እስራኤል፡ ምክትል ሓላፊ ሓማስ ኣብ በይሩት ብደብዳብ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምክትል ሓላፊ ሓማስ ዝኾነ ሳላሕ ኣል ኣሮሪ ኣብ በይሩት ብደብዳብ እስራኤል ተቐቲሉ።
እስራኤል፡ ካብ ጸላእታ ሕነ ናይቲ ዝተቐተለ ሓላፊ ሓማስ ከምእትፈድዮ መፈራርሒ ቓላት ምስ መጽኣ፡ ምቅንጻል እቲ ሓላፊ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ጌርካ ክውሰድ ከምዘይብሉ ገሊጻ።
ሓማስ፤ መቕተልቲ ሓላፊኡ ክኹንን እንከሎ ሕዝቡላህ ብወገኑ እቲ ፍጻመ ልኡላውነት ሊባኖስ ዝግህስ’ዩ ብምባል ገሊጽዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ’ውን እስራኤል “ንሊባኖስ ብሓይሊ ስሒባ ናብቲ ምትፍናን ተእትዋ ኣላ” ብምባል ተግባር እስራኤል ቅኑዕ ከምዘይኮነ ብትሪ ነቂፉ።
ማዕከናት ዜና ሊባኖስ፤ ሳላሕ ኣል ኣሮሪ ኣብ ደቡባዊ ክፋል በይሩት ብናይ ድሮን መጥቓዕቲ ሻውዓይ ርእሱ ከምዝተቐተለ ኣቓሊሐን።
ካብቶም ዝተቐተሉ እቶም ክልተ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሓማስ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ሓማስ ምዃኖም’ውን እተን ማዕከናት ዜና ኣጋዊሐን።
እቲ ሓላፊ ኣብቲ ሓደ ካብ ክንፍታታ ሓማስ ዝኾነ ብርጌድ ቓስም ኣዝዩ ወሳኒ ሰብ ከምዝነበረን ምስ ቀንዲ ሓላፊ ሓማስ ኢስማዒል ሃንየህ ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮ ይፍለጥ።
ሳላሕ ኣል ኣሮሪ ኣብ ሊባኖስ ዓስኪሩ ኣብ ሞንጎ ሓማስን ሒዝቡላህን ዘሎ ርክብ ኣብ ምድልዳል ክሰርሕ ምጽንሑ ይግለጽ።
ወሃቢ ቃል ኢስራኤል ማርክ ረገቭ እቲ ቅንጸላ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ ኣነጺሩ ብዘይምግላጽ “እቲ ተግባር ዝፈጸመ ይፈጽሞ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ከምዘይተፈጸመ ክንጽር ኣለዎ” ኢሉ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ “እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሒዝቦላህ ዝተፈጸመ’ውን ኣይኮነን፡ ዝገበረ ይግበሮ እቲ ስርሒት ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ናይ ሓማስ’ዩ ተፈጺሙ፡ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ይፈጽሞ ፈጻሚኡ ብተግባራት ሓማስ ዝተቀረጸ’ዩ ፈጺምዎ፡ እዚ ኣዝዩ ንጹር’ዩ” ኢሉ።
7 ጥቅምቲ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ብምፍናው መብዛሕትኦም ሰለማውያን ሰባት ዝኾኑ ኣስታት 1200 ብምቕታል ኣስታት 240 ጅሆ ድሕሪ ምሓዞም’ያ እስራኤል ንሓማስ ንምጥፋእ ኣብ ቓዛ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ተካይድ ዘላ።
እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ክሳብ ሕጂ ወዲ 57 ዓመት ሳላሕ ኣል ኣሮሪ እቲ ዝልዓለ ሓላፊ ሓማስ ብእስራኤል ዝተቐተለ’ዩ።
ካብ 7 ጥቅምቲ ክሳብ ሕጂ መብዛሕትኦም ቈልዓ ሰበይቲ ዝዀኑ ልዕሊ 22 ሽሕ ፍሊስጤማውያን ብደብዳባት እስራኤል ተቐቲሎም ከምዘለዉ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።
ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩን ምስ ሓማስ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎን ሓይሊ ሒዝቡላህ’ውን ንሓማስ ዘለዎ ደገፍን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘለዎ ተቓውሞን ንምርኣይ ናብ እስራኤል ሓያለ ሮኬታት ክትኩስ ጸኒሑ’ዩ።
ሃገራዊት መደበር ዜና ሊባኖስ፡ ሳላሕ ኣል ኣሮሪ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ በይሩት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓማስ እንከሎ ብመጥቃዕቲ ድሮን እስራኤል ከምዝተቐተለ ኣቃሊሓ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መሰኻኽር ዓይኒ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ምስክር፡ ድሕሪ እቲ ደብዳብ ኣብ ጥቓ እቲ ሳላሕ ኣል ኣሮሪ ዝተቐተለሉ ህንጻ ኣምቡላንስ ወሃብቲ ቀዳማይ ረድኤትን ኣጥፋእቲ ሓውን ከምዝነበራ ብምሕባር፡ እቲ ህንጻ ካብ ላዕሊ ክሳብ ሳልሳይ ደርቢ ከምዝነኾለ ገሊጾም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ’ውን እቲ ህንጻ ከምዝዓነወን ኣብ ጥቓ እቲ ህንጻ እትነድድ መኪናን የርኢ።
