ፕረዚደንት እስራኤል ንክኸዉን ተሓቲቱ ዝነበረ ሊቅ ፊዚክስ ኣልበርት ኣንስታይን

ኣልበርት ኣንስታይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሩስያ ተወሊዱ ዝዓበየ ብሪጣኒያዊ ቻይም ዌይዝማን (1874 ክሳብ 1952)፡ ብደረጃ ዓለም ፍሉጥ ሊቅ ባዮኬሚስትሪ'ዩ ነይሩ።

ናቱ ርኽበታት፡ ብኣቈጻጽራ ኤውሮጳውያን ኣብ 1910ታት፡ ስትራቴጂካዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንዝነበረ ምህርቲ ኤስቶን ኣመና ዘገድሱ'ዮም ነይሮም።

ኣብ እዋን ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ቦንባ ኣብ ምፍራይ ኣገልገሊሉ።

ፖለቲካዊ ህይወት ዊዝማን'ዉን ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝተቐልቀለን ሓደ ካብ መንጐ ኣብ ፍልስጤም ምስረታ መንግስቲ ኣይሁድ ዝድግፍ ብሄራዊ ግንባር ጽዮናውነት ዝዀኑ መራሕቲን'ዩ ነይሩ።

ብ1947፡ ድሕሪ ህልቂት ሆሎኮስት፡ ሓፈሻዊ ጕባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣኒያ ዝነበረት ፍልስጤም ኣብ ክልተ ክትግማዕ ወሲኑ።

ዋላ'ኳ ልዕሊ 140 ሃገራት ፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ እንተሃብኣ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ከም ሃገር ኣይተመስረተትን።

ሓፈሻዊ ጕባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 9 ክሳብ 28 መስከረም ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ገለ ሃገራት ንፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝህብኣ ብምግላጸን፡ እዚ ቍጽሪ ክውስኽ'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ብኣንጻሩ፡ እስራኤል ብ1948 ዓ.ም ክትምስረት እንከላ፡ ብ1949፡ ዌይዝማን ንዕላማ ጽዮናውነት ብዝነበሮ ተወፋይነትን ተሳትፎን ፕረዘዲንት እታ ሓዳሽ ሃገር ኰይኑ ተመሪጹ።

እስራኤል፡ ፓርላመንታዊ ስርዓት ስለ እትኽተልን ቀዳማይ ሚኒስትር ላዕለዋይ ስልጣን ስለ ዝሕዝን፡ እቲ ዝተዋህቦ ስልጣን ዝያዳ ተምሳሌታዊ እምበር ውሳነ ናይ ምሃብ ስልጣን ኣይነበረን።

ዌዝማን፡ ኣብ መበል 77 ዓመቱ ብ1952 ክመውት እንከሎ፡ እታ ሓዳሽ ሃገር ካልእ ፕረዚደንት የድልያ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ፡ ነቲ ቦታ ይምጥኑ እዮም ዝበሎም ፍሉጣትን ናብ እስራኤል ስደተኛታት ንክመጽኡ ዘተባብዑ ኣይሁዳውያን ኣሽማቶም ይዝርዝር።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዴቪድ ቤን ጉርዮን፡ ሻቡ ንሻቡ ኣዒንቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ህቡብ ተመራማሪ ብምዕራፍ ንፕረዝደንትነት ይሓጽዮ።

"የሐጕሰንን የሕፍረንን እዩ"

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ ኣባ ኢባን ምስ ሕጹይ ፕረዚደንት እስራኤል ዝነበረ ኣልበርት ኣንስታይን ተራኺቡ ከም ዘዘራርቦ ተገይሩ።

እዚ እስራኤላዊ ሊቅ ፊዚክስ፡ ኣዶልፍ ሂትለር ናብ ስልጣን ምስ መጽአን እታ ሃገር ድማ ንኣይሁዳውያን ከተሳድድ ምስ ጀመረትን፡ ካብ 1933 ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ይነብር ነይሩ።

