ቅልውላው ትግራይ፡ ውጻእ መዓት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ኲናት እንታይ ኢሎም?

ኣሽሓት ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣሽሓት ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ምጽጻይ ዓሌት ከም ዝተፈጸመ ትማሊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ብሓባር ዘውጽኡዎ ጸብጻብ የመልክት።

እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት: ብሓባር ኣብ ዘውጽኡዎ ጸብጻብ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጽኡ ሓይልታት ጸጥታን ሓለፍቶምን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኾኑ ገበናት ኲናት ይፍጽሙ ከም ዘለው ኣስፊሮም ኣለው።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ግን እቲ ክሲ ከም ዘይቕበሎ ገሊጹ።

ሓደ ወዲ 23 ዓመት ትግራዋይ ነቶም መርመርቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ኣፍ ሞት ዘብጽሕ ማህረምቲ ከም ዝፈጸምሉ ተዛሪቡ።

"ካብዚ መሬት ከነጥፍኣኩም ኢና፤ መሬትና እዩ። ኣብዚ ኸባቢ ዝነብር ተወላዲ ትግራይ ናይ መወዳእታ ግዚኡ'ዩ" ዝብሉ ቃላት ይዛረቡ ከም ዝነበሩ'ውን ሓቢሩ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር ንድሓር ጋዜጠኛታት ኮኑ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ምዕራብ ትግራይ ክኣትው ኣይክኣሉን። ኩሉ ዓይነት መራኸቢ ኣማራጺታት'ውን ተቛሪጹ ይርከብ።

ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ብዙሓት ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዝቐርበሎም ከባቢታት ዝሐዓዘ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ፖለቲካውን ቁጠባውን ክትዓት ክቐርበሉ ጸኒሑ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሞንጎ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝነብሩ ሰባት ግጭታት ይልዓሉ ነይሮም።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን መራሕቲ ትግራይን ብዝተፈጥረ ውጥጥ ድሕሪ ዝስዓበ ጎንጺ ድማ እቶም መዕለቢ ከይረኸቡ ዝጸንሑ ጸገማት እናሰፍሑ መጺኦም።

እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ድማ ሓይልታት ኣምሓራ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ናብ ምዕራብ ትግራይ ብምግስጋስ ሓድሽ ምምሕዳራዊ መሓውር ዘርጊሖም።

ኣብቲ በዓል 239 ገጽ ጸብጻብ እቶም ተሓለቕቲ መሰላት፡ 423 ሰባት ቃለ መጠይቕ ክግበረሎም እንከሎ መብዛሕትኦም ካብ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታት ብህይወት ዝተረፉ'ዮም። ብተወሳኺ ናይ ሳተላይት ስእልታት መጣቐሲ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኮይኖም።

ኣብዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ናይ መርመራ ስራሕ ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ ኣዝዮም ካብ ዝተጎድኡን ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን ዝተፈጸሞ ከባቢ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ከባቢ እኹል ትኹረት ከም ዘይረኸበ'ውን ኣመልኪቶም።

ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ዝጀመረሉ መዓልቲ ኣብ ማይካድራ 229 ሰባት ብኽልቲኡ ወገን ክቕተሉ እንከለው ኣብቲ ግዜ ኣዝዩ ዘሰክፍ ቕትለታት ተፈጺሙ'ዩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝብሎ'ውን ብሕነ ምፍዳይ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ቤትን ንብረትን እውን ወሪሶምን ዘሚቶምን።

ኣብቲ መርመራ ቃለ መጠይቕ ካብ ሞንጎ ዝተገብረሎም ሐዓንቲ ጀሚላ፡ ነባሪት ከተማ ዳንሻ ኮይና ኣብ እንዳ ጸጉሪ ትሰርሕ ነይራ።

እዛ ጓል 27 ዓመት መንእሰይ፡ ሓደ ንጉሆ ናብ እትሰርሐሉ ቦታ ወተሃደራት መጺኦም ኣብ ቅድሚ ቈልዓ ክልተ ዓመት ውላዳ ከም ዝዓመጹዋ ገሊጻ።

"ተጋሩ ካብዚ ከባቢ ክትጠፍኡ ኣለኩም" ይብሉ ነይሮም ትብል።

ካልኦት ቃሎም ዝሃቡ ሰባት'ውን መብዛሕትኦም ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ምስ ኣተው፡ ትግርኛ ምዝራብ ከም ዝተኸልከለን ካብቲ ከባቢ ንክወጽኡ ይግደዱ ከም ዝነበረን ይጠቅሱ።

