ኢራን፡ ናብ ጐረባብታ ብምትኳስ ዓቕሚ ሚሳይላታ ተርኢ ኣላ

ሚሳይላት ኢራን

ምንጪ ስእሊ, NURPHOTO

መግለጺ ስእሊ, ኢራን ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ዒላማታት "ግብረሽበራዊ ጕጅለታት" ንምህራም ሚሳይላት ከይባር ሸካን ከምዝተጠቐመት ገሊጻ

ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን (ኣይኣርጂሲ) ናብ ግዝኣታት ዒራቕ፡ ሶርያን ፓኪስታንን ብምትኳስ፡ ሓያል ዞባዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዝዀነ የርእይ ኣሎ።

እስላማዊ ሰውራ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ማእከላት ኣሜሪካን ኣብ ተልኣቪቭን ሃይፋን ዝርከቡ ማእከላት እስራኤልን ኣብ ውሽጢ ርሕቀት ባላስቲክ ሚሳይል ኢራን ከምዘለዋ ብግልጺ ተዛሪቡ እዩ።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ፡ ዓቕሚ ሚሳይላትን ድሮናትን ዘርእዩ መጥቃዕቲታት ኣብ ግዝኣታት ሰለስተ ዝተፈላለያ ሃገራት ፈጺሙ።

ኢራን ብሰሉስ ምሽት ኣብ ጐረቤታ ፓኪስታን ክልተ ዒላማታት ክትሃርም እንከላ፡ ናይቲ ቅድሚ ሰሙናት ሓለውቲ ዶባ ዝቐተለላ ዕጡቕ ጕጅለ ጀይሽ ኣላድል ክልተ ወተሃደራዊ ማእከላት ከምዘዕነወት ነታ ሃገር ቅርበት ዘለዎም መራኸቢ ብዙሃን ገሊጾም።

ንመሰላት ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኢራን ዝርከቡ ዓሌት ባሎች ከምዝቃለስ ዝገልጽ ዕጡቕ ጕጅለ ሱኒ ምስልምና ጀይሽ ኣላድል፡ ናይ ኣባላቱ ቤተሰብ ዝነብሩለን ክልተ ገዛውቲ ከምዝተቓጸላ ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ “ፍጹም ዘይቅቡል” ክትብል ዝዀነነት ፓኪስታን በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ህጻናት ከምዝተቐተሉ ብምሕባር “ከቢድ ሳዕቤን” ከምዝህልዎ ኣጠንቂቓ።

መንግስቲ እታ ብምዕራብ እተዋስና ዒራቕ እውን ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ነቲ ኣብ ሓውሲ ርእሰ ምሕደራ ኩርዲስታን ዝፈጸሞ ደብዳብ 11 ሚሳይላት ኰኒና።

መንግስቲ ግዝኣት ኩርዲስታን ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ግዝኣት ድማ “ኣንጻር ህዝቢ ኩርድ ዝተፈጸመ ገበን” ክብል ገሊጽዎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስቲ እስላማዊ ሰውራ ቅርበት ዘለዋ ማዕከን ዜና ፋርስ፡ በቲ መጥቃዕቲታት “ማእከላት” ትካል ስለላ እስራኤል ዝዀነ ሞሳድ ከምዝዓነዉ ገሊጻ። እስራኤል ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበትን፤ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኩርዲስታን ግን “መሰረት ዘይብሉ ምኽንያት” ክብል ነጺግዎ።

ካብቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ኢራን እቶም ኣርባዕተ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ፍሉጥ ኩርዳዊ ነጋዳይ ፓሽራው ዲዛዪ ዝዓለቡ ኰይኖም፡ ምስ 11 ወርሒ ዕድመኣ ጓሉ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ።

ሰብመዚ ኩርዲስታን እቲ ነጋዳይ ምስ እስራኤል ርክብ ከምዘይነበሮ ገሊጾም፤ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኣይተጋገየን ኢሉ።

እቲ ኣብ ኩርዲስታን ኢርቢል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኢራን ዒላማ ዝሓለወ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከምእትኽእል ዘረጋገጸ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሓይልታት ወጻእን ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝተኸሉሉ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኢርቢል መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከምእትኽእል ዘመልክት እዩ።

እስራኤል ኣብ ታሕሳስ ኣብ ሶርያ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ምቕታላ ስዒቡ፡ እቲ ሕጂ ኢራን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት እስራኤል ፈጺመዮ ዝበለቶ ደብዳብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እውን ፖለቲካዊ ቅቡልነት ክትረክብ ዘኽእላ እዩ።

ኢራን ብሰኑይ ምሸት እውን ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ኢድሊብ፡ ወትሃደራዊ ማእከላት ኣይኤስን “ግበረ ሽበራዊ ጉጅለታትን” ኣብ ዝበለቶም ዒላማታት ደብዳብ ባላስቲክ ሚሳይላት ኣካይዳ።

ኢድሊብ ናይቲ ንመንግስቲ በሽር ኣልኣሳድ ንምውጋድ ን 12 ዓመታት ዝተዋግአ ተቓዋሚ ጕጅለ ናይ መወዳእታ ትሕዝቶ እያ። ኣይኤስን ኣልቓዒዳን እውን ኣብታ ግዝኣት ይንቀሳቐሱ እዮም። ኣልኣሳድ ካብ ሩስያን ኢራንን ብዝተገበረሉ ወተሃደራዊ ደገፍ እዩ ኣብ ምስልጣን ክቕጽል ክኢሉ።

ኢራን እቲ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ነቲ ኣይኤስ ብ 3 ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝፈጸሞ 94 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኣጥፊእካ ምጥፋእ፡ ምላሽ ከምዝዀነ ትገልጽ።

ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ፡ ንኢድሊብ ንምውቃዕ ክሳብ 1450 ኪሜ ዝጓዓዝ ሚሳይል ከይባር ሸካን ከምዝተጠቐመት ገሊጹ። እቶም ሚሳይላት ካብ ዶብ ሶርያ ካብ ዝረሓቐ ክፋል ኢራን ከምዝተተኮሱ እውን ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ናብ ሶርያ እንተቐሪባ ነታ ምስ ሶርያ እትዋሰን እስራኤል ናይ ምውቃዕ ተኽእሎ ከምዘለዋ ንዓለም ፍለጡለይ ምባላ ከምዝዀነ ይግመት።