ኢባን ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤን ጉርዮን ወኪሉ ናብ ኣንስታይን ደብዳበ ጽሒፉ።

"እስራኤል ብጂኦግራፊ ንእሽቶ ግዝኣት እያ፡" በለ።

"እንተዀነ፡ ህዝቢ ኣይሁድ ዘለዎ ሕሉፍን ህሉውን ዓሚቝ መንፈሳውን ባህላውን መንነት ልቡን ቀልቡን ኣብኡ ስለ ዝሃነጸ ዓበይቲ ነገራት ከዐውቱ ይኽእሉ'ዮም፡" ክብል ጽሒፉ።

እቲ ኣምባሳደር ብተወሳኺ፡ ኣንስታይን ሳይንሳዊ ሞያኡ ክገድፎ ከም ዘይብሉ ኣስሚርሉ። ግን ካብታ ዝነብረላን እቲ ዘምህረሉ ዩኒቨርሲቲ ዝርከበሉን ኒውጀርሲ ናብ እስራኤል ክግዕዝ ይግባእ።

ኣብቲ እዋን ወዲ 73 ዓመት ዝነበረ ኣንስታይን ልዑል ትሕትና ብዝተመልኦ መገዲ መልሲ ሂቡ።

በቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ሕጕስ እኳ እንተመሰለ፡ ክቕበሎ ግን ኣይደለየን።

ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጥ ሓላፊ ማህደር ኣንስታይን ዝዀነ ዚቭ ሮዘንክራንዝ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦ መልሲ ኣብታ ኣንስታይን 'ስክራፕቡክ' እትበሃል መጽሓፍ ጽሒፉዎ እዩ።

እዚ መጽሓፍ'ዚ ናይቲ ሊቅ ደብዳቤታትን ውልቃዊ ስእልታትን ዝሓዘ እዩ።

እቲ ፍሉጥ ተመራማሪ ፊዚክስ ኣንስታይን፡ ነቲ ስልጣን ዝኸውን ክእለት የብለይን ብምባል፡ ፕረዚደንት እስራኤል ንምዃን ዝቐረበሉ ዕድመ ነጺግዎ።

 ቤን-ጉርዮን (የማን) ኣልበርት ኣንስታይን (ጸጋም)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቤን-ጉርዮን (የማን) ኣልበርት ኣንስታይን (ጸጋም)

ኣንስታይን: "መንግስቲ እስራኤል ብዘቕረበለይ ዕድመ ተሓጒሰ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ክቕበሎ ብዘይምኽኣለይ ሓዚነን ሓፊረን'የ፡" ኢሉ መሊሱ።

"ምሉእ ህይወተይ ኣብ ግብራዊ ጕዳያት ትዅረት ገይረ'የ ክሰርሕ ጸኒሐ። ስለዚ፡ ምስ ሰባት ብግቡእ ንምርኻብን ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ናይ ምስራሕን ተፈጥሮኣዊ ክእለትን ተመኩሮን የብለይን።"

"በዚ ምኽንያታት እዚ ጥራይ፡ ሓላፍነት ናይዚ ልዑል ቦታ ክወስድ ብቕዓት የብለይን።"

"ኣብ መንጐ ኣህዛብ ዓለም ሒዝናዮ ዘለና ሓደገኛ መርገጺ ምሉእ ብምሉእ ካብ ዝግንዘብ፡ ምስ ኣይሁድ ዘለኒ ርክብ ድማ ኣዝዩ ጽኑዕ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ፡ በቲ ኵነታት ሓሪቐ እየ።"

ብዛዕባ'ዚ ተመራማሪ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈት ኣሊስ ካላፕሪስ ከም ዝበለቶ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤን-ጉርዮን ብምንጻጉ ሩፍታ ተሰሚዑዎ እዩ ትብል።

