ኢራንን እስራኤልን ወተሃደራዊ ዓቕመን እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈንያ። ንኑዩክሌሳዊ ቦታታት ኢራን ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ሰራዊት ምክልኻል እታ ገሃር ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ቴህራን ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተሃስዩን ህጻናት ዝርከቡዎም ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ገሊጹ። እዚ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ብተወሳኺ፡ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ሑሴን ሰላሚ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 13 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካብ እትፍኑን እስራኤል ኣብ ኢራን ወተሃደራዊ ዒላማታት ካብ እትሃርምን ኣትሒዙ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከቢድ ቅልውላው ከየስዕብ ተሰጊኡ ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ ዞባ ሰፊሕ ኲናት እንተተወሊዑ፡ ክልቲአን ወገናት እንታይ ዓቕሚ ክህልወን ይኽእል?
ካብ ክልቲኤን መን'ያ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዋ?
ነፍሲ ወከፍ ሃገር ካብቲ ዝርአ ንላዕሊ ዝተሓብአ ዓቕሚታት ክህልዋ ስለ ዝኽእል፡ ቢቢሲ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቕሱ ምንጪታት ብምውካስ ነዚ ሕቶ ክምልስ ፈቲኑ ኣሎ።
ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት ስትራተጂያዊ መጽናዕቲታት (IISS)፡ ዝተፈላለዩ ወግዓውን ውሁባትን ምንጪታት ብምጥቃም ወተሃደራዊ ዓቕሚ ክልቲአን ሃገራት የነጻጽር።
ከም ኢንስቲትዩት ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ሰላም ስቶክሆልም ዝበሉ ካልኦት ትካላት ድማ ገምጋም ይገብሩ'ዮም።
እንተዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሃዛት ኣብ ዘይህባ ሃገራት ዝርከብ ውጽኢት ክፈላለ ይኽእል እዩ።
እዚ ዀይኑ ግን፡ ኣብ ትካል ምርምር ሰላም ኦስሎ (PRIO) ዝሰርሕ ኒኮላስ ማርሽ፡ ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት ስትራተጂያዊ መጽናዕቲታት ዝህቦም ገምጋማት ወተሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ዓለም ንምግምጋም መወከሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት ስትራተጂያዊ መጽናዕቲታት፡ እስራኤል ካብ ኢራን ንላዕሊ ኣብ ባጀት ምክልኻላ ዝያዳ ወጻኢታት ከምእትገብርን ኣብ ዝዀነ ክህሉ ዝኽእል ግጭት ርኡይ ሓይሊ ክህልዋ ከም እትገብርን ይገልጽ።
ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት ስትራተጂያዊ መጽናዕቲታት (IISS) ኣብ 2022 ከምኡ’ውን 2023 ዝነበረ ባጀት ምክልኻል ኢራን ኣስታት 7.4 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ናይ እስራኤል ድማ ናይዚ ልዕሊ ዕጽፊ ኰይኑ ኣስታት 19 ቢልዮን ዶላር ከም ዝነበረ የመልክት።
እስራኤል፡ ንምክልኻል ሃገራ እተውጽኦ ወጻኢታት ምስ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ክነጻጸር እንከሎ፡ ዕጽፊ ኢራን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቴክኖሎጂያዊ ሓለፋታት
ኤፍ-35 ኣብ ዓለም ኣዝያ ዘመናዊት ነፋሪት ውግእ'ያ።
ኣሃዛት ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት ስትራቴጂያዊ መጽናዕቲታት ከም ዘመልክትዎ እስራኤል ንውግእ ድልዋት ዝዀና 340 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ከም ዘለዋን፡ እዚ ድማ ኣብ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብልጫ ከም ዝህባን ይገልጽ።
