እስልምና፡ ዒድ ኣል-ፈጥር ዝኽበረሉ መዓልቲ ስለምንታይ የደናግር?

መስጊድን ወርሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንሰዓብቲ እስልምና፡ ሮሞዳን ቅዱስቲ ወርሒ እያ።

ሮመዳን፡ ናይ ዓረብ ቃል ኰይኑ መጸውዒ ናይታ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ሃይማኖት እስልምና ዘላ ታሸዐይቲ ወርሒ የመልክት።

ንሰዓብቲ እስልምና፡ ሮሞዳን ምስ ስድራቤትናን ፈተውትናን ኰይና መንፈሳዊ ኣስተንትኖ፡ ጸሎትን ሰናይ ተግባራትን እንፍጽመሉ እዋን እዩ።

ናይ ጾምን ጸሎትን ወርሒ ዝዀነ ረመዳን ክውዳእ እንከሎ ድማ ዒድ ኣል-ፈጥር ይኽበር።

ኣብ መወዳእታ እዛ ወርሒ ዝኽበር እዚ ሃይማኖታዊ በዓል ምዝዛም ሮሞዳን ዘመልክት ጽምብል ጥራይ ኣይኰነን።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ምሉእ ሮሞዳን ንዝተወሃበና ሓገዝን ሓይልን ንኣላህ እነመስግነሉ ዕለት እዩ።

ምስ ስድራቤታትና ብሉጽ ክዳውንትና ተኸዲንና ንድግስ፡ ብልዑል ሓጐስ ድማ እንጽብለሉ ዓቢ ዓለማዊ ፍጻመ እዩ።

ይዅን’ምበር ዒድ ኣልፈጥር ብልክዕ መዓስ ከምዝኽበር ምፍላጥ ብዘገርም መልክዑ ዝተሓላለኸ እዩ።

ሓይሊ ወርሒ

መወዳእታ ሮሞዳን ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ካብቶም 1.9 ቢልዮን ዝዀኑ ኣስላም’ዛ ዓለም፡ እቲ ድግስ ንምጅማር ግዜኡ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ኣብ ንጹር ሰማይ ክንርእይ ንትስፎ።

ልክዕ ከምቲ ሮመዳን ክጅመር እንከሎ ዘሎ ስርዓት፡ ዒድ ንክብዓል'ውን መጀመርታ ሓዳስ ወርሒ ክትርአ ኣለዋ።

ዓውደ-ኣዋርሕ [ካላንደር] እስላም፡ ሉናር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣቈጻጽራ 12 ኣዋርሕ ዝኽተል ኰይኑ፡ ታሽዐይቲ ወርሒ ሮመዳን እያ።

መእተዊት ናይታ ዓሽረይቲ ወርሒ [ሸዋል] ከኣ ዒድ ይብዓለላ።

ዓመት መጸ፡ ኣብ ኣቆጻጽራ ወርሒ ኣብ ዘለዋ ነፍሲ ወከፍ ኣዋርሕ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣቈጻጽራ ጸሓይ ዝነበረ ኣስታት 11 መዓልታት ኣቐዲሙ ይፍጸም።

ኣቈጻጽራ ወርሒ ምኽታል ንኣስላም ኣዝዩ ትርጕም ኣለዎ፤ ሰባት ሮሞዳን ብኸመይ ከምዘብዕሉ ዝጸልው እዩ።

ኣስላም ኣብ እዋን ሮሞዳን ንጸውም፤ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ ጸሓይ ካብ መግብን መስተን ንቑጠብ።

እስላማዊ ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ውሱን ወቕትታት ዘለዎ ኣቆጻጽራ ጸሓይ ዝተመርኮሰ እንተዝኸውን፡ ኣብ ዝተወሰኑ ክፋላት ዓለም ሮሞዳን ኣብ ሓጋይ’ዩ ክኸውን ነይሩ፤ ነዊሕ ብርሃን መዓልቲ ስለዝህሉ ድማ ሰባት ዝያዳ ነዊሕ ክጾሙ ይነብሮም። ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ድማ ኣብ ክረምቲ ምዀነ፡ ሓጸርቲ ብርሃን መዓልቲ እውን ምነበሮ።

ኣቆጻጽራ ወርሒ ብምኽታል ነፍሲ ወከፍ ኣስላማይ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 33 ዓመት ዕድመና ኣብ ዝተፈላለዩ (ዝነውሐ ወይ ዝሓጸረ ግዜ መዓልታዊ ጾም ዘለዎም) ወቕትታት ኢና ንጸውም።

ምድንጋራት

በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ኣብ ዓስራይ ወርሒ ሸዋል ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ይበዓል፤ ኣብ እስልምና ግን እዚ ብሓቂ መዓስ ከምዝኸውን ዘካትዕ እዩ።

ገሊኦም ዝተቐመጠ ኣቆጻጽራ ወርሒ ክኽተሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ትዕዝብቲ ስነ-ከዋኽብቲ ተጠቒሞም ሓዳስ ወርሒ እትራአየሉ ዕለት ይውጁ። መብዛሕትኦም ኣስላም ሓድሽ ወርሒ ዝጅምሩ፡ ብጭቡጥ ኣብ ሰማይ ወርሒ ቅርጺ ማዕጺድ ዘለዋ ወርሒ ምስ ተራእየት ጥራይ እዩ።