"ኣንስታይን ብዛዕባ ምስ ሕልናኡ ዝጻረር ፖሊሲታት ብግልጺ ምዝራቡ ፈሪሐ ነይረ፡" ክትብል ኣብ ኣንስታይን ኢንሳይክሎፒድያ ጽሒፋ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሓላፊ ቤት ጽሕፈቱ ይስሃቅ ናቮን (ካብ 1978 ክሳብ 1983 ፕረዚደንት እስራኤል ኰይኑ ኣብ ዘገልገለሉ) "እወ እንተኢሉ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ንገረኒ፡" ኢሉ ከም ዝሓተቶ ይንገር።

"እቲ ሹመት ክህቦ ነይሩኒ፤ ምኽንያቱ ዘይምሃብ ዘይትኽእለሉ ግዜ'ዩ ነይሩ። ንሱ እንተተቐቢሉ ግን ጸገም ክገጥመና እዩ።"

ኣንስታይንን እስራኤልን

ኣንስታይን ነቲ ሹመት ኣይተቐበለን ማለት፡ ንፖለቲካ እስራኤል ኣይግደስ ነይሩ ማለት ኣይኰነን፤ ብኣንጻሩ እዩ።

ጸሓፊ ታሪኽ ማይክል ጌርማን፡ "ኣንስታይን ኣባል ምንቅስቓስ ጽዮናውያን እዩ ነይሩ። ካብ 1921 ጀሚሩ ምስ ዊይዝማን ጥቡቕ ርክብ ነይርዎ፤ ንጸጋማይ ክንፊ ጽዮናውነት ብምውካል ኣብ ፍልስጤም ንዘለው ኣዕራብን ኣይሁድን ብሄራዊ መሰል ዝህብ ክልትኣዊ መንግስቲ ምፍጣር ይድግፍ ነይሩ፡" ይብል።

ኣንስታይን ዝጸሓፎ ደብዳቤታት ክሳብ ሕጂ ነዚ ንምርዳእ ይሕግዙና እዮም።

ብ1947 (ኣ.ኤ) ድሕሪ ናጽነት ህንዲ፡ እቲ ተመራማሪ ናብ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ጃዋሃርላል ኔህሩ ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ።

ኣብ ደብዳብኡ፡ ህንዲ ዘመዝገበቶ ዓወት ብምንኣድ፡ ኣብ ጽናውነት ዘለዎ መርገጺ "ጕዳይ ጽዮናውያን ተቐቢለ እየ። ምኽንያቱ ግልጺ ስሕተት ንምእራም ዘኽእል መገዲ ስለ ዝርኣኹሉ፡" ኢሉ።

ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ እስራኤል ክትምስረት እንከላ፡ እቲ ተመራማሪ፡ ድሕሪ ብዙሕ ቃልሲ ጽዮናውያን ዓሰርተታት ዕግበት ተሰሚዑዎ ይኸዉን።

ግን ድማ፡ ዝያዳ ኣካታዒ ኣብ ዝዀነ ጕዳይ ህዝቢ እስራኤል ዝፍጽሞ በደል ኰኒኑ።

ሓወልቲ ኣንስታይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓወልቲ ኣንስታይን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መወዳእታ 1948 ምስ ካልኦት ኣይሁዳውያን ምሁራት ብምዃን፡ ፖለቲከኛ ሜናሂም ቢጊን ናብታ ሃገር ዝገበሩዎ ዑደት ብምንቃፍ፡ ናብ ኒውዮርክ ታይምስ ደብዳበ ጽሒፉ።

ቤጊን መራሒ ናይቲ ቅድሚ እስራኤል ኣብ ዝነበረ ዘመን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያንን እንግሊዝን ብዝፈጸሞ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍለጥ ደጋፊ ጽዮናዊ ትካል ኢርጉን እዩ ነይሩ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኢርጉን ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ እትርከብ ቁሸት ደይር ያሲን ንልዕሊ 100 ፍልስጤማውያን ሲቪላት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ጨፍጪፉ።