ካብዚአን፡ እተን ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ዘለወን ኤፍ-15 ዝተባህላ ነፈርቲ፣ ኤፍ-35ኤስ - ሄሊኮፕተራት ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ብምፍናው ካብ ራዳር ክሃድማ ዘኽእለን ልዑል ቴክኖሎጂ ዝዓጠቓ'የን።
ኢራን ኣስታት 320 ናይ ውግእ ዓቕሚ ዘለወን ነፈርቲ ከም ዘለዋ እቲ ኢንስቲትዩት ይግምት።
እተን ጀት ካብ 1960ታት ጀሚሩ ዝነበራ ክዀና እንከለዋ፡ ኤፍ-4፡ ኤፍ-5ን ኤፍ-14ን (እዛ ዳሕረወይቲ ኣብ 1986 ኣብ ዝተሰርሐት ፊልም ‘Top Gun’ ፍልጥቲ ዝዀነት ነፋሪት እያ) ዘጠቓልላ እየን።
ኒኮላስ ማርሽ ግን፡ ካብተን ኣረግቶት ነፈርቲ ክንደይ ዝኣኽላ ክበራ ይኽእላ ዝብል ግልጺ ከም ዘይኰነ ይዛረብ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ምንጪ ጽገና ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣይረን ዶምን ስርዓት ኣሮውን
ዓንዲ ሕቘ ምክልኻል እስራኤል፡ ኣይረን ዶምን ኣሮውን ዝተባህሉ ክልተ ስርዓታት እዮም።
መሃንድስ ሚሳይል ኡዚ ሩቢን መስራቲ ትካል ምክልኻል ሚሳይል እስራኤል ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር እዩ።
ሕጂ ኣብ ኢንስቲትዩት ስትራተጂን ጸጥታን እየሩሳሌም ላዕለዋይ ተመራማሪ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣይሮን ዶምን ኣህጉራውያን መሻርኽቱን ዳርጋ ኵሎም ኢራን ናብ እስራኤል ዝተኰሰቶ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከሃጅሙወን ምስ ረኣየ ክሳብ ክንደይ "ውሑስ" ኰይኑ ከም ዝተሰምዖ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ኣዝዩ ዕግበትን ልዑል ሓጐስን ተሰሚዑኒ... ኣንጻር ዒላማታት ክሃርም ዝኽእል ፍሉይ ስርዓት’ዩ። ናይ ሓጺር ርሕቀት ምክልኻል ሚሳይል እዩ። ኣብ ዝዀነ ካልእ [ስርዓት] ንዕኡ ዝመስል የለን።"
ኣይረን ዶምን ስርዓተ ኣሮውን ንዝዀነ ዝተተኮሰ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ሰማይ እንከሎ ልዑል ናይ ምምካን ዓቕሚ ዘለዎ እስራኤል ዘማዕበለቶ ፍሉይን ዘመናውን ስርዓተ ምክልኻል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Amir Cohen / Reuters
ኢራን ካብ እስራኤል ክሳብ ክንደይ ትርሕቕ
እስራኤል ካብ ኢራን ልዕሊ 2100 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
ኤዲተር ዲፈንስ ኣይ ቲም ሪፕሊ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክትፍጽም እትኽእለሉ መገዲ ብቐንዲ ሚሳይላት እዩ ይብል።
ፕሮግራም ሚሳይል ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝዓበየን ዝበዝሐን ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ 2022 ጀነራል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኬነት ማኬንዚ፡ ኢራን “ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ” ባሊስቲክ ሚሳይላት ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።
ብመሰረት ፕሮጀክት ምክልኻል ሚሳይል ሲኤስኣይኤስ፡ እስራኤል ናብ ሓያሎ ሃገራት ሚሳይላት ሰደድ ትገብር እያ።
ኢራን ብ13 ሚያዝያ ልዕሊ 300 ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ እስራኤል ተኲሳ። እቲ 99 ሚእታዊት ከኣ ገና ኣብ ሰማይ እንከሎ ብስርዓት ምክልኻል ሚሳይላት እስራኤል ኣብ ሰማይ እንከሎ በርዒኑ።
ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኢራን
