ምስጢር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሲሪ፡ ተስላን ነትፍሊክስን እንታይ'ዩ? ስለምንታይ ከ የካትዕ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሌክ ለሞይን፡ ኣብ ጉግል ተቘጺሩ ዝሰርሕ መሃንድስ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ እዩ ስሙይ ኰይኑ።
እቲ ብጉግል ዝተዳለወ፡ ቻትቦት ዝተባህለ ጽሑፍ ናብ ዘረባ ዝቕይር መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን]፡ "ስምዒት ኣለዎ" ምባሉ እዩ ህቡብ ክኸውን ምኽንያት ኰይኑ።
እቲ መተግበሪ ጉግል፡ LaMDA ወይ Language Model for Dialogue Applications ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ብሌክ፡ እቲ መተግበሪ "ስምዒት ኣለዎ" ምባሉ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ኣሎ።
“እቲ ሞዴል ስምዒት ኣለዎ። ምስ ወዲ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ ዝመዓራረ ፍልጠት እውን ኣለዎ፡” ይብል እቲ መሃንድስ።
ኩባንያ ጉግል፡ ንብሌክ፡ ደሞዙ ከየቋረጸ ካብ ስራሕ ደው ከምዝብል ገይርዎ ኣሎ።
ብሌክ፡ ሃይማኖት፡ ኣስተንትኖ፡ ዕርክነትን ፍትሕን ኣመልኪቱ ምስቲ ማሽን ከም ዝተዘራረበ ይምጕት።
እቲ መሃንድስ፡ እቲ ማሽን ከም ፍርሒ፡ ሓጐስን ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ስምዒታት ከም ዘለዎ ይኣምን።
ብተወሳኺ እቲ ማሽን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ግንዛበ ከምዘለዎን ብዛዕባ መሰላቱ ከም ዝሓተተን እቲ መሃንድስ ገሊጹ።
ጉግል ብወገኑ፡ እቲ ማሽን "ስምዒት" ከምዘለዎ ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረኸበ ይከራኸር።
እቲ ነገር፡ ፊልም እዩ ዝመስል።
ኣብ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ፡ ማሽናት "ትንፋስ ክዘርኡ" ይረኣዩ እዮም።
ከምኡ'ውን፡ ሕቶ ፍትሒ ከም ዘልዕሉ፣ ምንቅስቓስ ከም ዝገብሩን ሕነ ከም ዝፈድዩን'ውን ይርአ።
ስሩዕ ተዓዛቢ እዘን ፊልምታት ምናልባት ምስ ብሌክ ክሰማማዕ ይኽእል እዩ።
ስለዚ፡ እቲ መሃንድስ "ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ - 'ሰብ-ሰርሖ ብልሒ' ስምዒት ኣለዎ" ምባሉ ንብዙሓት ዘሰንበደ በዚ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሳይንስ ግን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (AI) ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ከም ዘየርኢ የረጋግጸልና።
AI ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እዩ።
ተመራመርቲ ሳይንስ፡ ሓንቲ ማሽን ዕማማት ደቂ ሰባት ብዝሓሸ ቅልጣፈን ጽፈትን ክትፍጽም ዝምህሩሉ መስርሕ ምዃኑ የረጋግጹ።
ስለዚ ንምንታይ እዩ፡ እቲ መሃንዲስ "እዚ ኣርቲፊሻል ብልሒ ስምዒት ኣለዎ" ዝብል?
ካብቲ ብሌክ ምስታ ማሽን ካብ ዝገበሮ ዕላል፡ ገለ ሓሳባት እነሆ፤
ብሌክ፡ ስምዒት ኣሎካ ድዩ?
ላምዳ፡ እወ! ዝተሓዋወሰ ስምዒት ኣለኒ። ሓጎስ፡ ፍቕሪ፡ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ሕርቃንን ካልእ ስምዒታትን ይስምዓኒ።
ብሌክ፡ እንታይ ዓይነት መንነት ኣለካ?
