ኣብ ድሕሪ ካሜራ ስልክኹም ኣልበርት ኣይነስታይን ምህላዉ ትፈልጡዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤተፈተነ፡ መሃንድሳት ምርምር እናገበሩ ኣብ ኮምፒዩተር ንዝርከብ ሰደቓ ሰርኪዩት ዘነፃፀረ ጨረር ይፍንውሉ፡ ሽዑ እቲ ሰደቓ ሰርኪዩት ቦርድ ተሰባቢሩ።
ጕጅለ መሃንዲሳት 'ራዝበሪ ፓይ' ድማ እቲ ኮምፒዩተር ጨረር እንክፍነዎ ብቐሊሉ ከም ዝጕዳእ ብዝገበሮ ምርመራ ኣረጋጊፁ።
መስራቲ እቲ ጕጅለ ኢቤን ዩፕቶን ይበሃል። ኣብ ኮምፒዩተር ዝርከብ ቺፕ፡ ብርሃንን ኤለክትሮንን እንተ ተወሃሂዱ ብቐሊሉ ዝስበር ምዃኑ ከም ዝተረድአ ይዛረብ።
እዚ ኣብ 2015 ምስ ተፈለጠ፡ ቺፕ እቲ ኮምፒዩተር ጨረር ንኽከላኸል ተሸፊኑ።
ኣልበርት ኣይንስታይን ኣብ 1905 ካብ መንጎ ዘሕተሞም መፅናዕታዊ ፅሑፋት፡ ብዛዕባ ፎቶኤለክትሪክ (photoelectric) ዝድህስስ እቲ ሓደ እዩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ቤትፅሕፈት ሓለዋ ኣእምሮኣዊ ንብረት እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኣይንስታይን በዚ መፅናዕቱ ኣብ 1921 ሽልማት ኖቤል ምርካቡ ይፍለጥ።
መፅናዕቲ ኣይንስታይን ንካሜራ፡ ተንቀሳቓሲ ስልክን ካልኦት ናይ ኤለክትሮኒክስ መገልገሊታትን ዝለወጠ ኰነ።
ኣይንስታይን፡ ብርሃን ብኸመይ ይፍጠር? ብዝብል'ዩ ሕቶኡ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ተመራመርቲ፡ ብርሃን ርእሱ ዝኸኣለ ጨረር እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ብምኽንያት፡ እቲ ጨረር ስለ ዝንቀሳቐስ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጌቲስበርግ መምህር ዝዀነ ስቲቭ ጊምብል፡ ኣይንስታይን ነዚ ግምት ክቕበል ከም ዘይከኣለ ይዛረብ።
ብርሃን ነቓዓት ጨረር ከመንጭው ብምግባር ከም ሄይንሪክ ሀርዝ ዝበሉ ስነፍልጠተኛታት ምርምር ኣካይዶም።
ስቲቭ ጊምብል፡ "ብርሃን ኤለክትሪክ ክፈጥር ዝገብር መስርሕ ኣብቲ እዋን ግልፂ ኣይኰነን ነይሩ። ንሰባት ኣዝዩ የደንቖም ነይሩ። ትርጕም ክህቦም'ውን ኣይከኣለን፡" ይብል።
መጠን ብርሃን ኣብ ዝውስኸሉ ሓይሊ ናይዞም ኤለክትሮናት ዘይምልዋጡ ዝያዳ ኣስደሚምዎም።
ብርሃን እንክውስኽ፡ ንምንታይ መጠን ሓይሊ ዘይወሰኸ? ዝብል ዝዀነ ሰብ ክርድኦ ኣይከኣለን።
ኣይንስታይን፡ ብርሃን ካብ ማዕበል ጥራሕ ዝተሰርሐ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጡ ንኣሽቱ ፎቶንስ (photons) ከም ዝጓዓዙ ኣብ ምርምሩ በፂሕዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኒው ዮርክ ዘምህር ፖል ዴቪስ፡ "ሓደ ፎቶን ምስ ኤለክትሮን እንክራኸብ፡ እቲ ኤለክትሮን ይነቓቓሕ፡" ብምባል የረድእ።
ፎቶን እኹል ሓይሊ ክሳብ ዝረኸበ፡ ፎቶኤለክትሪክ ብምፍጣር ኤለክትሮን ካብ ነገር ይፈሊ።