እቲ ትካል ነዊሕ ከይጸንሐ ሄሩት (ብእብራይስጥ "ናጽነት" ማለት እዩ) ዝብል ሰልፊ መስሪቱ።

ኣንስታይን ናብ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "መራሒ ናይዚ ሰልፊ ሜናሂም በጊን ናብ ኣመሪካ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝካየድ መረጻ ደገፍ ኣመሪካ ከም ዝረክብ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ግልጺ'ዩ፡" ኢሉ።

እቶም ነታ ደብዳበ ዝጸሓፉ ምሁራት ኣብ ቀዳማይ ሕጡብ-ጽሑፍ ብዛዕባ ውድብ ሄሩት ዘለዎም ኣረኣእያ ብንጹር ይገልጹ።

"ብኣወዳድባኡን ኣገባባቱን፡ ፖለቲካዊ ፍልስፍናኡን ማሕበራዊ ጕዳያቱን ምስ ናይ ናዚን ፋሽሽታዊ ውድባት ይመሳሰል።" ኢሎም ገሊጸምዎ።

ኣብ 2024 ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ውግእ ምስ ናዚ ድሕሪ ምውድዳሩ፡ ደገፍቲ ጸጋማዊ ፖለቲካ ብራዚል ነዛ ደብዳበ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሎምዋ ነይሮም።

እቲ ደብዳበ ካብ ዓውዲ ወጻኢ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንከሎ፡ እቲ ተመራማሪ ተቓዋሚ እስራኤል ከም ዝዀነ ክጥቁም ይኽእል።

እንግሊዛዊ ጸሓፊ ታሪኽ ሪቻርድ ክሮካት፡ 'ኣንስታይን ኤንድ ዘ ቴዌንቲንዝ ሴንቸሪ ፖለቲክስ' ኣብ ዝተሰምየ መጽሓፉ፡ "ኣንስታይን ናይ ባዕሉ ኣጀንዳ ንምድጋፍ ኣብ ዝጽዕረሉ እዋን፡ ከም ነቓፍን ደጋፍን ጽዮናውነትን ሃገረ እስራኤልን ኰይኑ እዩ ተሳኢሉ፡" ኢሉ።

ንክሮካት፡ እቲ ሳይንቲስት መንግስቲ እስራኤል እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ዝሃቦ መሰረታዊ ሓሳባት፡ ኣብ ተወፋይነት ሰፊሕ መትከላት ዝተመርኰሰ እዩ ነይሩ።

"ልዕሊ ኵሉ ሃገራውነት -ብሄርተኝነት- ይጸልእን ኣህጉራውነት ይድግፍን ነይሩ። እዚ ድማ ወትሩ ንጽዮናውነቱን ንእስራኤል ዘለዎ መርገጽን ከም ልጓም ኰይኑ የገልግሎ ነይሩ፡" ክብል ይገልጽ።

እዚ ኣብ 1952 ፕረዚደንት ክኸውን ዝተዓደመ ኣንስታይን እዩ ነይሩ።

ጸሓፍ ታሪኽ ጌህርማን ከም ዝሕብሮ፡ እስራኤል ኣብ 1948-1949 ምስ ሊግ ዓረብ ተዋጊኣ ንመጻኢ ፍልስጤም ዝተመደበ መሬት ከም ዝወሰደት ብምግላጽ፡ እቲ "ዕላማ ድማ ነታ ቅድሚ ገለ ዓመታት ካብ ደማዊ ኲናት ዝወጽአት ሓዳስ ሃገር ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ንምርካብ እዩ፡" ይብል።

ኣንስታይን ፕረዚደንት እስራኤል ኰይኑ ድሕሪ ምምራጹ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፡ መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣብ 1968 ንኽብሩ ናይ 5 ዶላር ኖት ኣውጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣንስታይን ፕረዚደንት እስራኤል ኰይኑ ድሕሪ ምምራጹ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፡ መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣብ 1968 ንኽብሩ ናይ 5 ዶላር ኖት ኣውጺኡ

"ከዳዓት"

