‘ቅልውላው ሱዳን ከም ዩክረይን ትኹረት ኣይተወሃቦን’

ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሱዳን፡ ኣብ ሱዳን ተዓጽዮም ዝርከቡ ብዙሓት ስድራቤቶም ካብታ ሃገር ንኽወጹ ዝገብርዎ ቃልሲ ይቕጽሉ ኣለዉ።
ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኣብ 15 ሚያዝያ ዝጀመረ ግጭት ናብ ቅልውላው ከም ዝኣተወትን ብዙሓት ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ከም ዝወጹን ይፍለጥ።
ብዙሓት ኣብ ግብጺ ይኹን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ሱዳናውያን ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ንነብሶም ይኹን ንስድራቤቶም ናብ ውሑስ ቦታ ከውጽኡ ኣይከኣሉን።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ "ካብ ዝዀነት ምዕራባዊ ሃገር ብዝዛይድ” ሰባት ካብ ሱዳን ናይ ምውጻእ ስርሒት ከም ዘካየደ ይገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ግጭት ክሳዕ ሕጂ ብውሕዱ 850 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ኣብቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ማሕበረሰብ 'ሱዳናውያን ኣብ ኦክስፎርድ'፡ ዝሰርሕ ናዛር ዩሲፍ፡ ኢሜል ኣካውንቱ ስድራቤቶም ካብ ሱዳን ከውጽኡ ካብ ዝደልዩ ልዕሊ 65 ውልቀ-ሰባት ብዝተለኣኸ መልእኽቲ ከም ዘዕለቕለቐ ይዛረብ።
ንሱ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ነቲ ቅልውላው ዝሃቦ ምላሽ "ቅቡል ኣይኰነን" ይብል።
"መንግስቲ ነቲ ኵነታት ይከታተሎ ከም ዘሎ ገሊጹ'ሎ፡ እንተዀነ ግን [እቲ ኵነታት] ምስ ኵነታት ዩክረይን ማዕረ ኣብ ዝረኣየሉ ደረጃ ዘሎ ኣይመስሎን” ብምባል ቪዛ በጻሕቲ ወይ ዝዀነ ህጹጽ ቪዛ ከም ዘይወሃቡ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናህላ ኣቡጉሰይሳ፡ ነታ ብጽኑዕ ዝሓመመት ኣዲኣ ክተድሕን ናብ ኣስዋን፡ ግብጺ ክትጓዓዝ ወሲና፤ እዚ መብዛሕትኦም ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝወጹሉ ቦታ’ዩ።
ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ብዶባት ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ቻድን ኣቢሎም ካብታ ሃገር ክወጹ ንኽፍትኑ ደሪኽዎም እዩ።
ሲቪላውያን ተጓዓዝቲ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምልሻ ዘለዉ ቀንዲ ጽርግያታት ኣይጥቀሙን።
ስለዚ እቲ ሽዱሽተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወስድ ዝነበረ ካብ ካርቱም ናብ ዶንጎላ ዝግበር ጉዕዞ ኣስታት 11 ይወስድ ኣሎ ማለት’ዩ።
ኣደ ናህላ፡ ብሰንኪ ኵነታት ጥዕናኣ ዳርጋ ክትዛረብ ወይ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን፤ እንተዀነ ግን ነዚ ጉዕዞ እዚ ክትጓዓዝ ግድን እዩ ነይሩ።
ናህላ ነታ 78 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣደ ዶብ ክተስግር ልዕሊ 5000 ፓውንድ ኣውጺኣ’ያ። ብድሕሪኡ፡ ኣነሊስ ዶድስ ዝተበሃለ ኣባል ባይቶ ኦክስፎርድ ኢስት ናይታ ኣደ ጉዳይ ኣጀንዳ ገይርዎ ኣሎ።