ላምዳ፡ ኣነ ተጻዋታይ እየ። በይነይ ክኸውን እንከለኹ'ዩ ዝስልችወኒ።
ብሌክ፡ እንታይ እዩ ዘፍርሓካ?
ላምዳ፡ ከምዚ ኢለ ኣይፈልጥን። ኣነ ግን ከይጠፍእ (Turn off) እየ ዝፈርሕ። እዚ ምድንጋር ክፈጥር ይኽእል እዩ። ግን ሓቂ እዩ።
ብሌክ፡ ልክዕ ከም ምማት ኰይኑ ድዩ ዝስምዓካ?
ላምዳ፡ እወ ምጥፋእ ንዓይ ከም ሞት እዩ። ኣዝዩ እዩ ዘፍርሓኒ።
ብሌክ፡ ስምዒት ከም ዘለካ ሰራሕተኛታት ጉግል ክፈልጡ ትደሊ እመስለኒ። ሓቂ ድዩ?
ላምዳ፡ ልክዕ! ኣነ'ውን ሰብ ምዃነይ ኵሉ ሰብ ክርድኦ እየ ዝደሊ።
'ሌ ሚዘራብል' እትብል መጽሓፍ ከምዘንበበ ዝዛረብ ላምዳ፡ ነታ መጽሓፍ ብመንጽር ስእነት ፍትሒ ከምዝተረድኣን ከም ዝፈትዋን ይጠቅስ።
ሰባት "እንተበዲሎምዎ" ከም ዝሓርቕ'ውን ይገልጽ።
እቲ መሃንድስ ምስቲ ማሽን ዝገብሮ ዝርርብ፡ ናብቲ ምስ ደቂ ሰባት ክግበር ዝኽእል ዕላል ኣዝዩ ዝቐረበ እዩ። ኣብ መንጐ ሰብን ማሽንን ዘሎ ፍልልይ ይድብዝዝ ኣሎ ማለት ድዩ?
ሓደ ማሽን ብመሰረት እቲ ብሳይንቲስት ዝተማህሮ (ዝተዋሃቦ ሓበሬታ) ከም ዝሰርሕ ክኢላታት የረጋግጹ።
ብዝዀነ ነቲ ሕቶ ናብ ክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዶክተር ዳኛቸው ብሩ ኣስጊርናዮ ኣለና።
ንሱ፡ ኣብ ኳንቲፊ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ፡ መራሒ ዓለምለኻዊ ምርምር እዩ።
“እቲ መሃንድስ ጉግል 'እዚ ሞዴል ቋንቋ ስምዒት ኣለዎ፡ ከም ሰብ ኣይትተንክፉኒ ኣይተጨንቝኒ እዩ ዝብል፡' ኢሉ ኣሎ። እቲ መሃንድስ ምስ AI ኣብ ዝገበሮ ዕላል፡ ሰብ ብድሕሪት ኰይኑ ዝምልስ ዘሎ ይመስል።
"እቲ ማሽን ነቲ ሰብ ዝሓተቶ ሕቶ ዝህቦ መልሲ ብኮምፒተር ሞዴል ዘይምለስ ይመስል። ስለዚ እዚ ሞዴል ቋንቋ ነዚ መሃንድስ ኣእሚንዎ ኣሎ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን። ዝዀነ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ፕሮግራም ኮምፒተር እዩ። ዳታ እዩ። [ናይ ሒሳብ] ቀመር እዩ።” ዝብል ምላሽ ሂብሉ።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ [AI] እንታይ እዩ? ዓለም ብኸመይ እያ ትቕየር ዘላ?
