ንመፃኢ ብድሆታት ዓለምን ህዝባን መፍትሒ ብዛዕባ ዝዀነ ‘ኳንተም ፊዚክስ’ ሊቅ ካኩ እንታይ ይብል?

ኣመሪካዊ ሊቅ ፊዚክስን ጸሓፍን ሚቺዮ ካኩ፡ ዘመን ኳንተም መጻኢ ሂወትና ከም ዝውስን ርግጸኛ እዩ።
ወዲ 77 ዓመት ካኩ፡ ብዓውዲ ክልሰሓሳባዊ [ትዮረቲካል] ፊዚክስን ሳይንሳዊ ኮሙዩኒኬሽንን ኣዝዩ ስሙይ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ፕሮፌሰር ክልሰሓሳባዊ ፊዚክስ ኰይኑ፡ ደራሲ መጽሓፍ “ኳንተም ሱፐርማሲ” እውን እዩ።
ካኩ፡ ዘበን ኳንተምን ኮምፒዩውተራትን፡ ሕማማት ካብ ምጥፋእ ጀሚሩ ክሳብ እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ብኸመይ ምምጋብ ይከኣል? ንዝብሉ ሕቶታት ደቂ ሰባት መሰረታዊ መፍትሒታት ከም ዝህብ ይኣምን።
መበቈል ዓሌቱ ካብ ጃፓን ዝዀነ እዚ ሊቕ ፊዚክስ፡ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ስግኣት ከም ዝፈጥር ይግምት፤ ሕጂ’ውን ገና ነዚ ንምቍጽጻር እኹል ግዜ ኣሎ ይብል።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ እዋን ነባርነቱ ኣብ ኒውዮርክ ንዝገበረ ካኩ፡ ንመጻኢ ተነብዩ ኣብ መጽሓፉ ብዛዕባ ዝጸሓፎም ጉዳያት ኣዘራርቡዎ ኣሎ።

ቢቢሲ፤ ኣብ መጽሓፍካ ወዲሰብ “ሰለስተ ኣእምሮታት” ኣለውዎ ዝብል ሓሳብ ኣልዒልካ፤ ነዚ ሓሳብ ክተብርሆ ዶ ትኽእል?
ካኩ፤ ናይ ሰብ ሓንጎል ምስ ትምርምር ሰለስተ ኣካላት ከም ዘለዎ ንግንዘብ። ዳሕረዋይ ክፋል ሓንጎልና ብበዓል ሰለስተ ጸርጊ (3ዲ) ዘለናሉ ክንፈልጥ ዝሕግዝን ቅርጺ ዝፈሊ ክፋል ሓንጐል እዩ።
ቢቢሲ፤ ኵላትና መጻኢ ንምርኣይ ተመሳሳሊ ክእለት ክህልወና ይኽእል ዶ?
ካኩ፤ ናይ ሓደ ተራ ሰብ ሓንጎል ካብ ናይ ሊቅ ሓንጎል ብምንታይ እዩ ዝፍለ? ናይ ተራ ሰብ ሓንጎል ዝረኸቦ ዕድል ዝጥቀም እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ዘለዉ ዕድላት ጥራሕ’ዩ ዝርኢ። ኣመና ንእሽተይ ትልሚ’ዩ ዘውጽእ። ንኣብነት፡ ተራ ገበነኛታት ዝርእይዎ ጥራይ’ዮም ዝሰርቁ፤ ትልሚ የብሎምን። ዓበይቲ ሓሰብቲ ድማ፡ ነዚ ናይ ግዜ ማሽን ይለማመዱ። ናይ መጻኢ ኣምሲሎም ተግባራዊ ይገብሩ። ሕጊታት ተፈጥሮ ስለ ዝፈልጡ፡ ንመጻኢ ምድላው ይጅምሩ።
ሓደ ሰብ ዝተወሰነ ነገራት ስለ ዝፈልጥ ጥራይ በሊሕ እዩ ኢልና እንተሓሲብና ግን፡ እዚ መለክዒ ፍልጠት ኣይኰነን። መጻኢ ምርኣይ ምስ ትኽእል’ዩ እቲ ቀንዲ ቁምነገር ምሕሳብ። እዚ ድማ ብናይ ቅድሚት ክፋል ሓንጐል እዩ ዝፍጸም። ናይ ቀትሪ ሕልሚታት ይርኢ (ይሓልም)። እዚ ዘይብሉ፡ ግን መጻኢ ብዛዕባ ዝፍጠሩ ኵነታት ብዘይ ምቍራጽ ይፈጥር፡ የምስል። ንመጻኢ፡ ንቅድሚት 100 ዓመታት ይሓስብ። እዚ ተራ ሓንጎል ዝገብሮ ኣይኮነን። ነዚ ድማ እዩ፡ ዓብይ ናይ ምሕሳብ ክእለት ናይ ዘለዎም ሰባት ሓንጎል ናይ ግዜ ማሽን እዩ ዝበሃል።

