ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን ጸገማት ዘይተጋደፎምን ተጋሩ እንታይ ይብሉ?

ቈልዓ ሓዚላ ትስደድ ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ኣብ ዝሓለፈ 15 ሚያዝያ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ውግእ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ሂወቶም ንምድሓን ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ተጋሩ፡ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን ዝተወልዐ ውግእ፡ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቅልውላው ሸሚምዋ ይርከብ።

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት፡ ሂወቶም ንምድሓን ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ፡ ብሰንኪ'ዞ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ውግእ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝርከቡን፡ ኣብተን መዓስከራት ሰብኣዊ ረድኤትን ክትትልን ዝገብርሎም ዝነበሩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ’ውን ገዲፈሞም ብምውጽኦም፡ ኣብ ሕሱም ኵነታት ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ዩኤንኤችሲኣር፡ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከርዝርከቡ ስደተኛታት 58 ሽሕ ይበጽሑ።

'ኣብ በረኻ ኢና ተደርቢና ዘለና…'

ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ ሑመራ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ወዲ 75 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ኣቶ ተጠምቀ ፀጋይ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኵናት ምስ ተወልዐ ሂወቶምን ሂወት ስድራኦምን ንምድሓን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም።

ብሰንኪ'ዚ ኵናት ስድራ ኣቶ ተጠምቀ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ። ፍርቆም ምስኦም ንሱዳን ተሰዲዶም፡ ፍርቆም ድማ ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሎም። ንሶምን ክፋል ስድራኦምን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሓሸባ ይርከቡ፤ ናይቶም ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዝተመዛበሉ ስድራኦም ደሃይ ግን የብሎምን።

ሱዳን ካልአይቲ ገዛና እያ ዝብሉ ኣቶ ተጠምቀ፡ “ንሕና ብኵናት ሬሳ እናርኣና ኢና ናብዚ መጺእና። ኣብዚ'ውን ኲናት ምስ ኰነ፡ ስነ-ኣእምሮና ክሰርሕ ኣይከኣለን። እቲ ዝሓለፍናዮ ኵሉ እዩ ዝረኣየና ዘሎ። ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኢና ዘለና” ብምባል፡ ኵሉ'ቲ ስደተኛ ተሻቒሉን ርዒዱን ከም ዘሎ የረድኡ።

ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ነታ ሃገር ራሕሪሖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ቻድን ግብጽን ዝሃደሙ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣሜሪካ፡ ስዑድዓረብ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳይን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን፡ ዜጋታተን ካብ ሱዳን ኣውጺአን እየን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብተን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋሩ ስደተኛታት ኣዕቝበን ዝርከባ መዓስከራት ኡምራኩባ፡ ተነድባን ሓሸባን ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ገዲፈሞም ከም ዝኸዱ ዝገልጹ እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት፡ ኣብዚ እዋን ክትትልን ሓገዝን ዝገብረሎም ብዘይምህላዉ፡ ኣብ ሕሰም ከም ዝርከቡ ይገልጹ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ደገፍን ይካየድ ኣብ ዘሎ ውግእ፡ ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኣብ ሱዳን ዝነበሮ ኵሉ ስርሕቱ ብግዝያውነት ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ'ዩ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተነድባ ትነብር ካብ ምዕራብ ትግራይ ምስ በዓል ቤት ጓላን ዝተመዛበለት ወይዘሮ ጽገ ታደሰ፡ እተን ኣብቲ መዓስከር ዝነበራ ትካላት ረድኤት ጠቕሊለን ብምውጽአን፡ ኣብ ፀገም ከም ዝርከቡ ትሕብር።

“ንዝሓለፉ 42 መዓልታት ዝረኸብናዮ ረድኤት የለን። ሕጂ ከኣ እተን ትካላት የለዋን። እዚ ስደተኛ ንሕድሕዱ ተለቓቒሑ ኣብ ዝበልዓሉ ኵነታት እዩ ዘሎ። ዝኾነ ነገር ምርካብ ስለዘይከኣል ኣብ ጭንቂ ንርከብ” ትብል።

ኣቶ ተጠምቀ፡ ስድራኦም ሒዞም ናብታ ሓሪሶም ዝነብሩላ መረበቶም ክምለሱ ዝደልዩ’ኳ እንተዀኑ፡ እዚ ኵነታት ግን ድቃስ ከሊእዎም ኣሎ።