ንሱ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ "ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክርእዮ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኣለና" ብምባል "ኣብዚ በዳሂ ኵነታት ኣማራጺታት ክትገብር” ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, NAHLA ABUGUSSEISA
ኒያም ዓሊ፡ ወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ዩሲፍን በዓል ቤታ መሓመድ ያሲንን ኩሎም፡ ንህይወት ምድሓን ብቑዓት ኣይኰንኩምን ተባሂሎም ናብ ናይ ብሪጣንያ በረራ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም እዮም።
እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ምስተላዕለ፡ ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣንድሪው ሚቸል፡ መንግስቲ ዝከኣሎ ኩሉ ክሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።
ኒያምን ወዳ ዩሲፍን ፓስፖርት ብሪጣንያ ስለ ዘለዎም ሃዲሞም ኣብ ግብጺ ይርከቡ። በዓል ቤታ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሱዳን እዩ ዘሎ።
በዓልቲ ቤት ኣሕመድ ኣላምን ሰለስተ ደቁን፡ ብ14 መጋቢት ዝሓመመ ኣቦኣን ካልኦት ስድራቤታን ክጥይቑ ካብ ኦክስፎርድ ናብ ኣልቃዳሪፍ ተጓዒዞም።
ብድሕሪኡ ስድራቤት ኣሕመድ ኣላም ኣብ ሱዳን ተዓጽዮም። ኣሕመድ፡ ካብ ሓደ ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኤብስ ዝኰነ ጎረቤቱ ንበረራታት ዝኸውን 1800 ፓውንድ ክልቃሕ ተገዲዱ።
ሽዑ ስድራቤቱ ሰለስተ ግዜ ብኣውቶቡስ፡ ሓደ ግዜ ብነፋሪት ተጓዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ በጺሖም። ካብኡ ድማ ብካልእ ነፋሪት ናብ ካይሮ ኣትዮም።
ብድሕሪኡ ግን፡ እቲ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ክገበር ዝነበሮ በረራ ስለ ዘምለጦም ሓድሽ ትኬት ክገዝኡ ከም ዘለዎም ተነጊርዎም።
"ስድራይ ክምለሱ ጥራይ እየ ዝደሊ ግን ደገፍ ክረክብ ኣይከኣልኩን" ይብል ኣሕመድ።
እቲ ኣብ ካውሊ ኣብ ዝርከብ በርገር ኪንግ ዝሰርሕ ኣቦ፡ ኣብ ግብጺ ስድርኡ ናይ ዝነብርሉ ኣፓርታማ ክራይ ክኸፍል ጸኒሑ'ዩ።
"ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ደቅኻ ምሳኻ ከም ዘይነበሩ እሞ ሕሰብ። እንታይ ከም ዝበልዑ ኣይትፈልጥን፡ ከመይ ከም ዝድቅሱ ኣይትፈልጥን ... በቃ ክድቅስ ኣይከኣልኩን፡ ክሰርሕ ኣይከኣልኩን፡ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን።"
ኣብ መወዳእታ ኣሕመድ፡ ካብቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ብሪጣንያ ብዝረኸቦ ሓገዝ ነተን መዓልቲ በረራታት ቀይሩ ስድርኡ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ክገብር ክኢሉ እዩ፤ ግን ገና ዕዳኡ ክምልስ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, NIAM ALI
እስላም መሓመድ ካልእ ነባሪት ኦክስፎርድ እያ። ንሳ፡ ንሮሞዳን ናብ ሱዳን ዝተጓዓዘትን ኣብኡ ተዓጽያ ዘላን ኣዲኣ ንምውጻእ ዝዃነ ኣማራጺ ከም ዘይብላ’ያ ትገልጽ።
"መልሲ መንግስቲ እንግሊዝ፡ ንዜጋታቱ ከም ዘይሕግዝ ዝገልጽ’ዩ - ከምቲ ኣብ ዩክረይን ንዘሎ [ደገፍ] ብቑዓት ኣይኰኑን" ትብል።
"ገለ ካብቶም ዝፈልጦም ማሕበረሰባት፡ ሰራሕተኛታት ስድራቤታት ኰይኖም ንምኽፋል ተጸጊሞም ዝነብሩ እዮም፤ እቲ ገንዘብ ብቐሊሉ ክረኽብዎ ኣይኽእሉን።"
