ረዲኤት ዝጸዓና መካይን፡ ድሕሪ ታሕሳስ ንፈለማ ግዜ መቐለ ኣትየን

መኻይን ውድብ ምግቢ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, WFP

ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ንፈላማ እዋን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ምእታወን ውድብ ምግቢ ዓለም ገሊጹ።

ትማሊ፡ 23 መጋቢት 2014፡ ረድኤት ዘጸዓና 13 መኻይን ናብ ርአሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምብጸሐን እዩ፡ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ተወሳኺ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ሎሚ ንግሆ ናብ መቐለ ከምዝኣትዋ ሓቢሩ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ፡ እዚ ጽቡቕ ጅማሮ'ኳ እንተኾነ፡ "ክንደይ መካይን ተፈቒዱለን ዘይኮነስ፡ ድጋፍ ንዘድልዮ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝሓልፈሉ ስርዓት ተዘርጊሑ ዶ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡" ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቝጸር ህዝቢ ንጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ ጸብጻበት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ሰብኣዊ ተዅሲ ደው ዘበሉ ኾይኖም፡ ረድኤት ኣብ ምሕላፍ ዛጊድ ብዙሕ ምምሕያሻት ኣይተርአየን ነይሩ።

እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ፡ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ብቕልጡፍ ረድኤት ክበጽሕ እንተኽኢሉ ጥራይ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ምእንቲ ክባጻሕ፡ ተዅሲ ደው ከም ዘበሉ ምግላጾም ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ንሓድሕዶም ምክሳስ ቀጺሎም ነይሮም።

ኣብ ትግራይ ኣብ ሕሱም ጥሜት ዝርከብ ህዝቢ ንምድሓን፡ መዓልታዊ 100 መካይን ክጓዓዛ ከምዘለወን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ማሕበር ቀይሕ መስቀል እንታይ ኢሉ

ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ እገዳ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ መሳርሒታት መድሃኒት ብነፈርቲ ከሕልፍ ከም ዝተፈቕደሉ ዝገልጽ እቲ ማሕበር፡ ብምድሪ ረድኤት ከሕልፍ ከምዘይከኣለ ትማሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ'ቲ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ዕንቅፋታት ፡ ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ናብቲ ክልል ከብጽሕ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።

ከምኡ ኮይኑ'ውን፡ እቲ ማሕበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ 38 በራራታት ብምክያድ፡ ዝተፈላለዩ መድሃኒታትን መሳርሒ ሕክምናን ናብቲ ክልል ከም ዘብጽሐ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቲ ማሕበር፡ ፋጥማ ሳቶር፡ ኣብቲ ክልል ምስ ዘሎ ሰፊሕ ተጸባይነት፡ እቲ ዝበጽሕ ዘሎ መጠን፡ ዳርጋ 'ሕፍኒ ካብ ውቅያኖስ' እዩ ኢላ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ብሰንኪ ሕሱም ሕጽረት መድሃኒትን መሳርሒታት ሕክምናን፡ ዶክተራት፡ ናይ ኢድ ጓንቲ ከይተረፈ ሐሓጺቦም ደጎጊሞም ክጥቀምሉ ይግደዱ ከምዘለዉ ወሲኻ ሓቢራ።

ረድኤት ዝቕበላ ኣንሽቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ምፍቃድ፡ እቲ ትካል ንዝገብሮ ሓገዝ ኣዝዩ ከመሕይሾ ምዃኑ ይኣምን።

ትካላት ረድኤት፡ "መንግስቲ ኮነ ኢሉ ረድኤት ከይሓልፍ ከልኪሉ" ኢሎም ዝኸስዎ ኮይኖም፡ መንግስቲ ግን ነዚ ክሲ ኣይቕበሎን።