“ኣብ ፀገም ኣለና። ሕጂ እኽሊ ኣይረኣየናን ዘሎ። ሂወትና ኣበየናይ ሓደጋ እዩ ዝኒሀ? ኢና ንብል ዘለና። ሃገራት፡ ዜጋታተን ይወስዳ ኣለዋ። ንዓና ክወስደና ዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነይሩ ግን ኣይኰነን። ናብ ዓድና ከይንምለስ’ውን፡ በቲ ዝተገበረ ስምምዕ መሰረት ኣይተወድአን። እቲ ዝነበርናዮ ዓዲ (ምዕራብ ትግራይ) ብፀላእቲ እዩ ተታሒዙ ዘሎ”ብምባል፡ ኣብ መጻብቦ ከም ዝርከቡ ይገልፁ።

ወሲኾም፡ “ንሕና ካብ ኵናት ሃዲምና ሱዳን ምስ ኣተና ዩኤንኤችሲኣርን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን’ዮም ተቐቢሎምና። ሕዚ ግን ዝተቐበልዎ ህዝቢ ገዲፎም ይኸዱ ኣለዉ። ኣብ በረኻ ኢና ተደርቢና ዘለና፡ ብጣዕሚ እየ ሓዚነ” ተስፋ ቈረጾም ይዛረቡ።

'ኣደታት ኣብ ዝወልዳሉ ተሸጊረን'

ካልእ ኣብዚ እዋን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምራኩባ ዝርከብን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ማይ ወይኒ ‘ክሊኒካል ሱፐርቫይዘር’ ዝነበረን ሓኪም ገብረዋህድ ተኸስተ፡ እቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ረድኤት ጠቕሊሎም ምስ ወጽኡ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ መከራ ከም ዝርከቡ የረድእ።

እቶም ትካላት ረድኤት ካብ ዝወጽኡ ክልተ ሰሙን ከምዝዀኖም ዝገልጽ ሓኪም ገብረዋህድ፡ “ብፍላይ ኣብ ኣደታትን ህጻናትን ከቢድ ፀገም’ዩ ዘሎ። እቲ ኣብዚ ዝነበረ ሕክምና ስለ ዝተዓጸወ ኣደታት ኣብ ዝወልዳኦ ተሸጊረን እየን ዘለዋ፣ ህጻውንቲ ኣደዳ ሕማም ይዀኑ ኣለዉ። ከም ሽኮርያ፡ ቲቢ፡ ኤችኣይቪን ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ዝበልዕዎ ምግብን ቀረብ መድሃኒትን ስለ ዘይብሎም ኣብ ዝኸፍአን ዝሓመቐን ኵነታት ኣለዉ። ሰብኣዊ ረድኤት የለን፡ ኵሉ ኣብ ዘጸገም ኵነታት’ዩ ዘሎ” ብምባል፡ እቲ ኣብቲ መዓስከር ዘሎ ኵነታት ኣብሪሁ።

እዚ ኣብዚ ዘሎ ህዝቢ ካልኣይ ምምዝባል እዩ ኰይንዎ ዘሎ፡ እትብል ወይዘሮ ጽገ እውን፡ “እዚ ህዝቢ ናብታ ዝነበራ ዓዱ ክሳብ ዝምለስ፡ ክወሃበና ዝግባእ ሓገዝ ክንረክብ ኣለና፤ ረድኤት እኽሊ ካብ ዘይንወሃብ 42 መዓልቲ እዩ ኰይኑና” ትብል።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2.2 ሚልየን ካብ ኣባይቶም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ድማ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ተገዲዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ካብ ኣባይቶም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ተገዲዶም

ካልኦት ኣብ ሱዳን ኡምጉርጉር ዝበሃል ከባቢ ዝርከቡ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩን ድሕሪ'ቲ ኵናት ትግራይ ንደሕነቶም ብምስጋእ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም ዝተረፉ ተጋሩ እውን፡ ኣብዚ እዋን ንድሕነቶም ኣብ ዘስግእ ኵነታት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ደጀን በርሀ፡ ካብ መንጐ እቶም ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም ዝተረፉ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሓደ እዩ።

“ኣብዚ ክልተ ሚእትን ኣርበዓን ሸውዓተን [247] ኣለና። ህዝብና እዚ ዅሉ መከራ ይወርዶ ስለዝነበረ፡ ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ዝበልና ኢና። ወተሃደራዊ ድሕረ ባይታ ስለዘለና፡ ቍጽሪ ሓደ ተጠቃዕቲ ኢና። ምኽንያቱ ምብራቕ ሱዳን፡ ጫፍ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስለዝዀነ” ብምባል፡ እቲ ዘለዎም ስክፍታ ይዛረብ።