ሙሁር ታሪኽ ሚሸል ጌህርማን፡ ዋላ'ኳ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምስሌያዊ ተግባር እንተሃለዎ፡ "ፖለቲካዊ'ውን" እዩ ይብል።

"ኣንስታይን ዝተዓደመ ኣይሁዳዊ ብምንባሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ጽዮናውያንን ምፍጣር እስራኤልን ብዘለዎ ፖለቲካዊ ተሳትፎ'ውን እዩ፡" ይብል።

ካልኦት ፍሉጣት ኣይሁድ፡ ንእስራኤል ክውክሉ ከም ዝተዓደሙ ብምግላጽ፡ "ምስሊ እታ ሃገር ንምምሕያሽ፡" ብዝብል ከም ዝነበረ ይዝክር።

ኣብ መጀመርታ 1990ታት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሺሞን ፔረዝ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ደራሲ ኣሞስ ኦዝ ናብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣለዎ ክብል ተማጒቱ ነይሩ።

ኣንስታይን ኣብ 1952 ኣባል ዝዀነሉ ብሪቲ ሻሎም ፡ ውሑድ ጽልዋ እኳ እንተነበሮ፡ ፈጺሙ ዝተነጸለ ኣይነበረን'ዉን ብምባል ጌህርማን የረድእ።

ኣባላቱ ድማ ከም በዓል ፈላስፋታት ሃና ኣሬንድት፣ ማርቲን ቡበርን ጌርሾም ስኮለምን ዝኣመሰሉ ዓለምለኻውያን ዝተኸብሩን ዝነኣዱን ሙሁራት እዮም።

ዩኒቨርሲቲ ሂብሩ ኦፍ ጀሩሳሌም ዝመስረቱ፡ ተሳተፍቲ ብሪቲ ሻሎም'ዮም ነይሮም።

ሎሚ ግን ኣባላት'ቲ ጕጅለ በቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ከም "ከዳዓት" ይቑጸሩ ከም ዘለዉ ጌህርማን ይዛረብ።

ንሱ ወሲኹ፡ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ከም ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዝኣመሰለ ተጻራሪ ኣረኣእያታት ዘአንግደሉ ቦታ የብሉን ኢሉ።

"ናይ ዘመንና ኣንስታይን መን ምዀነ? እቲ ሰብ ስልጣን እንተዝሕዝ እሞ ሕሰብዎ። ኣዳ ዮናዝ ዝተባህለት ተዓዋቲት ኖቤል ኬሚስትሪን ነቓፊት ጐበጣ ግዝኣታት ፍልስጤምን ሎሚ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎን ምተቐበለት ዶ? ከምኡ ኣይመስለንን።"

ኣንስታይን ነቲ ፕረዚደንትነት ንኽወሃቦ ዝቐረበሉ ዕድመ ምስ ነጸጐ፣ ጸሓፊ ታሪኽ ይስሃቅ ቤን-ዝቪ ድማ ኣብታ ዓመት እቲኣ ፕረዚደንት እስራኤል ኰነ።

ጽልዋ ናይቲ ናብ ኣመሪካ በጺሑ ዝነበረን በቲ ሳይንቲስት ዝተነቕፈን ፖለቲከኛ ሚናሂም ቤጊን ኣብ እስራኤል እናዓበየ ከደ።

ሄሩት ኣብ ዝቐጸሉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ሰልፊ ዕዮ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብቲ እዋን ቀንዲ ዓቃባዊ ሰልፊ እስራኤል እዩ ነይሩ።

ቤጊን ኣብ 1977 ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ፡ ክሳብ 1983 ድማ ነዚ ስልጣን ሒዙ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ሄሩት ብየማናዊ ሰልፊ ሊኩድ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ካብ 2006 ጀሚሩ ኔታንያሁ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዘገልገለ እዩ።

ብጠቕላላ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ዘመን ክድመር እንከሎ፡ ኣስታት 18 ዓመታት እዩ ዝኸዉን።