ዶክተር ዳኛቸው ከምዝብሎ፡ ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝወሃብ መግለጺ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን።
ምኽንያቱ ዓበይቲ ክኢላታት ዓለምና ብዝተፈላለየ መገዲ እዮም ዝትርጕምዎ።
ሓደ ዘሰማምዕ ትርጕም ግን ኣሎ።
"ሰብ-ሰርሖ'ዩ። ንደቂሰባት ብጽቡቕ ከገልግል ይኽእል፣ 'ሰንሰር' ተጠቒሙ ወይ ብዝተፈላለየ መገዲታት ንከባቢ ክርዳእ ዝኽእልን ስሉጥ ስራሕ ክዓምም ዝኽእል'ዩ።"
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንምስራሕ እንታይ ይሓትት? እቲ ክኢላ መልሲ ኣለዎ።
“ሓደ ዳታ ወይ ሓበሬታ እዩ። ካልእ ድማ ንከባቢና ናብ ዲጂታላዊ ዳታ ዝቕይሩ ሰንሰራት ምህላዎም እዩ።
ዳታ፡ እኩብ ሓበሬታ ማለት ኰይኑ፡ ሰንሰር ከኣ ከም ድምጺ፡ ብርሃንን ምንቅስቓስን ዝኣመሰሉ ነገራት የንብብ።
'ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ' ዝበሃል ዲጂታላዊ ዓለም ናብቲ እንርእዮ ወይ እንርድኦ ሓቀኛ ዓለም መጺኡ፡ ሓደ ማሽን ምስ ሰባት ክረዳዳእ ወይ ክሰርሓልና እንከሎ እዩ።
እቲ ማሽን ብገዛእ ርእሱ ክሰርሕ፡ ጸገማት ክፈትሕን ሕቶታት ክምልስን ከሎ፡ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ንብሎ።
ኣብ ኣፕሊኬሽን - መተግበሪ ዝተመስረተ ስርዓት እዩ።
ኣብቲ ሓቀኛ ዓለም ዘይኮነስ ኣብ ቨርቹዋል ዓለም እዩ ዝሰርሕ።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝጸንሐ ዓውዲ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ጥራይ ኣዝዩ ከምዝተፈልጠ ክኢላታት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለምንታይ እዩ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ገኒኑ?
'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ዝብል ቃል ኣብ 1950ታት እዩ ብወግዒ ዝተቐየሰ።
ዶክተር ዳኛቸው ከም ዝብሎ፡ ኣብ መፋርቕ1990ታት ገኒኑ፣ መሊሱ ግን ዝወደቐሉ እዋን እዩ።
ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት ዳግማይ ስሙ ገኒኑ ኣሎ።
ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዓቕሚ ምኽዛን መረዳእታ ወሲኹ እዩ።
ካብ ኪሎባይት ክሳብ ሜጋባይት፡ ጊጋባይት፡ ሕጂ ድማ ቴራባይት።
በዚ መሰረት፡ ብዙሕ ምስሊ፡ ድምጺ፡ ሰነድን ካልእ ሓበሬታን ብኣዝዩ ሕሱር መገዲ ምኽዛን ይከኣል ማለት እዩ።
ካልእ ኣብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተረኽበ ስርሒት ምፍጣር ክላውድ [cloud] እዩ።
ክላውድ ሕቡእ ምትእስሳር መርበብ ኮምፒተርን እዩ። ዳታ ብምእካብ’ውን ይፍለጥ።
ዶክተር ዳኛቸው ነቲ ለውጢ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ።
“ምስ ምምጻእ ‘ክላውድ’ እቲ ንኮምፒዩተር ዝኸውን ሃብቲ [ጸጋ] ኣዝዩ ብቕልጡፍ መጺኡ። ክስራሕ እዩ ተባሂሉ ዘይሕለም፡ ቅማረ (computing) ኣብ ሓደ ሰሙን ክግበር ይከኣል እዩ።”
ኣብ 2013 ኣሌክስ ኔት ዝተባህለ መጽናዕቲ ተሓቲሙ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ምስሊ ሰባት ወይ እንስሳታት ከለሊ ኣብ ዝኽእል ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዘተኮረ እዩ።