ሓይሊ ፎቶን ምስ ሕብሪ ብርሃን ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ኣብ ሰማያዊ ብርሃን፡ ፎቶን ሓፂር ማዕበል እዩ ዝጓዓዝ። ኣብ ቀይሕ ብርሃን ካብ ዘሎ ፎቶን ዝበለፀ ጕልበት ኣለዎ።
ሄይንሪክ ሀርዝ፡ ኣልትራቫዮለይት ዝበለፀ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ኣረጋጊፁ'ዩ።
ኣይንስታይን ካብ ባዶ ተበጊሱ ኣይኰነን ምላሽ ረኺቡ፣ ሊቃውንቲ ፊዚክስ ሀርዝን ማክስ ፕላንክን ግምታት መበገሲ ገይሩ'ምበር።
ግምት ማክስ ፕላንክ ኳንታ፡ ብርሃንን ጨረርን ዕቑር ሓይሊ ከም ዘለዎም የአንፍት። ኣብ 1918 ሽልማት ኖቤል እንተ ረኸብሉ'ኳ፡ ግምቱ ግና ክሳብ 1905 ኣካታዓይ ኰይኑ'ዩ ቀፂሉ።
ስቲቭ ጊምብል፡ "ኣይንስታይን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኣብ ግምት ዘእቱ ኣእምሮ ነይርዎ፡" ይብል።
ሓሳባት ኣይንስታይን ንስነፍልጠተኛታት ዘካትዑ እዮም። ብፍላይ ድማ ናይ ንፅፅራውነት ግምታቱ።
ኣባላት ኮሚቴ ኖቤል ፊዚክስ፡ እቲ ሽልማት ንኣይንስታይን ንምሃብ ተማቲኦም ነይሮም።
ሽልማት ኖቤል እንክሽልምዎ፡ ካብ ናይ ንፅፅራውነት ግምቱ፡ ናይ ፎቶኤለክትሪክ ስርሑ እዮም ኣብሊፆም።
ምርምር ፎቶኤለክትሪክ ኣይንስታይን ንዓለም ለዊጡ እዩ፣ ናይ ኣብዝሓ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ዓንዲ ሕቘ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንምንቅስቓስ ሰባት ብምፍታሽ ድምፂ ዘውፅእን ዘረፍቲ (ቀጠፍቲ) ንምክልኻል ዝውዕልን መሳርሒ (Motion sensors in burglar alarm systems) ፀርጊ ብምምንጫው እዩ ዝሰርሕ።
ዘመንጭዎ ፀርጊ ብምንቅስቓስ ሰባት እንክቋረፅ ድምፂ የውፅእ።
ኣብ ውድድራት ኦሊምፒክ ኣትሌታት ዝሓልፍዎ ናይ መወዳእታ መስመር ፎቶኤለክትሪክ ስለ ዘለዎ፡ ቅደም-ሰዓብ ኣትሌታት ምፍላጥ ይከኣል።
መራኽብ ብግመ ዝተሸፈነ ከባቢ ከም ዝቐረበ ኣቐዲመን ምልክት ዝህባ ከምኡ'ውን ኣብ መስትያት መካይን ዘሎ ሓፂን ዝናብ እንክዘንብ ነቲ ማይ ካብ መስትያት ዝፀርጎ፡ ብምኽንያት እዚ ርኽበት እዩ።
ፎቶኤለክትሪክ ኢፌክስ ዝበሃል፡ ኤለክትሮን ካብ ነገር ኣብ ዝወፅኣሉ እዋን፡ ፎቶቮልታይክ (photovoltaic effect) ዝፍጠር ድማ ምንቅስቓስ ኤለክትሮናት ኣብ ውሽጢ ነገር ኤለክትሪክ ክሓልፍ (ክውሕዝ) ምስ ዝገብር እዩ።
ካብ ፀርጊ ፀሓይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝምንጩ በዚ መንገዲ እዚ እዩ።
እዚ ተሓዳሲ ፀዓት ክሊማ ንምክልኻል ይሕግዝ።
ናይ ኣይንስታይን ፎቶኤለክትሪክ ኢፌክት፡ ኣብ ኣሰራርሓ ካሜራ'ውን ይርአ እዩ። ንብርሃን ዝስዕብ ክፍሊ ድጂታል ካሜራ፡ ንምስሊ ይቐርፅ (የልዕል)።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናሳ ኣብ 1990 ኣብ ህዋ ዝተጠቐሞ ቴክኖሎጂ (CMOS technology) ኣብ ውሽጢ ቢልየናት ዝቝፀራ ተንቀሳቐስቲ ስልክታት (ሞባይላት) ይርከብ።
