ቅልውላው ሱዳን፡ ሓይልታት ጀነራል ዳጋሎ ኣብ ጐደናታት ካርቱም ልዕላዋይ ኢድ ሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ሃገር ንክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዝቐጸለ ኲናት፡ ኣጋር ቦጦሎኒታት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጐደናታት ካርቱም ዳርጋ ኣይተራእዩን።
መብዛሕትኡ ክፋል እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ተነሓናሒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ (RSF) ኰይኑ ጸኒሑ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ ሰራዊት ብኣስታት 200 ሽሕ ወተሃደራት ዝቘመ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብግምት ዕጽፊ ናይቲ ሚሊሻ ምዃኑ እዩ።
ኣባላት እቲ ንኡስ ሰራዊት ኣብ ጐደናታት ካርቱም፡ ከምኡ'ውን ኣብተን ኣብ ስግር ሩባ ናይል [ኒል] ዝርከባ ክልተ ከተማታት - ባሕሪን ኡምዱርማንን ብዝሒ ይርአ ኣሎ።
ተዋጋእቲ እቶም ሚሊሻታት፡ ኣብ መጀመርታ ብዕጡቓት ፒክኣፕ መካይኖም ኣብተን ሰለስተ ከተማታት ይዘውሩ'ኳ እንተነበሩ፡ ሕጂ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ሲቪላዊ መካይን ይጥቀሙ ኣለዉ።
ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እቶም ሚልሻታት መካይኖም ካብ ገዛኦም ይሰርቁ ከምዘለዉ የንጸርጽሩ ኣለዉ። እቲ ሚሊሻ ብመጥቃዕቲ ኣየር ንኸይውቃዕ ይጥቀመሎም ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ።
ሰራዊት እታ ሃገር፡ ነቲ ሚሊሻ ንምድኻም ብቐጻሊ ብነፈርቲ መጥቃዕቲታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ፤ እቲ ዝዓበየ ሓይሉ እዚ ስለ ዝዀነ።
በቶም መጥቃዕቲታት ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ እኳ እንተተኣመነ፡ ኣብ ካርቱም፡ ባሕሪን ኡምዱርማንን ግን ነቶም ንኡሳን ወተሃደራት ንኸይግስግሱ ኣይዓገቱን።
ተዋጋእቲ ሰራዊት እቲ ሚሊሻ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ከቢድ መጥቃዕቲ ብምግባር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንሓደ ካብ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ማእከል ዝዀነ፡ ኣል-ያርሙክ ተቘጻጺሮም።
እቲ ዓቢ ማእከል፡ ኣጽዋር ዝፈርየሉን ዝኽዘነሉን እዩ።
ኣብቲ ህንጻ ንመዓልታት ባርዕ ሓዊ ዝተልዓለ ዀይኑ፡ እቲ ሚሊሻ ከም ዝተቘጻጸሮ ኣዊጁ ኣሎ።
እዚ ድማ ብነበርቲ እቲ ከባቢ ተረጋጊጹ እዩ። እቲ ሰራዊት ግን እቲ ማእከል ከምዝተመንጠለ ኣይተኣመነን።
ብድሕሪኡ ጸረ መጥቃዕቲ ፈቲኑ።
ውዒሉ ሓዲሩ ድማ፡ ንሓጺር እዋን ነቲ ኣብ ኡምዱርማን ንዝነበሩ ተዋጋእቲ ሚሊሻ፡ ምስቶም ኣብ ካርቱምን ባሕሪን ዝነበሩ ዘራኽብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድልድል ጥራይ ክቈጻጸር ክኢሉ።
እቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብተን ሰለስተ ከተማታትን ከባቢኣን ንዝርከቡ ካልኦት ወሰንቲ ቦታታት እውን ይቈጻጸር ኣሎ፡ ንሳቶም ድማ፤