ቢቢሲ፤ በዚ መጻኢ ናይ ምርኣይ ሓሳብ ኣብ ዝቕጽሉ 100 ዓመታት እንረኽቦ ዓቢይ ርኽበት እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ካኩ፤ ናይ ዝሓለፉ እዋን ርኽበታት፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ነገራት ምትንታን እዩ። ንእሽተይ ነገራት ንብሎም ናይ ሰብ ሓንጎልን ዲኤንኤን እዩ። እቲ ዓቢይ ዝኾነ ድማ ክልሰ-ሓሳብ ቢግ ባንግ እዩ።
ሕጂ ድማ ኣብ ዩኒቨርስ ክልሰሓሳብ ኳንተም ፊዚክስ ንጥቀም ኣለና። ቀጻሊ ዓቢይ ስጕምቲ ዝኸውን፡ እዚኦም ክልቲኦም ምስ ነዋህድ እዩ። ዴንኤን ሓንጐል ሰብን ንምርዳእ ኳንተም ቲዎሪ ተጠቐሙ።
ኣብዚ እዩ ኳንተም ኮምፒዩተራት ዝመጽኡ። ብዝተወሰነ መልክዑ ተፈጥሮ ኳንተም ኮምፒዩተር እያ። ኮምፒዩተር ሓደን ዜሮን ተጠቂሙ እዩ ዝሰርሕ። እዚ ድማ ቋንቋ ተፈጥሮ ኣይኰነን። ተፈጥሮ ብዜሮን ብሓደን ኣይትሓስብን፤ እዚ ኣሰራርሓ ዲጂታላዊ ኣእምሮ እዩ።
ተፈጥሮ ናይ ኳንተም ኣእምሮ ኣለዋ። ኣቶማት፡ ኤሌክትሮናት፡ ፎቶናዊ ንኡስ ኣካልን ዝርዳእ ኣእምሮ ኣለዋ። እዚ፡ ቋንቋ ዩኒቨርስ እዩ። ቀጻሊ ስጕምቲ ድማ እዚ እዩ ክኸውን።
ቢቢሲ፤ እዚ ዓቢይ ስጉምቲ ብፊዚክስ ጥራይ ዝሳኻዕ ድዩ ወይስ ከም ሕክምና ዝበሉ ካልኦት ዓውድታት ዘጠቓልል እዩ?
ካኩ፤ ሕጂ ዘሎ ሕክምና፡ ብፈተነን ስሕተታት ብምእራምን ዝሰርሕ እዩ። መድሃኒት ይሰርሕ ዶ? ንብል። እንተዘይኮይኑ ካልእ መድሃኒት ንፍትን። ብዙሓት ዘደንቑ ኣፋውስ ብኣጋጣሚ ዝተረኸቡ እዮም። ኳንተም ቲዎሪ እንተልዩ ግን ብዓይነ ሕልና ነቲ ሞለኪዩል ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ሞለኪዩላት ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ምርኣይ ይከኣል እዩ።
ካብኡ ካብ ባዶ ብምብጋስ ሓደስቲ ኣፋውስ ንምፍጣር ንዅሎም ሕቶታት ምምላስ ይከኣል። እዚ ማለት ቀመምቲ፡ መድሃኒት ካብ ስራሕ ወጻኢ ይዀኑ፤ ድሕሪ እዚ ቀመምቲ ኣፋውስ ኣየድልዩናን ማለት ድዩ?
ናይ መጻኢ ቀመምቲ መድሃኒት፡ ኬሚካላዊ ግብረመልስታት ንምርዳእ ኳንተም ቲዎሪ እዮም ክጥቀሙ። ናይ መጻኢ ሊቃውንቲ ስነህይወት ዲኤንኤ ንምርዳእ፡ ኳንተም ኮምፒዩተራት ይጥቀሙ። ኬሚስትሪ ወይ ባዮሎጂ ጥራይ ዝጥቀሙ ዶካትር ካብ ስራሕ ወጻኢ ክዀኑ እዮም። ምኽንያቱ፡ መጻኢ ግዜ ናይ ኳንተም ሜካኒክ እዩ ዝኸውን።
ቢቢሲ፤ ኣይንመውትን?... መንሽሮ ኣይህሉን ማለት ድዩ?
