እስራኤል፡ ኲናት ቓዛ ንምሉእ ዓመተ 2024 ክቕጽል ምዃኑ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ኣብዛ ሎሚ እንፍልማ ዘለና ዓመተ 2024 እውን ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ‘ዝተናወሐ ኵናት ንምክያድ’ ኵሉ ምድላዋት ተጻፊፉ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ገለ ሰራዊት እስራኤል ብምፍላይ ከኣ ዕቝር ሰራዊት ዳግማይ ውዳበ ንምግባር ካብ ቀዳማይ መስመር መጥቃዕቲ ክስሓቡ ምዃኖም ገሊጹ።
“እዚ ዝተገበረ ምቅይያራትን ዳግመ ውደባን እቲ ኵናት ኣብ ምሉእ ዓመት 2024 ንክቕጽል ብምሕሳብ’ዩ ተገይሩ” ኢሉ።
እቲ ወሃቢ ቃል ኣስዒቡ፡ “ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ተወሳኺ ስርሒታት ከምዘሎን እቲ ኵናት ንምሉእ ዓመት ከምዝቕጽልን ኣብ ግምት ኣእትዩ ቅድመ ምድላዋት ክገብር ኣለዎ” ኢሉ።
ገለ ካብ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብ ቓዛ ወጺኦም ንዝመጽእ መጥቃዕትታት ምድላዋት ክገብሩ ከምዝዀኑ’ውን ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ኣነጺሩ።
ኣብዚ ካብ ዝጅመር 11 ሰሙን ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት እስራኤልን ሓማስን፡ መብዛሕትኦም ቈልዓ ሰበይቲ ዝዀኑ ልዕሊ 21 ሽሕን 800 ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።
እቲ መትሓዚ ተሳኢንዎ ዘሎ ኵናት፡ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው መብዛሕትኦም ሰለማውያን ሰባት ዝዀኑ 1200 ቀቲሎም ኣስታት 240 ጅሆ ድሕሪ ምሓዞም’ዩ ጀሚሩ።
እስራኤል ከም ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ን11 ሳምንታት ብዘካየደቶ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፡ ካብ ቓዛ ሓሊፉ ንመላእ እቲ ዞባ ናብ ከቢድ ቅልውላው ሸሚምዎ ይርከብ።
ትማሊ ሰንበት እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ 48 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ብፍርስራስ ተደብዮም ከምዘለዉ ሚኒስትቲ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ከተማ ቓዛ ኣብ ኣል ኣቕስ ዝተበሃለ ዩኒቨርስቲ ተዓቒቦም ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ ደብዳብ’ውን ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኤኤፍፒ ገሊጾም፤ እንተዀነ ቢቢሲ ነዚ ጸብጻብ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ሕቡራት ሃገራት ካብቶም 2.4 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ እቶም 85 ሚእታዊት [ኣስታት ክልተ ሚልዮን] ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ነባሪት ሰሜን ቃዛ ዝዀነት ሕጂ ግን ኣብ ራፋ ተዓቝባ ዘላ ጓል 57 ዓመት ዘይነብ ኸሊል ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ሎሚ ምሽት ሰማይ ዓለም ምምጻእ ሓዲሽ ዓመት ክጽንብል ከም መግለጺ ሓጎስ ብሰሓቕ ተሰንዩ ርችት ክውላዕ’ዩ፤ ሰማያትና ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዝዘንብ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ደብዳብ ታንክታትን ሚሳይላትን እስራኤል ክመልእ’ዩ” ኢላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝልዓለ ጥርዚ ከምዝበጽሐ ብምሕባር፡ ምሉእ ዓወት ንኽኸውን ግዜ ከምዝወስድ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