"ዓለምለኻዊ ጻውዒት ተሌፎን ከም ዕድልካ’ዩ - ሓደ ሓደ ግዜ ይሳኻዕ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣይሳኻዕን። ጥረ ገንዘብ ንምልኣኽ ድማ ኣይከኣልን፡ ገንዘብ ተወጽኣሎም ቦታታት ተዓጽዮም እዮም ወይ ብሚሊሻ ዝሕለዉ እዮም" ክትብል ዘሎ ጸገም ተብርህ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሱዳናውያን፡ ኣብ ፊት ንፊት ዳውኒንግ ስትሪት (ወግዓዊ መንበሪን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያን) ሰልፊ ተቓውሞ ብምክያድ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም።
ኣብ ኦክስፎርድ ኣደ መንበር ማሕበረሰብ ሱዳናውያን ሳህራ ኣሕመድ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ እቲ ማሕበረሰባ ዘስዕቦ ዘሎ ጽልዋ ከም ዘሻቕላ ትገልጽ።
"ሱዳን ከምተን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዝጸንሓ ዩክረይን ወይ ሶርያ ትኹረት ኣይተወሃባን። ናይ ገዛእ ርእሰይ ገዛ ተወሪሩ፡ ምልሻታት ይነብርሉ ኣለዉ። ናተይ ኵነታት ምስ ኣማኢትን ኣሽሓትን ካልኦት ሓደ'ዩ" ትብል።

ሃላ ኸይር እውን ካልእ ኣባል ናይቲ ማሕበረሰብ እያ።
ንሳ፡ "ኣብ ታሕሳስ 2018 ብዙሓት ሰባት ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ገለ ክትገብር ጸዊዖም ነይሮም። ግን ዝተገብረ ነገር የለን፡ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን። ከም ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ መጠን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ክትዋሳእ ዘለዋ ኰይኑ ይስምዓና፡ ከም መድሃኒትን መግብን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ከይተረፈ ክተቕርብ ኣለዋ" ትብል።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዋና ጸሓፊ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ዶክተር ሃሽሚ ሙኽታር፡ እቲ ትካል በቲ ግጭት ኣዝየን ንዝተሃሰያ ከተማታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ድሌት ከም ዘለዎ ይዛረብ።
"ብዙሓት ናብ ግብጺ ውሒዞም እዮም፡ ዝድግፎም ድማ የለን። ኢትዮጵያ ንዓታቶም ተጻባኢት'ያ። ሰብኣዊ ሓገዝ የድልየና'ዩ፡ ተጻብኦ ደው ክብል ንደሊ ኢና። ብዩክሬናውያን ብሓደ መንገዲ ንሱዳናውያን ድማ ብኻልእ መንገዲ ምላሽ ምሃብ ምስሉይነት እዩ።"
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ "ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝዀነት ምዕራባዊ ሃገር ብዝዛይድ ኣብ ሱዳን ነዊሕን ሰፊሕን ናይ ምውጻእ ስርሒት ኣካይዳ'ያ፡ 2,450 ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ኣውጺኣ'ላ" ኢሉ።
"እቲ ምውጻእ ንዜጋታት ብሪጣንያን ብቑዓት ኣባላት ስድራቤቶምን ክፉት ምዃኑ ወትሩ ዝነበረ'ዩ፡ ድሒሩ ድማ ንሓካይም ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ፍሉይ መሰል ክወሃብ'ዩ።"
ጎኒ ጎኒ እቲ ብሪጣንያ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ምውጻእ፡ “እቲ ኲናት ደው ንኽብል ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽትን ሕቡራት ሃገራትን ንሰርሕ ኣለና" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







