ኣሪስቶትል፡ ኣብ ታሪኽ ኣገዳሲ ሰብ ድዩ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሪስቶትል ዘይከም ቅድሚኡ ዝነበሩ ፈላስፋታት ክምህር እንከሎ ኣየኽፍልን'ዩ ነይሩ፤ ንኹሉ ብነጻ ይምህር።
ንሱ፡ ጐና ጐኒ ሶቅራጦስን ፕላቶን ኣካል ናይቲ ወርቃዊ ስሉሳዊ ስርዓት ክላሲካዊ ፍልስፍና'ዩ።
ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ዝተወልደ ኣሪስቶትል፡ ኣብ 18 ዓመቱ ናብ ኣቴንስ ብምኻድ ኣብ ፕላቶ'ስ ኣካዳሚ ተማሂሩ፡ ኣብኡ ድማ ን20 ዓመታት ከም ተመሃራይን መምህርን ኰይኑ ግዜኡ ኣሕሊፉ።
ኣሪስቶትል ንፕላቶ ኣኽብሮት ዝነበሮ ኰይኑ፡ ናቱ ኣረኣእያ'ዩ ኣማዕቢሉ።
ድሕሪ ሞት መምህሩ ካብ ኣቴንስ ተበጊሱ ኣብ ደሴት ለስቦስ ተፈጥሮ ከጽንዕ ከይዱ።
ዝናኡ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ነቲ ዳሕራይ 'ኣሌክሳንደር ዘ ግሬት' ክኸውን ዝኸኣለ ወዲ ንጉስ ፊሊፕ ብዓል መቄዶንያ ክምህር ተመሪጹ።
ስለዚ 'ኣሌክሳንደር ዘ ግሬት' እውን ብጽልዋን ትምህርትን ኣሪስቶትል'ዩ ዝንኡ ክዓቢ ክኢሉ።
'ኣሌክሳንደር ዓቢ' ወራሩ እናኣሰፈሐ ምስ ከደ፡ ኣሪስቶትል ናብ ኣቴንስ ተመሊሱ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ትምህርቲ ሊሴየም ይምስርት።
ብሪጣንያዊ ፈላስፋ ጆን ሴላርስ፡ ጽልዋ ናይቲ ጥንታዊ ግሪኻዊ ሓሳብን ፈላስፋን ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ዓለምና ብሓሳባቱ ከም ዝተጸለወት ዳርጋ ከነስተብህለሉ ከም ዘይንኽእል ይምጕት።
ካብ ፖለቲካ ክሳብ ሳይንስ፡ ካብ ስነ-ጽሑፍ ክሳብ ስነ-መጐት፡ ጽልዋ ኣሪስቶትል ኣብ ኵሉ ቦታ ኣሎ።
ንባሕሪ ህይወት ኣጽኒዑ፡ ንስነ ህይወት መሰረት ኣንቢሩ። ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ስርዓታት መርሚሩ፣ ፈላሚ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ጽሒፉ።
ኣብ ግጥምን ኣዘናትዋን ዝሃቦ ትንተናታት ነዚ ሕጂ ዘሎ ዘመናዊ ፍልምታት ቀንዲ መሰረቱ'ዩ ኢልካ ክግልጽ ይክኣል'ዩ።
ከምኡ'ውን ብስነ-መጐት፡ መትከላቱ፡ ካብ ፍልስፍና ክሳብ ዲጂታላዊ ዘመን ንዅሉ መሰረት ዘንበረ ፈላስፋ'ዩ።
ብሪጣንያዊ ፍላስፋ ጆን ሴላርስ፡ እቲ ዝብሎ ዘሎ ኩሉ ሰብ ክሰማማዓሉ ዝኽእል ምዃኑ ብምእማን "ጽልዋ ኣሪስቶትል መዳርግቲ የብሉን፡ ንሕና ብኸመይ ክንሓስብ ከም ዘለና ቅርጺ ዘትሓዘ ፈላስፋ'ዩ፡" ይብል።
ጆን ሴላርስ፡ ንመጽሔት ኣንቲጎን ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፡ "ኣሪስቶትል ኣብ ኩሉ ግዜ ዝዓበየ ፈላስፋ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተፈጠሩ ሰባት እቲ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕን'ዩ፡" ብምባል ይገልጾ።
ኣብታ 'Understanding the World's Greatest Philosopher' ትብል መጽሓፉ ከኣ ኣዕሙቑ ዳህሲስዎ ኣሎ።
"ፍልስፍና ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ኣሪስቶትል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ ነይረ'የ፡ ብዛዕብኡ ኣዕሚቐ ክርዳእ ኣብ ዝፍትነሉ ግን ክፈርሕ ጀሚረ"።
ብምስዓብ "ምስ ግዜ ንኣሪስቶትል ክትርድኦ ዓቕሊ ከም ዘድሊ ፈለጠ፡ ብከመይ ከተንብቦ ከም ዘለካ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ፡ ብዘገምታ ኢኻ ትርድኦ" ይብል።
