‘‘ከም ፋኖ ዝበሉ ጉጅለታት ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም’’ ኣምነስቲ

ምንጪ ስእሊ, John Holmes for Human Rights Watch and Amnesty Int
ኣቶ ፍሳሃ ተክሌ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ተመራማሪ እዩ፡፡
ትማሊ ትካሉ ምስ ህዩማን ራይትስ ዎች ኮይኑ ዕላዊ ዝገበሮ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ትኹረት ዝገበረ ጸብጻብ ዝምልከት ምስ ቢቢሲ ሓጺር ጻንሒት ገይሩ ኣሎ፡፡
ቢቢሲ፡ ሓይልታት ትግራይ ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ኣተኲሮም ዝጉስጉሱ ጉጅለታት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምጽጻይ ዓሌት ዘይኮነት ዓሌታዊ ጨፍጫፍ (ጄኖሳይድ) እዩ ተፈጺሙ ክብሉ ይስምዑ፡፡ ናሃትኩም ጸብጻብ ድማ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ ዝብል ድምዳመ ወሲዱ ኣሎ፡፡ ብኸመይ?
ኣቶ ፍሳሃ፡ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝብል ክሲ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብሰፊሕ ይለዓል እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ንሕና ኣብቲ ዝኣከብናዮ መረዳእታ መሰረት ጌርና ኢና ጸብጻብ እነዳሉ፡፡
ስለዚ ኣብቲ ዝኣከብናዮ መረዳእታ ነቲ ከባቢ ካብ ሓደ ብሄር ናይ ምጥፋእ ተግባር እምበር ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዘመላኽት መረዳእታ የብልናን፡፡
እዚ ማለት ግን እዚ ነገር ሙሉእ ብሙሉእ የለን ማለት ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺብካ ምርመራ ምግባር እንተዝከኣል ኣብቲ ደረጃ ክበጽሕ ዝኽእል ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ንሕና ብመጠን እቲ ዘለና መረዳእታ ኢና ክንዛረብ እንኽእል፡፡
እዚ ነገር ኣይተፈጠረን ኢልና መረጋገፂ ዘይኮንና እንህብ ዘለናስ ፡ እቲ ዘለና መረዳእታ መሰረት ጌርና፡ እቶም ዝተፈጸሙ ገበናት ምጽናት ዓሌት'ዮም ኢና ኢልና፡፡ እዚ ማለት ግን ዝተፈጸሙ ገበናት ቀለልቲ እዮም ኣይኮናን እንብል ዘለና፡፡
ናብ ጄኖሳይድ እንትንመጽእ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ገበን እዩ ዝመስል፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ዓለም ለኻዊ ገበን፡ ናይ ገበን ደረጃታት የለን፡፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ገበን ዝተቐመጡ ኣርባዕተ ገበናት እዮም፡፡
ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበን፣ ገበን ኲናት፣ ምጽናት ዓሌትን ወራርን እዮም፡፡ እዚኦም ከበድቲ ስለ ዝኾኑ እዮም ኣብዚ ውሽጢ ተኻቲቶም፤ ከምኡ ድማ እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ኣይበልጽን፡፡
ምጽናት ዓሌት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ኣብ ዝፍጸሙ ገበናት ዝካተት ኮይኑ ኩሎም እዞም ገበናት ምስ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ማዕረ ትኹረት ዝወሃቦም እዮም፡፡
ቢቢሲ፡ ኣብ ጸብጻብኩም ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ ዝብልኩምዋ ንኤርትራ ጥራሕ ድዩ ወይስ ናይ ካልኦት ሃገራት ተሳትፎ እውን ተዓዚብኩም ኢኹም?