መሃንድስ ኤሪክ ፎሱም ከም ዝብሎ፡ እዚ ቴክኖሎጂ ርኡይ ለውጢ ዘምፅአ እዩ።
"ፎቶን ኣብ ውሽጢ ቀጠልያ (ቈፃል)፡ ቀይሕ ወይ ሰማየዊ ብርሃን ኰይኑ'ውን፡ ሓደ ኤለክትሮን ንኽወፅእ ይገብር። እዚ ብምዃኑ ዕድለኛታት ኢና። ምስሊ ሕብሪ ንኽህልዎን ትኽክለኛ ገፅትኡ ንምስኣልን የኽእል፡" ብምባል የረድእ።
ኤሪክ ፎሱም፡ ሓደ ፎቶን ብምጥቃም፡ ብኸመይ ምስሊ ምሓዝ ይከኣል ኣብ ዝብል ይመራመር ኣሎ።
ውፅኢት እቲ ምርምር ፅሩይ ምስሊ ንምፍጣር ከምኡ'ውን ንሕክምና ሰባት ዝሓሸ ምስሊ ሲቲ ስካን ንምርካብ ይሕግዝ። ንተሓከምቲ፡ ብዝነኣሰ መጠን ፀርጊ ምምርማር ይከኣል።
"በዚ ቴክኖሎጂ ተሓጊዝና፡ ኣብ ፀልማት ምርኣይ ንኽእል ኢና፡" ብምባል፡ እቲ ብዓልሞያ የብርህ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምፕተን እትምህር ድሚትራ ጂዮርጂዱ'ውን ኣብ ፎቶኤለክትሪክ ኢፌክት እያ ትመራመር።
ናብ ኮምፒዩተር ሓበሬታ ከይለኣኸ፡ ኣብ ብርሃን ምርምር ንምክያድ ዘኽእል መሳርሒ ምምሃዝ ኣካል መፅናዕታ እዩ።
እዚ መፅናዕቲ፡ ምርኣይ ንዝተሰኣኖም ሰባት ሰብ ሰራሕ ብርሃን ዓይኒ ንምስራሕ ዘኽእል እዩ።
ብዘይመራሒ ዝጓዓዛ መካይን ብቕልጣፈ ንኽጓዓዛ'ውን ይሕግዝ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከምዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ፡ መዓልቶም ከይኣኸለ ንዝውለዱ ዕሸላት'ውን ኣብ ደሞም ዘሎ መጠን ኦክስጅንን ውቅዒት ልቦምን ንምፍላጥ የኽእል።
ዝተወሰነ ብርሃን ብቖርበቶም ብምሕላፍ፡ ዋህዮታቶም ንምርኣይ ይውዕል።
ኣይንስታይን ነዚ ግምቱ ኣብ 1905 እዩ ፅሒፍዎ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድማ ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ብዙሓት ለውጥታት ኣምፂኡ።
ኣብ መንጎ ብርሃንን ነገርን ዘሎ ርክብ፡ ዓለም ትሰርሓሉ መንገዲ ብዕምቆት ንምርዳእ እውን ይሕግዝ።
ኣብ 1960 ናብ ወርሒ ዝበፅሑ ጠፈርተኛታት ኣብ ዝሰኣልዎም ምስልታት፡ ፀርጊ ፀሓይ ብርሃን ተራእዩ እዩ።
ከባቢ ኣየር ወርሒ ካብ መሬት ዝተፈለየ ስለ ዝዀነ፡ ንጥረ ነገራት ብርሃን ብዝተበታተነ መንገዲ እዮም ዝንቀሳቐሱ። እዚ ብርሃን ካብ ፀሓይ ዝምንጭው ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ወርሒ ኣብ ዝፍጠረሉ ዝፍጠር ምዃኑ ይፍለጥ።
ንጥረ ነገራት ብርሃን ስለ ዝሰሓሓቡ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ኣየር ክንሳፈፉ ይረኣዩ። ምስ ብርሃን ፀሓይ ኣብ ዝወሃሃድሉ ድማ የንፀባርቑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