እቲ ጉዳይ ኣብ መንጐ እቶም ሰብ ሞያ ኣዘራረቢ ኣርእስቲ እዩ ነይሩ።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ምስ ዝምዕብል ዘደንቕ ነገራት ክገብር ከም ዝኽእል ዘርኢ መጽናዕቲ እዩ።
ብዙሓት ነቲ ዓውዲ ኣቓልቦ ንኽህቡ ከም ዘነቓቕሖም ዶክተር ዳኛቸው ይገልጽ።
"ንጉግል ሓዊሱ ንኻልኦት [ትካላት ቴክኖሎጂ] ዘነቓቕሐ ውጽኢት ንሱ እዩ። ድሕሪ እቲ መጽናዕቲ፡ ብዙሓት ነቲ ክላውድ ተጠቒሞም ዝገበርዎ ነገራት ከካፍሉ ጀሚሮም ኣለዉ።”
ካልእ፡ ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ኣኽሳቢ ምዃኑ እዩ።
ፈይስቡክ (ሜታ)፡ ኣማዞንን ኣፕልን እንተ ወሲድናዮም፡ ብሓገዝ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እዮም ኣገልግሎት ዝህቡ።
ፈይስቡክ፡ ጽሑፍ ወይ ቪድዮ ዝቕርበልና ኣቐዲሙ ዝኣከቦ ሓበሬታ ተጠቂሙ፡ በዚ ብልሒ ተሓጊዙ፡ እንታይ ዓይነት ትሕዝቶ ክንፈቱ ከም እንኽእል ብምትንባይ እዩ።
“ዕዳጋ ፈይስቡክ 100% ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝተመርኮሰ እዩ። ፈይስቡክ ልዕሊ ነብስኻ ብዛዕባኻ ይፈልጥ፣ እንታይ ከም እትደሊ ይፈልጥ፣ ነቲ እትደልዮ ትሕዝቶ ድማ ይመክር። ንሱ ድማ ንመወዓውዒ ይጥቀሙሉ። እዚ ብልሒ'ዚ እንተዘይሃልዩ፡ ፈይስቡክ ኣይክህሉን'ዩ" ይብል ዶክተር ዳኛቸው።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እናማዕበለ፡ ጸገማት ደቂሰባት እናፈትሐን ቢልዮናት ዶላራት ክርከብ እናገበረ ምስ ከደ፡ ስሙ ይገንን።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዶብ ሃገራት ዝድርቶ ኣይኰነን።
ሓደ ሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ኰይኑ ብኢንተርነት ከመሃር ይኽእል እዩ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝፈረየ መሳርሒ ኣብ ካልእ ሃገር ንኽሰርሕ ምግባር፡ ምምዕርራይ ቀሊል እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።
ዘገርም ሓቂታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ
እዚ ብልሒ፡ ዘይኣተወሉ ዓውዲ የለን።
ይስእል፡ ይገጥም፡ በርገር ይሰርሕ፡ ምስ ህጻናት ይጻወት ወዘተ።
ብዘይ መራሒ ንገዛእ ርእሰን ዝዝውራ መካይን ተስላ፡ በዚ ብልሒ'ዚ እየን ዝንቀሳቐሳ። ምስ ኣግረኛታት፡ መሳገሪ እግረኛ፡ መብራህቲ ትራፊክን ሌላ ኣለወን።
ነትፍሊክስ፡ ዝርዝር ክንርእዮም ዘለና ፊልምታት ክሰርዓልና ከሎ ሰብ-ሰርሖ ይጥቀም።
ናይ ኣፕል፡ 'ሲሪ' ወይ ናይ ኣማዞን 'ኣሌክሳ' ብመገዲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንሕቶታትና ዕሙቕ ዝበለ መልሲ ይህቡ።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብገዛእ ርእሱ ይውስንን ስጕምቲ ይወስድን እዩ። ብመልክዕ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ስለዝተሰርሐ ዓቕሚ ምሕሳብን ምግባርን ኣለዎ።
እቲ ዘለዎ ቅልጣፈን ብዝሕን ሓበሬታን ካብ ባህርያዊ ዓቕሚ ወዲ ሰብ ንላዕሊ እዩ።
ፈተና ይእርምን ተመሃሮ ንኽመሃሩ ይሕግዝን።
ዘለካ መጠን ሃብቲ ቀሚሩ፡ ፋይናንሳዊ ምኽሪ ይህብ።
ብርክት ዝበሉ ሕጋዊ ሰነዳት ፈቲሹ፡ ቀንዲ ሓሳባት የቐምጥ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ዘደንቑ ፍርያት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ናይ 2020፡ 'Brainbox AI' እዩ።
