ኣብ ኲናት ተቐርቒሮም ዘለዉ ሱዳናውያን ንዒድ ከመይ ኣሕለፍዎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ሱዳን፡ ትማሊ ዝወዓለ ዒድ ኣልኣድሓ ንምብዓል ክልተኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝገብሩ’ኳ እንተገለጹ፡ ሱዳናውያን ኣመንቲ ምስልምና እቲ በዓል ብተዅሲ ብረትን ደብዳብ ነፈርትን ተሰንዩ ከምዝተብዓለን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ካርቱም፡ ኣብታ ከተማ ኣብ መዓልቲ ዒድ [ትማሊ] ድምጺ ከበድቲ ብረታትን ደብዳብ ኣየርን ከምዝነበረ ሓቢሮም።
ነባሪት ካርቱም ዝዀነት ዛህራ ስዒድ፡ “እቲ መዓልቲ ዒድ ኰይኑ ኣይስምዓካን’ዩ” ድሕሪ ምባላ “ጐደናታት ጭውጭው ኢሎም ነበርቲ ብፍርሒ ተጐቢኦም’ዮም ውዒሎም” ትብል።
“ትማሊ ብሰንኪ ዝነበረ ብርቱዕ ተዅሲ ክድቅስ ኣይክኣልኩን” ትውስኽ ዛህራ።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቡ ነባሪ ካርቱም ዝዀነ ወዲ 22 ዓመት ዋላ ኢብራሂም፡ ኣመንቲ ብሰንኪ ፍርሒ እቲ ብልሙድ ኣብ መዓልቲ ዒድ ኣብ ደገ ዝግበር ስነስርዓት ሰላት - ስግዳን - ከካይዱ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።
ተምሃራይ ሕክምና ዝነበረ ዋላ ኢብራሂም፡ “ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ’የ ኣብ እዋን ዒድ ኣብ ደገ ጸሎት ክገብር ዘይክኣልኩ” ኢሉ።
“ምሉእ መዓልቲ’ዩ ደብዳብ ነፈርቲ ክካየድ ውዒሉ፡ እዞም ተዋጋእቲ ክብሪ ናይ ሰብን ክብሪ ናይዚ በዓልን የብሎምን፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ኣብ መንጐ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝምርሑ ሰራዊት ዝጀመረ ኲናት ሱዳን 10 ሳምንታት ኣቝጺሩ ይርከብ።
ኣብዚ ውሽጢ 10 ሳምንታት ልዕሊ ፍርቒ ሚልዮን ካብታ ሃገር ከምዝተሰደዱን ኣስታት 2.2 ሚልዮን ሱዳናውያን ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ ነይሩ።
ብሰንኪ እዚ ኲናት ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ብልክዕ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ’ኳ ኣንተዀነ ሰለማውያን ሰባት ዝርከብዎም ልዕሊ 1000 ሰባት ከምዝሞቱ’ዩ ዝግመት።
ብሰንኪ እዚ ኲናት ቀረባት ስለዝነከየን ባንክታት ይሰርሓ ስለዘየለዋን ሰባት ኣብ ኢዶም ዝነበረ ሰልዲ ስለዘወድእዎን፡ ብዙሓት ንዒድ ንምኽባር ከምዝተሸገሩ’ዮም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ከም ልሙድ ኣብ እዋን ዒድ ኣልኣድሓ፡ እቲ ዘለዎ ጤል ወይ በጊዕ ንመስዋእቲ ብምሕራድ፡ ምስ ስድራ፡ ኣዕሩኽን ስኡናትን ተኻፊሉ ዝበልዓሉ ሃይማኖታዊ በዓል’ዩ። ትርጒም ዒድ ኣልኣድሓ’ውን ‘ፈስቲቫል መስዋእቲ’ ማለት’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/ZEINAB MOHAMMED SALIH
መሓመድ ዓቦድ ስሌማን ካብ ምዕራብ ኮርዶፋን ጥሪት ናብ ካርቱም እናምጽአ ዝሸይጥ ዝነበረ ነጋዳይ’ዩ።
“ዒድ ክኸውን እንከሎ በጊዕ ንሓርድ ነይርና፣ ናይ ሕጂ ዒድ ግን ብሰንኪ እዚ ኲናት ኣብ ኢድና ዝነበረ ሰልዲ ስለዝወዳእናዮን፡ ዝሰራሕናዮ ስለዘይተኸፈልናን በጊዕ ትኹን ጤል ክንገዝእን ክንሓርድን ኣይክኣልናን” ይብል።
እቲ ኣብ እዋን ዒድ ዝቐርብ ምቁር ነገራት’ውን [ብሽኮቲ፡ ምቍር ሕብስቲ፡ ከረሜላታት] ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ ኣይኮነን።
ኣብ ኡምዱርማን ዝነበረ ምቁር ነገራት ዘፍሪ ዓቢ ፋብሪካ ንብረቱ ተሰሪቍ በረምረም’ዩ ኢሉ ዘሎ።
ሓደ ነባሪ ኡምዱርማን ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ “ክልተ ኣብዚ ዝነበራ እንዳ ፈርኖ ተሰሪቐን፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዋና ናይታ ሓንቲ እንዳ ፈርኖ’ውን ተቐቲሉ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ እዘን ክልተ እንዳ ፎርኖ ንምሉእ ጠለብ ኡምዱርማን የማልኣ ከምዝነበራ ሓቢሩ።
“ኣባይቲ ግዳያት ዝምታን ስርቅን’ዩ ኰይኑ ዘሎ፡ እዚ ኵነታት መዓልታዊ’ዩ እናብኣሰ ዝኸይድ ዘሎ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







