ቅልውላው ቀይሕ ባሕሪ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሑታውያን ማዕረ ክንደይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
የመን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝደኸያ ሃገራት እያ። እስላማዊ ምንቅስቓስ ሺዓ ሑቲ፡ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ምስተቘጻጸረ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ብዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ዓንያ እያ።
ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት፡ ኣንጻር ሑታውያን ዝገብሮ ወፈራ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብታ ሃገር ተወሳኺ ዕንወትን ድኽነትን ኣኸቲሉ ኣሎ። ይዅን እምበር፡ ሑታውያን ካብ ሕዳር 2023 ኣትሒዞም፡ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ምንቅስቓስ መራኽብ ንግዲ ብምስንኻል ዓቕሞም ኣርእዮም ኣለው።
እንተዀነ እዚ ሕጂ ብኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያ ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ነታ ሃገር መሊሱ ክጐድኣ ይኽእል’ዩ።
እዚ ሕጂ ዝጐሃሃር ዘሎ ግጭት ከኣ ኣብ ቊጠባ ዓለም ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል እዩ።
የመን ኣበይ እያ ትርከብ? እንታይ እስትራተጂያዊ ኣገዳስነት’ከ ኣለዋ?

እቲ ቐንዲ ሓይሊ የመናውያን ሑቲ፡ እታ ሃገር እትርከበሉ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ’ዩ ።
እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑታውያን ኣብ 2014 ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንደሓር ንሓያሎ ከባቢ እታ ሃገር፡ ገማግም ቀይሕ ባሕርን፡ ከተማ ሰንዓን ተቘጻጺሮምዎ ኣለው። እዚ ከኣ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ንዝርከብ ጂኦግራፊያዊ ቦታ ንኽቘጻጸሩ ሓይሊ ሂቡዎም።
እቲ ማያዊ መስመር፡ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ዝወስድ ምስ ኣውሮጳ ዘራኽብ ዝሓጸረ መገዲ’ዩ። ነዚ ቦታ’ዚ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሻምብቆ ብረት ኣጽዋራቶም ኣእትዮሞ ኣለው።
ስለምንታይ እዮም ሑታውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ዘካይዱ ዘለው?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ካብ 19 ሕዳር 2023 ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝመሓላለፋ መራኽብ ንግዲ ብውሕዱ 26 መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ወተሃደራዊ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ሓቢሩ።
እቶም ሑታውያን፡ ነቲ ስርሒት ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ቓዛ ብእስራኤል ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ መራኸብ እስራኤል ከምዘነጻጸረን እዮም ዝገልጹ።
ይዅን እምበር፡ ሓያሎ ወገናት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ምስ እስራኤል ዝዀነ ይዅን ርክብ ንዘይብለን መራክብ ንግድ ዒላማ ከምዝገበሩ ይምጕቱ።
እቶም ነቐፍቲ፡ ሑቲ፡ ንኵነታት ቓዛ ምኽንያት ብምግባር ሓይሎምን ዓቕሞምን ንምርኣይን ተፈላጥነቶም ንምዕባይን ከምኡ እውን እሙናት መሻርኽቲ ኢራን ከምዝዀኑ ንምርኣይ ጥራይ ኢሎም ከምዝገብሩዎ ይገልጹ።
ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሑታውያን ማዕረ ክንደይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, HouthiMediaCenter/EPA
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሑታውያን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብክሩዝን ባለስቲክ ሚሳይልን፡ ዩኤይቪን ዝተባህላ ሰብ ኣልቦ መራክብ ተጠቒሞም ኣብ መራኽብ ንግድ መጥቃዕቲ ኣካይዶም።
ኣብ መጀመርታ ፈጣናት ጀላቡን ሄሊኮፕተራትን ተጠቒሞም ናብተን መራክብ ብምድያብ እዮም ክቈጻጸሩወን ፈቲኖም ነይሮም።
እቶም ሑታውያን፡ ኣብ ፈለማ ምስ ስዑዲ ዓረብ ክዋግኡ እንከለው ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ናይ ርእሲ ኵናት ቅርጽን ክንፍን ዘለዎ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ሳማዳስ ዝተባህለ ብረት ይጥቀሙ ከምዝነበሩ፡ ዳሕራይ ግን ዩኤይቪ ወይ ካሚካዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድሮን ከምዝጥቀሙ ነቲ ኵነታት ብቕርበት ዝተኸታተሉ ወገናት ይሕብሩ።
ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ፡ “ኒየር ኢስት ፖሊሲ” ዝተባህለ ትካል፡ ሑታውያን ካብ 80 ክሳዕ 300 ኪ.ሜ. ዝዝርጋሕ፡ ሳያድንን ሰጂንን ዝተባህሉ ጸረ-መራኽብ ሚሳይላት ከምዝውንኑ ይሕብር።
