ውግእ ሱዳን፡ ዛንታታት ውጻእ-መዓት ካብ ከተማታት ባሕሪን ካርቱምን

ግዳያት ካብ ቅልውወላው ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ድምጺ እታ ጓል ኣንስተይቲ ዶክተር ይንቅጥቀጥ ነይሩ። ብቍጽሪ ሞባይል ቢቢሲ ዓረብኛ ብዋትስኣፕ ኣቢላ እያ መልእኽቲ ገዲፋ።

እቲ ፍሉይ መደብ ራድዮ ‘ሊ ሱዳን ሳላም’ ዝብል፡ "ሰላምታ ንሱዳን" ከምኡ'ውን "ሰላም ንሱዳን" ዝብል ክልተ ትርጕማት ኣለውዎ።

ኣብ መንጐ ስሩዕ ሰራዊትን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ብ15 ሚያዝያ ግጭት ድሕሪ ምልዓሉ እዩ ተጀሚሩ።

ኣብ መላእ ሃገር ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድማ ካብ ገዛኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

እቲ መደብ ራድዮ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘይውሑስ ኵነታት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ይዕመጻ ከምዘለዋ ዝገልጽ ብዙሕ መልእኽትታት በጺሑዎ ኣሎ።

ብልክዕ ቍጽሪ ግዳያት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ግዳያት ከይተዛረባ ተሪፈን ክዀና ከምዝኽእላ ሓካይም ይሰግኡ።

"ምስ ሰለስተ ዝተዓመጻ ደቂ ኣንስትዮ ክንዛረብ ክኢልና ኣለና፡ ሕክምና ድማ ክንገብረለን ንጽዕር ኣለና። እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ክንበጽሐን ዘይከኣልና ካልኦት ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ" ትብል እታ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ውሑዳት ሆስፒታላት እትሰርሕ ሓኪም።

ባሕሪ፡ ካብተን ‘ዓባይ ካርቱም’ ዝብል ግዝኣት ዘቘማ ሰለስተ ከተማታት ሓንቲ እያ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብኡ ኮፍ ኢልና ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይከኣልናን። ነዘን ግዳያት ናብ ክፍሊ ሕክምና ማህጸን ንምርመራ ክንልእከን ንፍትን ኣለና፣ ኣብ ባሕሪ ግን መድሃኒት ንምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።"

ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምምካት ዝሕግዝ መንግስታዊ ኣሃዱ እትመርሕ፡ ሳሊማ ኢስሃቕ፡ ዝበዝሑ ፍጻመታት ዓመጽ ኣብታ ገለ ካብቲ ዝኸፍአ ውግእ ዝካየደላ ባሕሪ ከምዝርአ ትዛረብ።

"ዕድመ እተን ናባና ዝመጻ ኣዋልድ ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት'ዩ" ትብል፡ ቀቢጸ ተስፋ ብዝተመልኦ ስምዒት።

"እቶም ዝበጻሕናዮም ጉዳያት ግን ካብቲ ጭቡጥ ቁጽሪ ኣዝዮም ዝተሓቱ እዮም። ካብቲ ዝፍጸም ዘሎ 2 ሚእታዊት ጥራይ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።"

መብዛሕትኡ መንግስታዊ መሓውር ኣብ ምፍራስ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ወ/ሮ ኢስሃቕ ዝከኣላ ትገብር ኣላ።

ንሳ ብመርበብ ግብረ ሰናይን ወለንተኛታትን ኣቢላ ንቐረብ ጥዕናውን ስነኣእምሮኣውን ደገፍ ንግዳያት ተወሃህድ፡ ብዙሓት ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝዀና ግን ምርካብ ኣይተኽኣለን።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ኵነታት ካርቱም ኣጸጋሚ'ዩ፤ ኵሉ ነገር ሕልፍሽፍሽ ኢሉ እዩ ዘሎ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ከመይ ጌርካ ጉዳያት መጥቃዕቲ ምሕባርን ሓገዝ ምርካብን ኣብ ዝምልከት ወፍሪ ንቕሓት ከነተኩር ንፍትን ኣለና" ትብል።

ኣብ እዋን ኲናት ተሓታትነትን ፍትሕን ምስፋን፡ በዳሂ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ይዕጾ፣ ቀጻሊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ውን ኣሎ።

ኣብ ካርቱም ካብ 88 ሆስፒታላት እተን ሽዱሽተ ጥራይ እየን ዝሰርሓ ዘለዋ።

ብዙሓት በቲ መደብ ራድዮ ዝመጽኡ መልእኽትታት፡ ብሕማም ኩሊት ዝሳቐዩ ሕሙማት፡ ስሩዕ ዳያሊሲስ ዘድልዮም ግን ከኣ ሕክምና ክረኽቡ ዘይክእሉ ዘሕዝን ኵነታት ዘጕልሑ እዮም።

"መድሃኒት ሕጂ ዳርጋ የለን። ንዝሓመመ ሓወይ ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን" ትብል ናጅላ።

"ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ኣብቲ ፋርማሲ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘለዎ ሰብ ተራኺበ፡ ንሱ ድማ ገለ ካብ መድሃኒቱ ሂቡኒ። ኣገዳሲ ሕክምና ንምሃብ ካብ ዝዀነ ምንጪ ሓገዝ የድልየና።"

ነቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነብሩ መዓልታዊ ሸቃሎ ድማ ልክዕ ከምኡ ሕማቕ እዩ።

"ቀደም ብቕሩብ ገንዘብ ኢና ነመሓድር ነይርና፤ ሕጂ ግን የለን። ዕድላት ስራሕ የለን። ቈልዑ ኣለዉኒ፡ ኣደይን ኣሕዋተይን'ውን ምሳይ ይነብሩ። ኵሉ ዘዋህለልክዎ ኣውጺአዮ" ይብል ሙባረክ።

ጐረባብቱ፡ እታ ዘላቶም ንእሽቶ ተኻፊሎም ከምዝበልዑን፡ መዓልታዊ ግን እናኸበደ ይኸይድ ከምዘሎን ይዛረብ።

ዋላ'ኳ እቲ ስንባደ እንተሃለወ፡ እዚ ኣብ ዝኸፍአ እዋን ዘሎ ስሚዒት ምትሕግጋዝ፡ ነታ ኣብቲ መደብ ራድዮ እትሰርሕ ጋንታ የነቓቕሕ ኣሎ።

"ኣብ ራድዮ ቢቢሲ ዓረብ ዘለዎም እምነት ተንኪፉኒ'ዩ" ይብል ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ናይቲ መደብ፡ ማይስ ባቒ።

"ዋላ'ኳ ንምርድዳእ ኣጸጋሚ እንተሃለወ፡ ብዙሓት ሱዳናውያን ብዛዕባ ህይወቶም ዝርዝር ሓበሬታ የካፍሉ፡ ምኽንያቱ ንሕና ክንሰምዖምን ዛንታታቶም ብቕንዕና ክንነግርን ምዃንና፡ እምነት ስለዘለዎም።"

ራድዮ ቢቢሲ ዓረብኛ ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት እኳ እንተተዓጸወ፡ እቲ ኲናት ምስተወልዐ ዝተወሰነ ኣገልግሎት ዳግማይ ተጀሚሩ። ‘ሊ ሱዳን ሳላም’ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ብሓጺር ማዕበል ዝመሓላለፍ ናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ኮይኑ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ እውን ይርከብ።