ካኩ፤ ብሓገዝ ኮምፒዩተር መንሽሮ ምትራፍ ንኽእል ኢና። እቲ ምልክት ቅድሚ ምርኣዩ ናይቲ ተሓካሚ ሕማም መንሽሮ ንግምት። ንኣብነት፡ ናብ ሽቓቕ ብምኻድ ጥራይ ዲኤንኤ ይንበብ እሞ፡ ንቐጻሊ ከመይ ከም ዝኸውን ይግመት። ምልክት ቅድሚ ምርኣዩ ዓሰርተ ዓመታት ኣቐዲሙ ዲኤንኤ ብዛዕባ እቲ መንሽሮ ይዛረብ’ዩ (የፍልጥ’ዩ)።
ኣብ ኣመሪካ ምርመራ ደም ብምግባር፡ መንሽሮ ምፍላጥ ይከኣል እዩ። እቲ ምርመራ ደም መንሽሮ ምህላዉን ዘይምህላዉን የረጋግጽ። ጽኪ ዝብል ቃል ካብ ቋንቋና ይጠፍእ። ኣብ መንሽሮ’ውን ተመሳሳሊ ነገር የጋጥም።

ቢቢሲ፤ ኢንተርነት’ውን ግዜ ዝሓለፎ ይኸውን። ብኣእምሮ፡ ብሓንጎል... ምርኻብ ንኽእል ኢና ኢልካ ኣለኻ።
ካኩ፤ ናይ መጻኢ ኢንተርነት ዲጂታል ኣይከውንን። ዲጂታል ኣዝዩ ደንጓይን ድሑርን እዩ። ናይ መጻኢ ኢንተርነት ኳንተም ይኸውን እሞ፡ ምስ ሓንጐል ይወሃድ። ብረይነት (ብረይንን ኢንተርነትን ዝብሉ ቃላት እንግሊዘኛ ብምውሃድ ዝተረኸበ’ዩ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ሰብ ክሓስብ እንከሎ፡ ሓሳባቱ ናብ ዓለም ተመሓላሊፎም ምስ ካልኦት ነገራት ይተኣሳሰሩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ግድን ገመዳት መሰል ነገራትን ኣይንጥቀምን። ብቐሊሉ ንሓስብ፡ ብረይነት ድማ ነቲ ዝተረፈ ይትግብሮ።
ቢቢሲ፤ ብዙሓት ተመራመርቲ ብዛዕባ ሓደጋታት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብሰርሖ ብልሒ) ኣጠንቂቘም’ዮም… ኣብዚ ጉዳይ ናትካ ርእይቶ እንታይ እዩ?
ካኩ፤ ሓደሓደ ሰባት፡ ሓደ መዓልቲ ማሽናትና ብጣዕሚ ዝሰልጠኑ ክዀኑ’ዮም ይብሉ። ስግኣት’ውን የንጸላልወና። ሰባት ዘጋጥምዎም ሰለስተ ሓደጋታት ኣለዉ።
ስግኣት ኲናት ኒዩክሊየር፣ ባዮሎጂያዊ መሳርሒ ኲናትን ምውሳኽ ዋዒ ዓለምን እዮም። ኣብ ህላወ ደቂሰባት እቲ ራብዓይ ስግኣት ድማ፡ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ እዩ። ብኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ዝፍጠሩ ክልተ መሰረታዊ ስግኣታት'ኳ እንተሃለዉ፡ ንሳቶም’ውን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም።
እቲ ፈላማይ ስግኣት ኣዝዩ ቅልጡፍ’ዩ። ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዋላ’ኳ ኣካልን ገጽን ሰብ ምፍላይ ዝኽእላ እንተዀና፡ ንሰባት እንከይፈለያ ይቐትላ ኣለዋ። ስለዚ ኣውቶማቲክ ናይ ቅትለት ማሽን ክህልወና’ዩ። ዝበርር፣ ንከባቢ ዝከታተል፡ መልክዕ ሰብ ዝፈሊን ዝቐትልን ማሽን ኣሎ።
እዚ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝኸውን እዩ። እቲ ዓቢይ ስግኣት ኣብ ነዊሕ እዋን ዘጋጥም’ዩ። እዚ እቲ ካልኣይ ስግኣት ኰይኑ፡ ምስ ኣተሓሳስባ ወድሰብ ክቀራረብ ዝጅምር ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ምስ ዝህልወና እዩ።