ኣቶ ፍሳሃ፡ ካብ ወታሃደራት ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺበን ተሳቲፈን እንብለን ሃገራት የለዋን፡፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መጀመርታ እቲ ኲናት ኣትሒዙ ኣብ ጎኒ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኮይኖም ይዋግኡ ነይሮም፡፡
ብፍላይ ምስ ደብዳብ ከቢድ ብረት ብዝተሓሓዝ፡ ኦም ሓጀር ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ግዝኣት ኤርትራ ከባቢ ደብዳብ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡
ናብ ካልኦት ከባቢታት ኣትዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተሳተፉ እውን ይዝከር፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጸብጻብ ክንብሎ ዝደለና ሰራዊት ኤርትራ እዮም፡፡
ቢቢሲ፡ መንግስቲ ድማ ዘይስሩዕ ጉጅለታት ከፍርስ ሓቲትኩም ኢኹም፡፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ብኽልቲኦም ወገናት ዘለዎ ኩነታት ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚ ክንደይ ዝኣክል ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል?
ኣቶ ፍሳሃ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ምኽረ ሓሳባት ኩሉሻዕ ዝወሃቡን ቅዋም እንወስደሎምን ኣይኮኑን፡፡ ብቐሊሉ ዝብጸሐሎም እውን ኣይኮኑን፡፡ ኮይኑ ግና ብመንጽር እቲ ከም ፋኖ ዝበሉ ውዳበታት ሚልሻ ዝፈጽምዎ ግህሰት መሰላት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዘለዉ ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዉ ተጋሩ፡ እዞም ሓይልታት ኣብቲ ከባቢ ክጸንሑ ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ፡፡
እዞም ሓይልታት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ኣለዎም፡፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝፈጸምዎ ግህሰታትት መሰል ስለንፈልጥ፡ ንሳቶም ክሳብ ዝሃለዉ ከቢድ ሓደጋ ስለ ዘስዕብ ኢና ዕጥቆም ፈቲሖም ይበተኑ ዝበልና፡፡
ቢቢሲ፡ እቲ ካልእ ምኽረ ሓሳብ ድማ ዘይተለመደ ከምኡ እውን ገዚፍ እዩ፡፡ ኣኽባሪ ሰላም ይእቶ ዝብል፡፡ እዚ ምኽረ ሓሳብ እንትትህቡ ነቶም ዝተጠቐሱ ትካላት ኣቕሪብኩምሎም ዲኹም?
ኣቶ ፍሳሃ፡ እዚ ብናይ ክልቲኦም ኣካላት ስምምዕ ከምኡ እውን ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪሑ ይእቶ ዝብል እዩ፡፡ እዚ ዝበልናሉ ምኽንያት እቲ ዘሎ ምስሕሓብ ስለንርዳእ እዩ፡፡
ብብዙሕ መልክዑ ክልቲኦም ወገናት ዝካትዕሉ ከባቢ ኮይኑ እቲ ጸገም ድማ ንነዊሕ ዓመታት ከይተፈተሐ ብምጽንሑ'ዩ ነቲ ኲናት ስዒቡ ጸገማት በዚሖም ዘለዉ፡፡
ስለዚ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ብቐሊሉ ዝፍታሕ እዩ ኢልና ኣይንግምትን፡፡ ዓበይቲ ዝኾኑ ናይ ጥቕሚ ጎንጺታት ዘለዉዎ ከባቢ እዩ፡፡
እዚ ክሳብ ዝፍታሕ ግን ብኽልቲኡ ወገን ዘሎ ናይ ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እዩ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ኲናት ዝለዓል እንተኾይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሲቪላት ንስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም፡፡
እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ ምጽባይ ስለ ዘይከኣልን ግዘ እውን ስለ ዝደልን ሲቪላት ንምሕላው ክኸውን ዝኽእል ዓለምለኻዊ ወይ ዞባዊ ጸጥታ ዝሕሉ ሓይሊ እዩ፡፡ ነዚ ኩነታት ናብ ግምት ምእታው፡ ዝሃብናዮ ምኽረ ሓሳብ እዩ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ሕቡራት ሃገራት ዝወሰድዎ ዝኾነ ስጉምቲ የለን፡፡ ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከም ኣጀንዳ ገይሩ ተመያይጥሉ ኣይፈልጥን፡፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ብጭቡጥ ዘምጸኦ ለውጢ የለን፡፡
ነዚ ምኽረ ሓሳብ ዘምጻናዮ፡ ካብቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዘሎ ርኽበትን ዘሰክፍ ኩነታትን ተላዒሎም ክሓስቡሉ ኣንፈት ንምሃብ እዩ፡፡ እቲ ጸብጻብ ነቶም ትካላት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ምይይጣ ገጽ ንገጽ ምይይጣት ክንገብር ትልሚ ኣለና፡፡
ቢቢሲ፡ እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ናይ መሬት ሕቶ ኲናት ኣብዘይብሎም ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እውን ክለዓል ዝስማዕ እዩ፡፡እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘጋሐመ ቅልውላውን ዝተፈጸመ ጥሕሰት መሰላትን ነቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘለዉ ወጥሪታት እንታይ ትምህርቲ ይህብ?