እቲ ሳላሕ ኣል ኣሮሪ ዝተቐተለሉ ከባቢ ዳህያህ ዝበሃል ኰይኑ፡ ነባሪ እቲ ከባቢ ዕሉል ደጋፊ ሕዝቡላህ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።
ፖለቲካዊ ሓላፊ ሓማስ እማዒል ሃኒያ እቲ ቅትለት “ናይ ርዑዳትን ግብረሽበራውን’ዩ፡ ብዓቢኡ ከኣ ንልኡላውነት ሊባኖስ ዝግሃሰ’ዩ” ኢሉ።
ሕዝቡላህ ብወገኑ ቅትለት ሳላሕ ኣል ኣሮሪ “ንሊባኖስ፡ ንህዝባ፡ ንጸጥታኣ፡ ንልኡላውነታ ውርደት ኰይኑ ፖለቲካውን ጸጥታውን መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ” ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ “እዚ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ዝኸፍአን ሓደገኛን ምዕባለ ዘምርሕ’ዩ፡ ንሕና ከም ሕዝቡላህ ከኣ ብዘይግብረምልስን ብዘይመቕጻዕትን ኣይክንሓልፎን ኢና፤ የእዳውና ኣብ ቃታ’የን ዘለዋ፤ ኵሉ ከኣ ድሉው’ዩ ዘሎ” ብምባል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ከምዝፈዲ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እታ ንሕዝቡላህን ንሓማስን ከምእትድግፍ ዝንገረላ ኢራን ብወገና ቅትለት ሳላሕ ኣል ኣሮሪ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ብዝልዓለ ንኽብርክ ዝድርኽ ከምዝዀነ ገሊጻ።
ባይቶ እስራኤል እቲ ትማሊ፡ ድሕሪ ምብቃዕ እዚ ኲናት ቓዛ ከመይ ትኹን ኣብ ዝብል ዛዕባ ከካይዶ ወጢንዎ ዝነበረ ኣኼባ ኣቋሪጽዎ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊባኖስ ዓብደላ ባ ሓቢቢ ንሕዝቡላህ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ “ግብረ መልሲ ንኸይህቡ ክንዛረብ ንኽእል፡ ክንዛተ’ምበር ኣይትግበሩ ግን ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና” ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር፡ “ግብረ መልሲ ክህቡ ድዮም ኣይክህቡን ኣብ ዝመጽእ 24 ሰዓታት ብሩህ ክኸውን’ዩ፡ ኣዚና ተሻቒልና ኢና ዘለና፡ ንሕና ናብዚ ኲናት ተሳሒብና ክንኣቱ ኣይንደልይን ኢና፡ ሕዝቡላህ’ውን ናብዚ ዞባዊ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ዘለዎም ኣይመስለንን” ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ሚኒስተር ዓብደላ ባ ሓቢቢ፡ “እስራኤል ኵሉ እቲ ትገብሮ ዘላ ተግባራትን ግህሰታትን ደው ንኸተብሎ ጸቕጢ ክግበረላ ኣለዎ፡ ኣብ በይሩት፡ ኣብ ሊባኖስ ጥራይ ዘይኮነ ዋላ እቲ ኣብ ቓዛ ትገብሮ ዘላ ደው ከተብሎ ክትግደድ ኣለዋ” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ መራሕቲ ሓማስ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ክቕተሉ ምዃኖም ክፍክር ጸኒሑ’ዩ።
ሳላሕ ኣል ኣሮሪ’ውን ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ሓማስ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ነቲ ኵሉ ኣብኡ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ንሱ ከምዝማእክሎ ማዕከናት ዜና እስራኤል ክገልጻ ጸኒሐን’የን።
ንሱ ነቲ ኣብ 2014 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሰለስተ እስራኤላውያን ኮተቴ ዝተጨወይሉን ዝተቐተልሉን ስርሒት ከምዝመርሐን፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ተኣሲሩ ምንባሩን’ዩ ዝግለጽ።
ብዘይካ’ዚ ንሱ ሓደ ካብቶም ምስ ኢራንን ምስ ሕዝቡላህን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም መራሕቲ ሓማስ ከምዝዀነ እስራኤል ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