ካብ ካርቱም ዝሃደሙ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ

ካብቶም ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ተነድባ፡ ኡምራኩባ፡ ሓሸባን ዝርከቡ ስደተኛታት ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ውግእ፡ ብዙሓት ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ክነብሩ ዝጸንሑ'ውን ናብዘን መዓስከራትን ካልኦትን ከባቢታትን ይሃድሙ ኣለዉ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ውግእ ብውሑዱ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተቐተሉን ካልኦት ኣርባዕተ ከም ዝቘሰሉን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ከም ዘፍለጠ ይዝከር።

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ከተማ ካርቱም ከባቢ ኣልባሕር ዝተቐመጠን ሰራሕተኛ ኤምባሲ ፈረንሳ ዝዀነን ኣቶ ጥላሁን ዲሳሳ፡ ካብ መንጐ እቶም ኵሉ ንብረቶም ገዲፎም ኡምቡርጃ ናብ ዝበሃል ከባቢ ዝተመዛበሉ እዩ።

ኣቶ ጥላሁን፡ ናብ መንበሪ ገዛኡ ንጣር ከቢድ ብረት (ስኩጆ) ንመንበሪ ገዛኡ ምስ ወቕዖን ምግቢ ምስ ሰኣኑን ሂወቱ ንምድሓን ኵሉ ንብረቱ ገዲፉ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ክሃድም ከም ዝተገደደን፡ ሕጂ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተዓቝቡ ከም ዝርከብን ይገልጽ።

“እቲ ውግእ ምስ ተወልዐ፡ ንሸውዓተ መዓልታት ኣብኡ ኢና ጸኒሕና፣ ጽዑቕ ውግእ ነይሩ። ንጣር ዝተተኰሰ ከቢድ ብረት መስትያት ገዛና ሰይሩ ኣትዩና፣ ዝስተ ማይን ኤሌትሪክን ኣይነበረን፣ ንበልዖ ምግቢ ስኢንና። ብጥሜት ካብ ንመውት ወጺእኻ ምማት ይሓይሽ ኢልና ኵሉ ንብረትና ገዲፍና ሃዲምና። ኣብ መገዲ ክትተሓዙ ኢኹም ስለዝበሉና ካብ ምሉእ ንብረት ገዛ ክሳብ መኪና፡ ኵሉ ንብረትና ገዲፍና ኢና ሃዲምና። ካብ ኣልባሕር ናብ ኡምቡርጃ ብኣውቶብስ፡ ምስ በዓልቲ ቤተይ 240 ዶላር ኣኽፊሎምና” ይብል።

ካብ ካርቱም ኣል-ባሕር ሃዲሞም፡ ኣብ ኡምቡርጃ ቤተ-ክርስትያን ኣቡነኣረጋዊ ኣዕቑቦም ዝርከቡ ተጋሩ

ምንጪ ስእሊ, MG

መግለጺ ስእሊ, ካብ ካርቱም ኣልባሕር ሃዲሞም፡ ኣብ ኡምቡርጃ ቤተክርስትያን ኣቡነኣረጋዊ ኣዕቍቦም ኣለዉ

ኣቶ ጥላሁን፡ ካብ ኣልባሕር ቅድሚ ምውጽኡ ካብቲ ዝሰርሐሉ ኤምባሲ ሓገዝ ንምርካብ ደዊሉ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ኤምባሲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዜጋታቱ ሒዙ ብምውጽኡ፡ ኣማራጺ ከም ዘይነበሮ ይዛረብ።

“ሕዚ ኡምቡርጃ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ቤተክርስትያን ኣቡነኣረጋዊ እየ ኣጽሊለ ዘለኹ። ኣብ ሕማቕ ኢና ዘለና። ኣብ መሬት ካርቶን ኣንጺፍና ኢና ንድቅስ። እቶም ናይቲ ቤተክርስትያን ሰባት ናይ ባዕሎም ምግቢ እዮም ዝህቡና ዘለዉ’ምበር ሕዚ ምንም ነገር የብልናን፣ ፅሩይ ማይ የለን፣ ዝረኸብናዮ ሓገዝ’ውን የለን። እቲ ሒዘዮ ዝወጻእኹ ገንዘብ ከኣ ንመጓዓዝያ ከፊልናዮ” ብምባል፡ ንሱን ካልኦት ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ኣዕቍብሉ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣቡነኣረጋዊ፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዝተመዛበሉ 2500 ሰባት ከምዘለዉ ድማ ይሕብር።

'ንዓና ክረድእ ዝኽእል ኣካል መን እዩ?'

