሓት ዕቑር ሰራዊት ድሕሪ ምጽዋዓ ኣብ ዶብ ቓዛ ታንክታትን ወተሃደራትን ተዋፍር ኣላ

ምክልኻል እስራኤል ዝተበታተነ ይመስል - ሓይልታት ጸጥታን ምክልኻልን እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ክንዲ ኣብ ቓዛ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝያዳ ኣተኲሮም ነይሮም። እዚ ድማ ክፍተታት ፈጢሩ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፖሊሲታት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ መንጐ ሕብረተሰብ እስራኤል ምፍልላይ ፈጢሩ’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ትኹረት ትካል ጸጥታ እታ ሃገር ዝያዳ ምዝንባዕ ክፈጥር ከም ዝኽእል ሓማስ ተኣማሚኑ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ወተሃደራውን ስለያውን ዓቕሚ እስራኤል፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝበለጸ ኣብ ዓለም ድማ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ከም ዝዀነ ክሕሰብ ጸኒሑ እዩ።

ይዅን’ምበር ዓቕሚ ሓማስ ኣቃሊሎምዎ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።

ገለ ሰባት እቲ መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 መስከረም የነጻጽርዎ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ነፈርቲ ከም ኣጽዋር ከገልግላ ከም ዝኽእላ ዝገመተ ሰብ ኣይነበረን።

እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ "ውድቀት ሓሳባዊ ክእለት" ተባሂሉ ክጽዋዕ ጸኒሑ’ዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ እስራኤል’ውን፡ እታ ሃገር ንጸላኢኣ ክሳብ ክንድዚ ከይተዳለወት ክትጸንሕ ዝገበራ ሓደ ምኽንያት ውድቀት ሓሳባዊ ክእለት ክኸውን ይኽእል’ዩ።

እቶም ስክፍታታት ብርግጽ ኣካል ናይቲ ክካየድ ዝኽእል ነዊሕ ግዜ ዝወስድ መርመራ ክዀኑ እዮም።

ኣብዚ እዋን ግን ንድሕሪት ተመሊስካ ካብ ምጥማት ቀጺሉ እንታይ ከም ዝገብር ኣብ ምፍላጥ ትኹረት ምግባር ኣገዳሲ’ዩ።