- ነቲ ቀንዲ ነቝጣ ነዳዲ መዕርፎ ነፈርቲ፡ እቶም ንኡሳን ወተሃደራት ናብ መደበሮም ቀይሮምዎ
- ዋና ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ፡ ዋላ’ኳ ሰራዊት ካብ ካልእ ቦታታት ብምፍናው ነታ መደበር ተሌቪዥን ክቈጻጸራ እንተኸኣለ፡ ንማዕበል ኣየር ራድዮኡ ንኡስ ወተሃደራዊ ክፍሊ
- ዓቢ ክፋል እቲ ፕረዚደንታዊ ቀጽሪ፡ ከምኡ'ውን
- መብዛሕትኡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተቘጻጺሩ።
ዋና ቤት ጽሕፈት ትካል ስለያ’ውን ኣብ መጀመርታ ናይቲ ግጭት ብሰራዊት እቲ ሚሊሻ ከምዝተታሕዘ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን መን ይቈጻጸሮ ከምዘሎ ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ንውሑዳት ቁልፊ ቦታታት ከም ዝሓዘ ይፍለጥ፣ እቶም ኣገደስቲ ካብኣቶም ዋና ቤት ጽሕፈቱን ኣብ 'ወዲ ስዒደና' ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየርን ኰይኑ፡ ነፋርቲ ውግእ ነቲ ሚሊሻ ንምህራም ዝበራሉ እዩ።
እቶም ንኡሳን ወተሃደራት ነቲ ክልቲኡ ቦታታት ንኸይሕዝዎ ነዊሕን ዓሚቝን ድፋዕ ኰዒቶም ኣለዉ።
"እቲ ንዓና ንምጥቃዕ ዝገብርዎ ፈተነ ሕጂ ዝዀነ ውጽኢት የብሉን። እቲ ዝትኩስዎ ቦምብታት ኣብ ኣግራብ ይወድቕ፡ ወይ ድማ ኣብ ከበቢና ኣብ ዝዓልበሉ እዋን ይዝሕል" ይብል ሓደ መኮነን።
ታሪኽ ዓሌትነት ኣብ ሱዳን
ካብተን ኣብ ሓደ እዋን ሰላም ዝነበራ ከተማታት ኣስታት 10 ሚልዮን ካብ ዝነበሩ ነበርቲ፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣባይቶም፡ ድኳናቶምን ኣብያተ ጽሕፈቶምን ገዲፎም ሃዲሞም ኣለዉ።
ገሊአን ብቦምባታት ተደብዲበን፡ ገሊአን ድማ ተታሒዘንን ተዘሚተንን፤ ካብቶም ብንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተዘመቱ፡ መዝሐሊ ኣየርን ኣቝሑት ገዛን ይርከብዎም።
ንገሊኦም፡ ሱዳን ዝሰልጠነ ሰራዊት ዘለዋ ዲሞክራስያዊት ሃገር ስለዘይኮነት፡ ቦጦሎኒታት ኣጋር ሰራዊት ርኡይ መኽሰብ ዓውደ ውግእ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ዘገርም ኣይኮነን።
እቲ ሰራዊት - ከም ካልኦት ብዙሓት ጽላታት ሕብረተሰብ ሱዳን - ክሳብ ሕጂ ብታሪኽ ዓሌትነትን ባርነትን መግዛእትን ሱዳን ተሓናፊጹ ይርከብ።
እቲ ሰራዊት ካብ ዝቐውም፡ ልዕሊ ክልተ ዘመን ዘቝጸረ ኰይኑ፡ ኦቶማንን ግብጻውያንን ሰራዊት ባሮት ኣብ ዝመስረቱሉ እዋን እዩ።
ካብ መብዛሕትኦም ድኻታት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ማሕበረሰባት ዝግበር ምልመላ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ቀጺሉ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ከምኡ ኰይኑ ጸኒሑ። ገለ ካብቶም ወተሃደራት ዘርኢ ባሮት እዮም።
ኣብ ትሕቲ እቲ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ምሕደራ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ወተሃደራዊ ኮለጅ ሱዳን ሳሕቲ እዮም ተቐባልነት ዝረኽቡ ነይሮም።
ኣመልከትቲ ብሄሮም ክጠቕሱ ይግደዱ ነይሮም።