ኣቶ ፍሳሃ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ሕዚ ኣብ ተግባር ዘሎ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝጸድቕ ጀሚሩን ሓድሽ ምምሕዳራዊ ወሰን ካብ ዝካለልን ብዙሓት ናይ መንነትን መሬትን ሕቶታት ይለዓሉ እዮም፡፡
ካብ እዋን ስግግር መንግስቲ ዝጀመሩ ናይ ባዕልኻ ዕድል ባዕልኻ ናይ ምውሳን ሕቶታት ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ፡፡
ዋላ'ኳ ምዕራብ ትግራይ እዋናዊ እንተኾነ ብዙሓት ተዘክሮታት ኣለዉ፡፡ ኣብ መንጎ ዓፋርን ሶማልን ዘሎ ጎንጺ፣ ክልል ሲዳማ ንምምስራት ዝነበረ ብዙሕ ሰብ ዝሞተሉ ክስተት፣ ኣብ ወላይታን ጉጂን ዝለዓሉ ተመሳሰልቲ ክስተታት ምጥቃስ ይከኣል፡፡ እዚኦም ናይቲ ጸገም መግለጺ እዮም፡፡
እቶም ሕቶታት ኣብ ዝለዓልሉ መልሲ ኣይተውሃቦምን፡፡ ብሕገ መንግስቲ ኮነ ብኻልእ መልክዕ ዘላቒ መፍትሒ ኣይረኸቡን፡፡
ብኣንጻሩ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኮነ ብዝተፈላለየ መልክዕ ሕቶ ንዘልዕሉ ብምእሳርን ብምቕታልን ሕቶኦም ክዕፈን ይፍተን ነይሩ፡፡
ኣብ ምዕራብ ትግራይ እውን ከምኡ እዩ ጸኒሑ፡፡ ልዕሊ 30 ዓመት ዘቑጸረ ሕቶ ኣሎ፡፡ ነቲ ሕቶ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዘቕረቡ ወይ ብሰላማዊ ሰልፊ ዝሓተቱ ሰባት ክቕተሉ ኢና ንዝክር፡፡
ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ 2016 ኣብ ጎንደር ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ንዝክር ኢና፡፡ ኣብ 2019 ኣምነስቲ ኣብ ጎንደር ቃለ መሕተት ኣካይዱ ነይሩ፡፡
ካብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ወልቃይት ማለት ዳንሻ፣ ማይ ካድራ፣ ዲቪዥን፣ ሑመራ፣ ዓዲጎሹ ዝመጽኡ ሰባት ኣዛሪብና፣ ኣብዚ ጸብጻብ እውን ኣካቲትናዮ ኢና፡፡ እዞም ሰባት ነዚ ሕቶ ብምልዓሎም ጥራሕ ይእሰሩ፣ ይንገላትዑን ካብ ገዝኦም ይፈናቐሉን እዮም ነይሮም፡፡ ኣምሓርኛ ሙዚቃ ምስማዕ ዘይክእልሉ ኩነታት ከም ዝነበረ ኢና ንፈልጥ፡፡
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝሰራሕናዮ መጽናቲ እዞም ሕቶታት ክምለሱ ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