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ድሕሪ ዝተበፅሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ እቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ተጋሩ ብወግዒ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ኣብ መዓስከር ተነድባ ምስ ክልተ ህጻውንቲ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ዝነብር ካብ ምዕራብ ትግራይ ተሰዲዱ ዝመፅአ ኣቶ ኣስማረ ኣዳል፡ ‘ንዓና ክረድእ ዝኽእል ኣካል መን እዩ?’ ብምባል፡ ሓርቢትዎም ከምዘሎ ንቢቢሲ ይገልጽ።

“እቲ ሕዚ ንርከበሉ ቦታ በረኻ’ዩ። እዚ ኣብዚ ዘሎ ትግራዋይ ካብ ዓዱ ብኵናት ተመዛቢሉ ዝመፅአ’ዩ። መውፅእን መእተውን ዝፈልጥ ኣይኰነን። ኣብዚ መዓስከር ትንፋሱ’ዩ ዘቕኒ ዘሎ’ምበር ብድኽነት እዩ ዝሓልፎ ዘሎ። ኣብዚ ዘሎ ስደተኛ ቈልዑ ሒዙ፡ ጉድኣት ኣካል፡ ነፍሰጾራትን ኣረጋውያንን’ውን ኣለዉ። እዚ ጐንጺ ናብዚ እናተጋፍሐ እንተመጺኡ እንታይ’ዩ ክበልዓና? ናበይ ኢና ክንኣቱ? መን’ዩ ክረድአና ዝኽእል?” ይብል።

ክሳብ ሕጂ ክረድእ ዝኽእል ኣካል ከም ዘየለ ዝዛረብ ኣቶ ኣስማረ፡ ካብቲ ዝርከብሉ መጻብቦ ከውጽኦም ንመራሕቲ ትግራይ መልእኽቲ’ኳ እንተለኣኹ፡ ዝዀነ ዝረኸብዎ እወታዊ ምላሽ ከምዘየለ ይጠቅስ።

“ኵለን ሃገራት ዜጋታተን የውፅኣ ኣለዋ። ንዓና ግና ቆላሕ ዝበለና ኣካል የለን። ንመንግስቲ ትግራይ’ውን መልእኽቲ ልኢኽና ኢና። መንግስቲ ትግራይ ዕሽሽ’ዩ ዝብለና ዘሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ተዓሪቕና ኢና ይብል ኣሎ። እንድሕር ተዓሪቘም ኰይኖም ንምንታይ ቆላሕ ዘይብለና? ረዳኢ ስኢንና ተደርቢና ኢና ዘለና። መን’ዩ ከድሕነና?” ይብል።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓቲቱ።

ቺፍ ካቢኔ ሰክሬታርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ

ኣባል ካቢኔ ሰክሬታርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ዓቕሚ ከምዘድልን ሓገዝ (ቅሩብነት) መንግስቲ ፈደራል ከምዝጠልብን የመልክት።

“ከም ዝፍለጥ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ካብ ምዝርራብ ሓሊፍካ፡ ብተግባር ከቢድ ነገር እዩ። ይትረፍ ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ሱዳን ንዘለዉ፡ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ናብ ቦታኦም ክንመልሶም ጸገም ገጢሙና'ሎ። ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ጸገም ክወድቕ ኣይግባኦን፡ ግን እዚኣ’ውን ሓገዝ መንግስቲ ፈደራል ትሓትት እያ” ኢሉ።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ትግራዋይ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ጸገም’ዩ ወፅዩ ዝብል እቲ ሓላፊ፡ “ናብ መረበቶም ክምለሱ እንተዀይኖም፡ እታ መፍትሒት ሓንቲ እያ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራን መሻርኽቱን ክወጽኡ ኣለዎም። ምዕራብ ትግራይ ናጻ ምስ ዝኸውን ተከዘ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ዝሰገሩን ናብ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ ዝተመዛበሉን ንምምላስ ይጥዕም” ብምባል፡ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ መንግስቲ ፌደራል ከም ዝዀነ ኣአንፊቱ።

ኣብ ምምላስ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ኣዕቍቦም ዘለዉ ስደተኛታትን ሓደሽቲ ተመዛበልትን ዝምልከት ካብ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኣባል ክፍሊ ዲያስፖራ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣቶ ናጂብ ዓብደላ ግን እቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ውግእ ብዘስዓቦ ስግኣት፡ ካብታ ሃገር ንኽወፅኡ ንዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ንምውጻእ ምዝገባ ከም ዝጀመረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ መስርሕ ነቶም ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ሂወቶም ንምድሓን ተሰዲዶምም ኣብ መዓስከራት ስደተኛ ዝርከቡ ተጋሩ ዝምልከት ድዩ ዝብል ግን ኣየነጸረን።

ኣብ ሰማያት ካርቱም ዝርአ ብርቱዕ ትኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካርቱም ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ትናወጽ