ከም ውጽኢቱ ድማ ውሑዳት ጥራይ እዮም ናብ ላዕለዎት ጽፍሒ ደይቦም፤ እቲ ሰራዊት ብዓቢኡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጀነራላት ካብቶም ምስ ግብጺ ዝዳወብ ምሁራት ዓረብን ኑብያን እዩ።
ወተሃደራት ኣብ ወርሒ ካብ 11 ዶላር ክሳብ 16 ዶላር ጥራይ ይኽፈሎም። እዚ ድማ ብኣንጻር ናይቶም 80% ቁጠባ ብምቍጽጻር፡ ኩባንያታትን ፋብሪካታትን ብምቛም ንነብሶም ዘሀብትሙ ጀነራላት ምዃኑ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ይገልጽ።
ብሰንኪ ትሑት ደሞዞም፡ ገለ ወተሃደራት ክሳብ ናብቶም ሚሊሻ ከም ዝጽንበሩ እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ የመን ዝነበረ ጥምረት ስዑዲ-ኢማራት ዝወፈረ ሓይሊ ተሰሊፎም ነይሮም።
ኣዛዚ ሰራዊት እቲ ሚሊሻ መሓመድ ሓምዳን "ሕሜቲ" ዳጋሎ፡ ሓይልታቱ ኣብ 2017 ዕደና ወርቂ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ዶብ ቻድን ሊብያን ምስ ተቘጻጸሩ፡ ዓቢ ነጋዳይ ወርቂ ኰይኑ።
እቲ ካብ ንግዲ ወርቂ ዝረኽቦ ገንዘብ ናብ ምሕያል ስሩዕ ሓይልታት ክቐንዕ ይግባእ ብምባል፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ጉዳይ ኣይፈተዎን። ኣልበሽር ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ሚሊሻ እምነት ስለ ዝነበሮ፡ ንዳጋሎ፡ ሕሜቲ ዝብል ሳጓ ሂብዎ፤ ትርጕሙ ድማ "ሓላዊየይ" ማለት እዩ።
ኣብ ከባቢ ካርቱም መዓስከራት ታዕሊም ተተኺሉ። ኣማኢት ላንድክሩዘር፡ ፒክኣፕ መካይን ካብ ወጻኢ ኣትየን መዳፍዕ ተገጢሙለን።
እቲ ሚሊሻ ካብ 80,000 ክሳብ 100,000 ዝግመቱ ወተሃደራትን ልዕሊ 10,000 ዕጡቓት ፒክ-ኣፕ መካይንን ሒዙ፡ ዳርጋ ኣጋር ሰራዊት ሱዳን ኰይኑ።
ካብ ዳርፉር ዝመጹ ዓረብ ዓንዲ ሕቖ እቲ ሚሊሻ እዮም። ኣብ 2000ታት ንዕጡቓት ተቓወምቲ ዳርፉር ንምምካት ኣብ ምሕጋዝ ዓቢ ተራ ዝነበሮም ኰይኖም፡ ሕጂ ስልጣን ምሓዝ ተራኦም ምዃኑ ዝኣምኑ ይመስሉ።
ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሓይሊ ወሃቢ ደጋፍ፡ ብዙሓት "ቦጦሎኒታቱ" ብኣባላት ሓደ ዓሌት ወይ ብሄር ዝቘማ ብምዃነን፡ ነንሕድሕደን ንምክልኻል ሓሪነን ይቃለሳ።
ብኣንጻሩ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን፡ ንነባራት ህዝባዊ ሚሊሻ ጥረተኛታት መኮንናትን ወተሃደራትን ክምልምሉ ክጽውዕ ተገዲዱ ኣሎ።
እቲ ዘቕረቦ ጻውዒት ንብዙሓት ሱዳናውያን ላግጺ እዩ፤ ከም ተወሳኺ መርትዖ ድማ ንድኽመታት ሰራዊት ርእዮምዎ እዮም።
እቲ ክውንነት ግን ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ክንዲ ባዕሉ ኲናት ዘካይድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ሚሊሻታት ዝምርኮስ ምንባሩ እዩ።
እዚ ድማ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ፡ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ናጽነታ ምስ ረኸበት ዝተዛዘመ ኲናት ሓድሕድ፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዳርፉር፡ ሚሊሻታት ዓረብ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተኸሰሱሉን ይጥቀሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