ኢራን ካብ 1980 ክሳብ 1988 ምስ ጐረቤት ሃገር ዒራቕ ካብ ዝገበረቶ ኲናት ጀሚሩ፡ ኣብ ስርዓታት ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሰፊሕ ስራሕ ከተካይድ ጸኒሓ እያ።
ሓጸርቲን ነዊሕን ርሕቀት ዝውንጨፉ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣማዕቢላ።
ብዙሓት ካብኣቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ እስራኤል ዝተተኰሱ እዮም።
ናብ ስዑዲ ዓረብ ዒላማ ዝገበሩ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ዘጽንዑ ተንተንቲ፡ እቶም ሚሳይላት ኣብ ኢራን ዝተሰርሑ ምዃኖም ደምዲሞም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብመጥቃዕቲ ነዊሕ ርሕቀት ‘ምቕጻዕ’
ኤዲተር ‘ዲፈንስ ኣይ’ ቲም ሪፕሊ፡ እስራኤል ምስ ኢራን ናብ ናይ መሬት ኲናት ክትወፍር ልዑል ተኽእሎ ከም ዘይብላ ይዛረብ።
“እስራኤል ዘለዋ ዓብይ ብልጫ ሓይሊ ኣየርን ኣጽዋራታን እዩ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ናይ ምፍናው ዓቕሚ’ዩ ዘለዋ” ኢሉ።
ሪፕሊ፡ እስራኤል ንሰበስልጣን ክትቀትልን ትካላት ነዳዲ ከተዕኑን ዝያዳ ተኽእሎ ከም ዘለዋ ይዛረብ።
" 'ምቕጻዕ' ... ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ እስራኤል ወትሩ ዝጥቀሙላ ቃል’ያ፤ ኣካል ፍልስፍናኦም'ያ፤ ጸላእቶም ብዛዕባ ንእስራኤል ዘለዎም ተቓውሞ ክልተ ሻብ ንኽሓስብሉ ክቕንዘው ኣለዎም’ ይብሉ” ክብል ይዛረብ።
ብ 01 ሚያዝያ 2024፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰለማውያን ኢራናውያንን ብመጥቃዕቲ ኣየር ተቐቲሎም እዮም።
እስራኤል ነዚ ይዅን ንፍሉጣት ሰበስልጣን ኢራን ዒላማ ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ወሲዳ ኣይትፈልጥን። ኣይውዓልኩዎን እውን ኣይትብልን።
ሓይሊ ባሕሪ ኢራን፡ 220 መራኽብ ከም ዘለዎ ይግለጽ፤ እስራኤል ድማ 60 መራኸብ ከም ዘለዋ ጸብጻባት ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት ስትራቴጂያዊ መጽናዕቲታት የመልክቱ።

ሳይበራዊ መጥቃዕቲታት
ኣብ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ክሳራ እስራኤል ካብ ናይ ኢራን ንላዕሊ እዩ።
ስርዓተ ምክልኻል ኢራን ካብ ናይ እስራኤል ትሑት ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብኤሌክትሮኒያዊ ኣገባብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ እስራኤል ዝያዳ ክሳራ ክህልዎ ይኽእል።
ዳይረክቶሬት ሳይበር መንግስቲ እስራኤል፡ “ጻዕቂ መጥቃዕቲ ሳይበር ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ልዑል’ዩ፤ ብውሑዱ ሰለስተ ዕጽፊ’ዩ፤ እዚ መጥቃዕቲ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽላት እስራኤል ዝፍጸም እዩ። ኣብ እዋን ኲናት ድማ፡ ኣብ መንጐ ኢራንን ሕዝቦላህን ዘሎ ምትሕብባር እናወሰኸ መጺኡ’ዩ” ይብል።
ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 3,380 ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ይሕብር።
ሓላፊ ውድብ ሲቪላዊ ምክልኻል ኢራን ብርጋዴር ጀነራል ጎላምረዛ ጃላሊ፡ ኢራን ኣብቲ ቅድሚ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መረጻ ባይቶ ኣብ ዝነበረ ወርሒ ኣስታት 200 መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዘፍሸለት ገሊጹ።
ኣብ ታሕሳስ ሚኒስተር ነዳዲ ኢራን ጃቫድ ኦውጂ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ምስንኻል ከም ዘስዓበ ገሊጹ ነይሩ።
ስግኣት ኒዩክለስ
እስራኤል ናይ ገዛእ ርእሳ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ይግመት፤ እንተዀነ ኰነ ኢልካ ናይ ምድንጋር ፖሊሲ እያ እተዘውትር።
ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣለዋ ተባሂሉ ኣይሕሰብን፤ ብኣንጻር እቲ ዝቐርበላ ክስታት ሲቪላዊ ኒዩክለሳዊ መደብ ንኒዩክለሳዊ ዕጥቂ ክትውንን ትሰርሕ ኣላ ዝብሉ ክስታት ትነጽጐም።
ኢራን ካብ እስራኤል ኣዝያ ዝዓበየት ሃገር ኰይና ብዝሒ ህዝባ ኣስታት 89 ሚልዮን ይበጽሕ፤ እዚ ድማ ኣስታት ዓሰርተ ዕጽፊ እስራኤል እዩ። ብዝሒ ህዝቢ እስራኤል 10 ሚልዮን ይግመት።
ብተወሳኺ ካብ እስራኤል ኣስታት ሽዱሽተ ዕጽፊ ዝዀኑ ወተሃደራት ኣለዉዋ።
ኣብ ኢራን 600 ሽሕ ከም ወተሃደራት ኰይኖም ዘገልግሉ ሓይልታት ክህልውዋ እንከለው፡ እስራኤል 170 ሽሕ ጥራይ ከም ዘለውዋ ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት ስትራቴጂያዊ መጽናዕቲታት ይሕብር።
'ካርድ ኢራን'
ክኢላ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ ጣሪቕ ሱሌማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ኲናት ዝያዳ ክጋደድ ተኽእሎ ከም ዘየለ ይኣምን።
ኣብ ባይቶን ካቢነ ሚኒስተራትን እስራኤል ግን ኲናት ዝደልዩ ደገፍቲ ኲናት ከም ዘለዉ የጠንቅቕ።
እዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ስጕምቲ ንኽወስድ ጸቕጢ ክገብር ይኽእል።
“ነታንያሁ፡ ንነብሱ ብመዳይ ፖለቲካዊ ተነቃፊ ኰይኑ ኣብ ዝረኽበሉ እዋን፡ ብኡንብኡ ካርድ ኢራን እዩ ዝጥቀም።”
ዩኒቨርሲቲ እብራይስጥ እስራኤል ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ህዝቢ እስራኤል፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ እስራኤል ምስ መሓዙት ሃገራት ንዘለዋ ጸጥታዊ ምሕዝነት ዝጐድእ እንተዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ከም ዝቃወም ኣረጋጊጹ።
መግለጺ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ መጽናዕቲ ብ14ን 15ን ሚያዝያ ብኢንተርነትን ብተሌፎንን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ንኣይሁድን ዓረብን እስራኤላውያን ካብ ዝውክሉ 1466 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝተወሰደ ገሊጹ።
ናይ ‘ውክልና ኲናት’ እስራኤልን ኢራንን
እስራኤልን ኢራንን ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ኲናት እኳ እንተዘይኣካየዳ፡ ክልቲአን ሃገራት ግን ኣብ ዘይወግዓዊ ጐንጺታት ተጸሚደን ጸኒሐን እየን።
ኣብ ውሽጢ ኢራንን ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኣገደስቲ ኢራናውያን፡ ብሰፊሑ እስራኤል ኣብ ዝተነቐፈትሎም መጥቃዕቲታት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኢራን ድማ ብወከልታ ኣቢላ ንእስራኤል ዒላማ ትገብር።
ዕጡቕ ጕጅለታት ሕዝቡላህ፡ እቲ ዝዓበየ ተቓላሲ እቲ ኢራን ካብ ሊባኖስ ኣንጻር እስራኤል እተካይዶ ዘላ ናይ ውክልና ኲናት እዩ። ኢራን ንሕዝቦላህ ከም እትድግፍ ኣይትክሕድን።
ኣብ ቓዛ ንሓማስ እትገብሮ ደገፍ እውን ተመሳሳሊ እዩ።
ሓማስ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ወሽመጥ ቓዛ ናብ ግዝኣታት እስራኤል ሮኬታት ክትኩስ ጸኒሑ’ዩ።
እስራኤልን ምዕራባውያን ሃገራትንን ኢራን ንሓማስ ኣጽዋር፡ ተተኰስትን ስልጠናን ከም እትህብ ይኣምኑ።
ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ ከም ካልእ ወኪል ኢራን ኰይኖም ብሰፊሑ ይረኣዩ። ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ሑቲ ዝተተኮሰላ ሚሳይላት ኣብ ኢራን ከም ዝተሰርሑ ትገልጽ።
ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት ኣብ ዒራቕን ሶርያን እውን ርኡይ ስልጣን ኣለዎም። ኢራን ንመንግስቲ ሶርያ ትድግፍ፤ መሬት ሶርያ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከም እትጥቀመሉ ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







