ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ዓለማዊ ንግዲ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, MEDITERRANEAN SHIPPING COMPANY
ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ መጓዓዝያ ዓለምና፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ መጥቃዕቲ ሚሳይላት መስመር ጕዕዞአን ይቕይራኦ ብምህላወን ከቢድ ጸገም ከጋጥም ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ቐረባ ሳምንቲ የመናውያን ሑታውያን ዕጡቓት ኣብ መራኽብ ንግዲ ብዘካይድዎ ዘለው መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ትካላት ንመራኽበን ካብቲ ሓደገኛ መገዲ ንኽእለያ ይውስና ምህላወን ተገሊጹ።
ዋላ’ኳ ኵለን እተን መጥቃዕቲ ዘጋጥመን ዘለዋ መራኽብ ናብ እስራኤል ዝኸዳ እየን ዝብል ዘተኣማምን መረጋገጺ እንተዘይቀረበ፡ ጕጅለ ሑቲ ንሓማስ ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ እቲ መጥቃዕቲ ናብተን ናብ እስራኤል ዝጓዓዛ መራኸብ ጥራይ ዘነጻጸረ ከምዝዀነ ገሊጹ ኣሎ።
እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ሑታውያን ብመጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕትታት የካይዱ ኣለዉ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ፡ ኣብቲ ብሸነኽ ኣፍሪቃ ንኤርትራን ጅቡትን ብሸነኽ የመን ከኣ ንሓውሲ ደሴት ዓረብ ዘዳውብ ኣስት 20 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ማያዊ ክፋል ዝመሓላለፋ ናይ ጽዕነት መራኽብ፡ ብድሮናትን ሮኬታትን የጥቅዐን ኣሎ።
መብዛሕትኡ ግዜ መራኽብ ንግዲ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ዓለምና ንምስጋር ካብ ደቡብ ብግብጽን መትረብ ስወጽን ኣቢለን በዚ መስመር እየን ዝጓዓዛ።
እንተዀነ ግን፡ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጥም ዘሎን ከጋጥም ዝኽእልን መጥቃዕትታት ከም ሜዲተራንያን ኩባንያን ናይ ማረስክ ሺፒን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ፡ ንመራኽበን ብምዕራባዊ መኣዝን ብዝነውሐ መገዲ 'ጽንፊ ጽቡቕ ተስፋ' (ደቡብ ኣፍሪቃ) ከምዝጓዓዛ ይገብራ ኣለዋ። እዚ ከኣ ነቲ 25 መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ጕዕዞ ናብ 34 መዓልታት ኣናዊሕዎ ይርከብ።
ብሪቲሽ ፖትሮልየም (Bp) ብሰንኪ ምንቍልቋል ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጕዕዞ መራኽቡ ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ ኣሎ።
እቲ ኻልእ መገዲ እንተ ወሓደ ናይ 10 መዓልቲ ጕዕዞ ስለዝውስኽ ነተን ኩባንያታት ሚልዮናት ዶላራት ተወሳኺ ክፍሊት ይሓተን።
እዚ መስመር ባሕሪ ስለምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝኸውን?

መትረብ ስወጽ ኣብ መንጐ እስያን ኣውሮጳን ንዝግበር ጕዕዞ ባሕሪ ዘቀላጥፍ ስሉጥ መስመር ስለዝዀነ ነዳድን ጋዝን በዚ መገዲ እዚ እዩ ዝመሓላለፍ። ስለዝዀነ፡ ዝዀነት መርከብ ካብን ናብን ደቡብን ሰሜንን ዝግበር ጕዕዞ በዚ መትረብ ክትሓልፍ ትግደድ።
ቮርተክስ ዝተባህለ ናይ ጽዕነት ትካል፡ ኣብ መፋርቕ 2023 ጥራይ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ብመትረብ ስወጽ ከምዝሓልፍ ይገልጽ።
ግሎባል ማርኬት ዝተባህለ ተንታኒ ዕዳጋ ከም ዝሓበሮ፡ ዳርጋ 15 ሚእታዊት ካብቲ ናብ ኣውሮጳ ዝኣቱ ኣቝሑ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ካብ ኤስያን ወሽመጥ ዓረብን በዚ ባሕሪ’ዚ እዩ ዝመሓላለፍ። ካብቲ ኣቝሑ 21.5 ሚእታዊት ዝተጻረየን ልዕሊ 13 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳዲ የጠቓልል ።
ግናኸ፡ በዚ ባሕሪ ነዳዲ ጥራይ ኣይኰነን ዝመሓላለፍ። እተን መራክብ ከም ቲቪታት ፡ ክዳውንቲ፡ ናውቲ ስፖርትን ዝተፈለላየ ዓይነት ናይ ሸቐጥ ኣቝሑ እየን ዘመሓላልፋ። እዚ ኸኣ ኣብ ተጠቀምቲ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