ሕጂ ናብዚ ደረጃ ቅድሚ ምብጻሕና ብዙሕ ይተርፈና’ዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን፡ ሮቦታትና ከም ኣንጭዋን ማንቲለን በላሕቲ ክዀኑ እዮም። ካብኡ ድማ ከም ከልቢ ወይ ድሙ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ህበይ። እዚ እንተዀይኑ ሓደገኛታት ክዀኑ ይኽእሉ። ምኽንያቱ ኣህባይ ኣብ መንጐ ሰብን ህበይን ዘሎ ፍልልይ ይርድኡ’ዮም።
መን ይፈልጥ፤ ኣነ ከም ዝሓስቦ ኣብ ውሽጢ 100 ዓመታት ካብ ሰባት ዘይፍለዩ ሮቦታት ክህልዉና እዮም። ሻቡ፡ ናይ ባዕሎም ሓሳብ ከም ዘይብሎምን ኣንጻርና ከም ዘይለዓሉን ክነረጋግጽ ይግባእ። ብዛዕባ ምቕታል ምሕሳብ ክጅምሩ እንከለዉ፡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝገብሮም ቺፕ ኣብ ውሽጢ ሓንጐሎም ክነቕምጥ ኣለና።
ኣብቲ ደረጃ ቅድሚ ምብጻሕና፡ ብዙሕ ግዜ ዘለና እመስለኒ። ናይ ቀረባ ግዜ ሓደጋ ግን፡ እተን ብዘይ ገለ ፍልልይ ሰባት ዝቐትላ ዘለዋ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እየን።

ቢቢሲ፤ ኳንተም ኮምፒዩተራት መጻኢ ህይወትና ብኸመይ ክውስና ይኽእላ?
ካኩ፤ ሓደሓደ ሰባት ሰውራ ኳንተም ብጣዕሚ ገዚፍ ብምዃኑ፡ ንሕማም የውግድ’ዩ ይብሉ። ኳንተም ኮምፒዩተራት ሓደሓደ ነገራት ምግባር ይኽእላ እየን። መስርሕ እርጋን ይፈትሓ’የን ኢለ እኣምን። ኣብ መጻኢ ብምኽንያት እርጋን ከይንመወት ንኽእል ንኸውን።
ጸገማት እርጋን ምፍታሕ ንኽእል ንኸውን። ኵነታት ውልቀሰባት ብኳንተም ኮምፒዩተራት ኣይድሕንን። ምኽንያቱ ምትእስሳር ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊ ተገባብሮ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ ሰባት ኣብ ዘይዛሪ ኲናት ዘይኰነስ ብሰላም ክነብሩ ንምግባር ዝተፈለየ መንገዲ የድልየና።
ቢቢሲ፤ ኣብ ዘበን ኳንተም ዘይፍትሑ ጸገማት ኣየኖት እዮም?
ካኩ፤ ኣነ ከም ዝሓስቦ፡ ኮምፒዩተራት ብዘይካ ሓደ ነገር ብዙሕ ጸገማት ክፈትሓ እየን። ኳንተም ኮምፒዩተራት ጸገም ምውሳኽ ዋዒ ዓለም ንምፍታሕ ክሕግዛ እየን ኢለ እሓስብ። ዝግታ ኒዩክለር ዘይፈጥሩ ምንጪ ጸዓት ኒዩክለለር ይህቡና። ንከም መንሽሮ፡ ኣልዛይመርን ፓርኪንሰንስን ዝበሉ ሕማማት መፍትሒ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፡ ሓድሽ ምንጪ ሃብቲ ከም ዝፈጥሩ ተስፋ እገብር።
ኳንተም ኮምፒውተራት ኣብ ቀረባ እዋን ዘይፈሓኦ ነገር እንተሃልዩ፡ ከም ኲናትን ቅንእን ዝበሉ ድኽመታት ደቂሰባት እዩ። ደፋእታዊ (ፍልቀት) ናይ ምቅላስ ዓቕሚ ሂቡ፡ ናትና ንዝዀነ ነገር ንምሕላው ዘኽእል ዓቕሚ ሂቡና እዩ። ደፋእታዊ ለውጢ ብዙሕ ባህርያት ሂቡና እዩ። ገሊኦም ጠቐምቲ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣይረብሑን። እዚ መስርሕ፡ ብህይወት ዝተርፉ ሰባት ምፍጣር ይደሊ። ምትራፍ ማለት ድማ፡ ንካልኦት ወገናት ምቕታል እንተዀይኑ’ውን ክግበር ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ሰባት ብዙሕ ጉድለታት ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