እዚ ብተለምዶ ብሰበስልጣን እስላም ዝፍጸም እምበር ውልቀሰባት ባዕሎም ሰማይ ጠሚቶም ዝውስንዎ ኣይኰነን።

ሎሚ ዓመት ዒድ መዓስ’ዩ ዝኽበር?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነቶም ኣብ ተርእዮ ወርሒ መሰረት ገይሮም ዒድ ዝኽበረሉ መዓልቲ ዝውስኑ፡ ከከም ዝርከብዎ ቦታ ዝፈላለ ኰይኑ፡ ወርሒ ሰኑይ ምሸት እንተተራእያ ሰሉስ 9 ሚያዝያ እንተዘይኰይኑ ግን፡ ረቡዕ 10 ሚያዝያ ክጅምር ተባሂሉ እዩ ተገሚቱ ነይሩ።

ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ክሳዕ ቅድሚ ዒድ እትርከብ ለይቲ ምጽባይ የድሊ።ምኽንያቱ ኣዋርሕ ኣቆጻጽራ ወርሒ 29 ወይ 30 መዓልታት ክህልወን ይኽእሉ እዩ፤ እዚ ድማ ከከምቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ እትርአ ቅርጺ ማዕጺድ ዘለዋ ወርሒ መዓስ ከምትርአ መሰረት ዝገበረ እዩ ዝኸውን።

ኣብ መበል 29 መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ወርሒ፡ እቶም ወሰንቲ ኣካላት፡ ኣብ ዓለም ኣብ ዝሃለዉሉ ቦታ ኰይኖም ጸሓይ ምስ ዓረበት ኣብ ሰማየ ሰማያት ወርሒ ምድላይ ይጅምሩ።

ሓዳስ ወርሒ እንተረኣዩ ንጽባሒቱ ዒድ ይኽበር፤ እንተዘይኰይኑ ግን 30 መዓልቲ ወርሒ ንምምላእ ሓንቲ ተወሳኺ መዓልቲ ምጽዋም የድሊ።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ኤች ኤም ኖቲካል ኣልማናክ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓዳስ ወርሒ ካብ ሰሉስ 9 ሚያዝያ ጀሚሩ 'ብቐሊሉ ክትረአ' ትጽቢት ነይሩ፤እዚ ማለት ድማ ንጽባሒቱ ማለት ረቡዕ 10 ሚያዝያ ዒድ ይኽበር እዩ። ኰይኑ ግን ሰኑይ ምሸት ስለዘይተራእየት፤ ኣመንቲ 30 መዓልታት ጸይሞም ረቡዕ ዖኢድ ከብዕሉ እዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዒድ ኣብ ሓደ መዓልቲ ተኸቢሩ ኣይፈልጥን፤ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ እዩ ዝኽበር።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣውቃፍ እስላማዊ ጉዳያት ነዚ ዝምልከት መገለጺ ይህቡ።

ንኣብነት ኣብ ኤርትራ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሸዋል 1445 ህጅሪያ/2024 ዓ/ም ሎሚ [ሰሉስ] ምሸት ስለዘይተረጋገጸ፡ ጽባሕ ሰሉስ 9 ሚያዝያ ዛዛሚት ወርሒ ሮሞዳን ተቘጺራ፡ ዒድ ኣልፈጥር ረቡዕ 10 ሚያዝያ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ።

ኣብታ ኣብዝሓ ሱኒ ኣስላም ዝርከቡላ ስዑዲ ዓረብ፡ ሰበስልጣን ምጅማርን ምዝዛምን ሮሞዳን ዘፍልጡ ኣብ ምስክርነት ናይቶም ንወርሒ ዝዕዘቡ ኣባላት ህዝቢ ተመርኲሶም እዮም።

ድሕሪኡ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ኣስላም እውን ይስዕቡ።

እታ ዝበዝሑ ሺዓ ኣስላም ዘለዋ ኢራን ግን፡ ኣብ ተርእዮ ወርሒ ዝምርኰስ ኣዋጅ መንግስቲ እያ ትኽተል።

ዝበዝሑ ሺዓ ኣስላምን ውሑዳት ሱኒን ዘለዋ ዒራቕ ድማ፡ ክልቲኡ ኣገባብ ትጥቀም፤ እቶም ሺዓ ነቲ ጽልዋ ዘለዎ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኣል ሲስታኒ ዝሃቦ ኣዋጅ ይኽተሉ፤ ውሑዳት ሱኒ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝብልዎ እዮም ዝስዕቡ።

ብወግዒ ዓለማዊት ሃገር ዝዀነት ቱርኪ ብወገና፡ ምጅማርን ምዝዛምን ሮሞዳን ንምውሳን ስነ-ፍልጠታዊ ቅማረ ትጥቀም።

ኣብ ኣውሮጳ ድማ፡ መብዛሕትኦም ኣስላም ካብ መራሕቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበረሰባት ዝወሃብ መግለጺ ይጽበዩ - እዚ ግን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣስላም ኣብ ዝህሉ ተርእዮ ወርሒ ዝምርኮስ እዩ።