መዓልታዊ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ወይ 72 ሰዓታት ነቲ ከባቢ ለቒቖም እንተዘይወጺኦም ከም ዝቕተሉ ዝገልጹ መልእኽታት ይበጽሖም ከም ዝነበረ'ውን ገሊጾም።

እቶም ውጻእ መዓት ከም ዝብሉዎ፡ ንኣብነት፡ ብ17 ጥሪ 2021 ዓ.ም ኣብ ዓዲ ጎሹ ዕጡቓት ኣምሓራ ኣስታት 60 ተወለድቲ ትግራይ ናብ ድልድል ተከዘ ብምውሳድ ከም ዝረሸኑዎምን እዚ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ስግኣት ብምሕዳሩ ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም ከም ዝመወጽኡን ገሊጾም።

ሩባ ተከዘ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መስፍን፡ ሓደ ካብ ሞንጎ ካብዚ ቕትለት ዝተረፉ ሰባት እዩ።

"ተር ኣቢሎም ኣብ ልዕሌና ተኹሲ ከፊቶም፤ ኣብ የማናይ እንግድዐይን የማናይ ኢደይን ተወቒዐ። ኣብ ጎነይ ዝነበሩ ሰባት ረጊፎም። ሃንደበት ኣብቲ ዝወደቕኹሉ ቦታ ክነቅሕ እንከለኹ ንነብሰይ ብኣስክሬን ተኸቢቡ ረኺበዮ" ይብል ወዲ 57 ዓመት መስፍን።

መስፍን ካብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ተላዒሉ ናብ ጫካ ክኣቱ እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ጓሶት [ሓለውቲ ጥሪት] ከም ዝረኸቡዎን ሓቢኦም ከም ዘሕወዩዎን ነቶም መርመርቲ ገሊጹ።

ዋላ'ኳ ንሱ ብህይወት እንተተረፈ ወዱን በዓል ቤት ጓሉን ግን ተቐቲሎም።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ጥሪት፣ ሕርሻን መንበሪ ኣባይትን ተጋሩ በቶም ሓይልታት ጸጥታ ዒላማ ተገይሮም ነበርቲ መግቢ ከይረኽቡ ከም ዝተኸልከሉ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ከም ዝብሉዎ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ሕጊ ወጻእ ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከቡን ብህጹጽ ክፍትሑን ሓቲቶም።

"እዚ ወፍሪ ምጽናት ዓሌት ብጃምላዊ ማእሰርትን ስቅያትን፣ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ካብ ፍርዲ ወጻእ ብዝፍጸም ቕትለት፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብምኽልካልን ተወለድቲ ትግራይ ብኣስገዳድ ብምምዝባልን ብዝተፈጸሙ ተኸታታሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ ተፈጺሙ" ክብል ተመራማሪ ኣምነስቲ ኣቶ ፍስሃ ተኽለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ከም ፋኖ ዝበሉ ዘይስሩዕ ኣወዳድባታት ሚሊሻ ዕጥቆም ክፈትሑን ምስቶም ዝተፈጸሙ ግህሰታት ርክብ ዘለዎም ሰብ መዚ ኣምሓራ ተኣጊዶም፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓለምለኻዊ ኣኽባሪ ሰላም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ክዋፈርን እቶም ትካላት ሓቲቶም።

እቲ ኲናት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከመዛብል እንከሎ ኣማኢት ኣሽሓት ብጥምየት ክሳቐዩ ገይሩ ኣሎ።

ዋላ'ኳ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ተኣዊጁ ናብ ትግራይ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ንፈለማ እዋን ክኣትዋ እንተጀመራ፡ እቲ ኲናት ግን መሊኡ ጠጠው ኣይበለን።

ምዕራብ ትግራይ ግን ሕጂ'ውን ዘድልዮ ረድኤት ከም ዘይረኸበ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት ብከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ።

ብፍላይ ወተሃዳራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ 'ቅድስቲ ከተማ' ዝኾነት ኣኽሱም፡ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ፈጺሞም፤ ከቢድ ጾታዊ መጥቃዕቲ'ውን ፈጹሞም ዝብል ክሲ ዝቐርበሎም ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ'ውን ቅድሚ ኣዋርሕ ተቖጻጺሮምወን ኣብ ዝነበራ ከባቢታት ኣምሓራ ከም ገበናት ኲናት ክቑጸር ዝኽእል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ዝገልጹ ክስታት ቀሪቦምሎም።