እቲ ኣንጻር መራኽብ ዝትኰስ ባለስቲክ ሚሳይላት፡ ክሳዕ 300 ኪ.ሜ. ንዝርሕቀቱ ዒላማታት ከጥቅዕ ዝኽእል እዩ። እቲ ኢንስቲትዩት ዋሽንግተን፡ እቲ ሚሳይላት ብዝለዓለ ብራኸን ብኣዝዩ ቅልጡፍ ፍጥነትን ስለዝጓዓዝ ኣብ ሰማይ እንከሎ ከተምክኖ ቀሊል ዘይምዃኑ ይሕብር።
ይዅን እምበር ብድሮናትን መራክብን መሻርኽቲ ሓይልታትን ኣብ እዋኑ ብዝወሃብ ቅልጡፍ ሓበሬታ ክግታእ ከምዝኽእል የረድእ።
ክልቲኡ ባለስቲክን ክሩዝ ሚሳይልን ካብ ድሮን ንላዕሊ ዘፍርሕ’ዩ፡ ክብል ተመራማሪ ታሪኽ ባሕሪ ሳል ሜርኮልያኖ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ንሱ [እቲ ሚሳይላት] " ከቢድ ተባራዒ ድርዕን ሓያል ኖትጒ ከኸትል ዝኽእል ዓቕምን ኣለዎም” ኢሉ ። እተን ድሮናት፡ ንላዕለዋይ ክፋል እተን መራክብ ስለዝሃርማ ባርዕ ንኸይፈጥራ እየን ዝያዳ ዘስግኣ።
እቲ ዩኤስቪስ ዝተባህለ ሚሳይል ግን ኣብ ትሕቲ ማይ ንዘሎ ክፋል እታ መርከብ በሲዑ ከጥሕላ ስለዝኽእል ዝያዳ የሻቕል ይብል።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ግጭት፡ ሑታውያን፡ ብ4 ጥሪ ነታጒ ዝጸዓነት ሓንቲ ሰብ ኣልቦ መርከብ ተጠቒሞም ከጥቅዑ ከምዝፈተኑን፡ እቲ ነታጒ ኣብ ማያት ኣህጉራዊ መስመር መጓዓዝያ ከምእተፈንጀረ፣ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ መርከብ ዝወረደ ሓደጋ ከምዘይነበረ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ምክትል ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ሓቢሩ።
ዋላ’ኳ ሓደጋ እንተዘየጋጠመ ግን፡ ከምኡ ዝመስል መጥቃዕቲ ሓደገኛ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ይዅን እምበር፡ ሑታውያን ኣብ ጥሪ 2017፡ ኣል-መዲና ኣብ እትበሃል መርከብ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ኣብ መጋቢት 2020 እውን ናብ ዓደን የመን እተምርሕ ዝነበረት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ዘይዕዉት መጥቃዕቲ ከምዘካየዱን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ገሊጹ ነይሩ።
ሑታውያን ብመን እዮም ዝድገፉ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑታውያን፡ ንነብሶም ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሕዝቦላህ፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ስርዓት ኣሳድ፡ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሓማስን ካልኦት ብኢራን ዝድገፉ ንእስራኤልን ኣሜሪካን ዝቃወሙ ሓይልታት ምዃኖም ይገልጹ።
ኣብ ለካቲት 2023 መንግስቲ እንግሊዝ: እቲ ሑታውያን ኣንጻር ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝጥቀምሉ ዘለው ኣጽዋርን ሚሳይላትን ምስ ኢራን ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ ናብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከም ጭብጢ ኣቕሪቡዎ ነይሩ።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብ መጀመርታ 2022 ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት፡ ኤች.ኤም.ኤስ ሞንትሮዝ እተባህለት ናይ ሮያል መርከብ ሓይሊ ባሕሪ፡ ካብተን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢራን ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ማያት ብሕቡእ ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ፈጣናት ጀላቡ፡ ናይ ኢራን ኣጽዋር ከም ዝሓዘ ሓቢሩ።
እቲ ኣጽዋር ካብ መሬት ናብ ኣየር፡ ካብ መሬት ናብ መራኽብ ዝትኮስ ክሩዝ ሚሳይል ከምኡ እውን ንስለላ ዘገልግላ ድሮናትን ዘጠቓለለ ምንባሩ ገሊጹ።
እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ዘሎ መጥቃዕቲ ንሑታውያን ደው ከብሎም ይኽእል ድዩ?
ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ካልኦት ሓያለ ሃገራትን ንሑታውያን መጥቃዕትታቶም ደው ከብሉ ከጠንቅቓኦም ጸኒሐን እየን። ኣብ ታሕሳስ 2023 ከኣ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ንዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንምምካት ብ "ኦፕሬሽን ፕሮስፐርቲ ጋርድያን" ዝፍለጥ ብዙሕ ሓይሊ ኣኪበን ኣለዋ ።
ብሓሙስ 11 ጥሪ፡ ለይቲ ከኣ እቲ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ መጥቃዕቱ ጀሚሩ።
"ሓይልታት ኣሜሪካ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያ፡ ባሕሬን፡ ካናዳን ሆላንድን ብምትሕብባር ፡ ኣብ የመን፡ ሑቲ ኣብ ዝጥቀሙሉ 16 ቦታታት ልዕሊ 60 ዒላማታት ወቒዖም" ክብል ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ገሊጹ።
ይዅን እምበር ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እቲ ንዓመታት ዝተዋግኦምን ከቢድ ደብዳባት ዘካየደን ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ከም ዘይሰዓሮም ይጠቕሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