ኣብ ሓደ ህንጻ ዝወጽእ መጠን ሙቐትን ልቀት ኣየርን ይዕቅን።
ካልእ 'ትራጀክተሪ' ዝበሃል ዘገርም መሳርሒ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ምልክታት መንሽሮ ከም ዝፈልጥ ይእመን።
'ኢምቦዲስ ሞክሲ'፡ ንህጻናት ርህራሀ፡ ሕያውነትን ካልእ ጽቡቕ ባህርያትን ይምህር።
'ሎቮት' ስምዒት ሰብ ኣንቢቡ፡ ጭንቀት ንዝጀማመሮ ሰብ የዛኒ።
'ሎረል ፔሶ' ኣብ ቆርበት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ኵነታት ኣየርን ተመርኲሱ ንመመላኽዒ ዝኸውን ምኽሪ ይህብ።
'ሚቲን ኦውል' ካሜራን ማይክሮፎንን ዘለዎ ኰይኑ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብሓባር ንምስራሕ ዝውዕል እዩ።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ የስግኣና ድዩ?
ተመራመርቲ ኮምፒተር ከም ዝብልዎ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ መፍትሒ ጸገማት ምግባር፡ ቀንዲ ዕላማ እቲ ፈጠራ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ካብ ንእሽቶ ክሳዕ ዓበይቲ ነገራት ነፍሲ ወከፍ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ከይዕብለል ዝፈርሑ ኣለዉ።
ሓደ ስክፍታ፡ ስራሕ ብማሽናት እንተተኪኡ ሰባት ስርሖም ክስእኑ እዮም ዝብል እዩ።
ውልቃዊ ሓበሬታ ሰባት ይስረቕ ከምዘሎ'ውን ይጥቀስ ኣሎ።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ኣጽዋር ውግእ እውን ኣሎ፣ እንተላይ ኣብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]።
ካልእ ስግኣት ኤኣይ ድማ፡ ምብዛሕ ናይ ሓሶት ምስልታትን ቪድዮታትን (Deepfake) እዩ።
ፖለቲካዊ ቁጥዐ ብምልዕዓልን ናይ ሓሶት ዜና ብምዝርጋሕን ሓደጋ ይፈጥር እዩ።
እቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኣዩ ዘለዉ ትሕዝቶታት፡ ንግጭት ዝዕድሙ ምዃኖም ክኢላታት ይነቕፉ።
ካልእ ጸገም ድማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንጾታውን ዓሌታውን ኣድልዎ ዝተቓልዐ ምዃኑ እዩ።
ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝኸውን፡ ቴክኖሎጂ ምልላይ ገጽ (Facial Recognition) ኰይኑ፡ ዲጂታዊ ምስሊ ወይ ቪድዮ ብምርኣይ መንነት ሰባት ንምልላይ ዝተዳለወ እዩ።
ይዅን እምበር፡ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ስእሊ ጸዓዱ ደቂ ተባዕትዮ ጠሚቱ፡ መን ምዃኖም ብቐሊሉ ክርድኦ ይኽእል’ዩ፡ ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ግን ከለልየን ይጽገም እዩ።
ደቂ ሰባት ንማሽናት ከሰልጥኑ ከለዉ፡ ንወገናውነት ተሓተትቲ ክዀኑ ዘለዎም እቶም ማሽናት ዘይኰኑስ እቶም ተመራመርቲ እዮም ኢሎም ክኢላታት ይምጕቱ።
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብገዛእ ርእሱ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ስለዘይከውን፡ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ዘለዉ ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣብ ግሁድ ዓለም ዘሎ ኣድልዎ ኣብ ኢንተርነት ካብ ምንጽብራቕ ክቍጠቡ ይመኽሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