ፈላስፋ ጆን ሴላርስ፡ ኣብ መጽሓፉ፡ ንሓሳባትን ጽሑፋትን ኣሪስቶትል ብኸመይ ከተንብቦብን ክትርድኦምን ከምእትኽል ዓቢ ሸፈነ ሂቡ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ኣብ 62 ዓመቱ'ዩ ሞይቱ፡ ናይ መወዳእታ ዓመታት ቅድሚ ሞቱ ከኣ ኣብ ምምሃር፡ ምጽሓፍን ምርምርን ኣሕሊፍዎ።
ካብቲ ዝጸሓፎ ግን ኣዝዩ ውሑድ'ዩ ተረኺቡን ተሰኒዱን።
እንተዀነ እቲ ዝተረኸበ ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣዝዩ ብሉጽ ኣእምሮኣዊ ሓሳባት ዝሓዘ ቃላት ዝሓቘፈ'ዩ።
ስነ-ፍልጠታዊ ኣስታንታኒ
ኣሪስቶትል ፈላስፋ ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ተመራመርቲ'ውን እዩ ነይሩ።
ቅድሚ ማይክሮስኮፕን ብዛዕባ ጀነቲክስን ኣፍለጦ ምዕባዩ፡ ንተፈጥሮኣዊ ዓለም ብስርዓት ኣጽኒዑ፡ እንስሳታትን ኣትክልትን ብኣካዳሚያዊ ስነ-ፍልጠት መሰረት ገይሩ በዚ ሕጂ ዓለም ትምድቦም ዘላ ፈላልዩ ይምድቦም ነይሩ።
ብርግጽ ገሊኡ መደምደምታታቱ ድሒሩ ጌጋ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ።
ብሪጣንያዊ ፈላስፋ ጆን ሴላርስ ግን እቲ ሓቀኛ ዓወት ኣሪስቶትል ኣገባቡ ምንባሩ ይምጕት።
ብምስዓብ፡ እዚ መትከል እዚ ከም ሕመረት ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ኰይኑ ይቅጽል ኣሎ።
ኣብ ፖለቲካን ስነ-ጽሑፍን ዘንበሮ ኣሰር
ኣሪስቶትል ኣብ ፖለቲካ እውን ተመሳሳሊ ስርዓታዊ ኣገባብ እዩ ተግባራዊ ገይሩ።
ካብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ግዝኣታትን ዝመጽኡ ቅዋማት ኣኪቡን ኣነጻጺሩን ገለ ሕብረተሰባት ክምዕብሉ እንከለዉ ንምንታይ ካልኦት ከም ዝወድቑ ወይ ከም ዝፈሽሉ ብንጹር ኣቐሚጥዎ።
እዚ ከኣ ኣብ ርእይቶ ዘይኰነስ ኣብ ጭብጢ ዝተመርኰሰ ኣገባብ ኰይኑ ኣብ ፖሎቲካን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን እምነ መሰረተ ዘንበረ ከም ዝዀነ'ዩ ዝግለጽ።
'ሰብ ብተፈጥሮኡ ፖለቲካዊ እንስሳ'ዩ' ከምኡ'ውን "ሰብ ወረጃ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እቲ ዝበለጸ እንስሳ'ዩ፡ ካብ ሕጊን ፍትሕን ምስዝፍንተት ግን እቲ ዝኸፍአ'ዩ' ብዝብል መዋእላት ዝሰገረ ብህሎታቱ ድማ ይዝከር።
ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝነበሮ ጽልዋ'ውን ማዕረ ማዕሪኡ ዓሚቝ እዩ ነይሩ።
ኣብ ግጥሚ፡ ንድራማ ግሪኽ ተንቲኑ፡ ዛንታታት መጀመሪ፡ ማእከልን መወዳእታን ክህልዎ ከም ዘለዎ ንመጀመርታ ግዜ ዝገለጸ ኣሪስቶትል'ዩ።
እዚ ከኣ ክሳብ ሕጂ ንፊልምታትን መጻሕፍትን ቀንዲ መምዘኒ ኰይኑ ይቅጽል ኣሎ።
!["ፕላቶ ዓርከይ'ዩ ልዕሊኡ ግን ሓቂ'ያ ዓርከይ" ሰማያዊ ገይሩ ዘሎ ኣሪስቶትል ንዓርኩ ፕላቶ [በዓል ቀይሕ] ዝገለጸሉ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/de04/live/eaad6ee0-d9d9-11ef-bc01-8f2c83dad217.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣቦ ስነ ሞጐትን ስነ ምግባርን
ኣሪስቶትል ኣብ ስነ-መጐት ዝሰርሖ ስራሕ ሓደ ካብቲ ነባሪ ኣበርክቶኡ'ዩ።
ዝዀነ ኣበሃህላ ሓቂ ወይ ሓሶት ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ቀንዲ መትከላት ኣተሓሳስባ ኣተኣታትዩ።
እዚ ቀሊል ግን ከኣ ሓያል ኣምር ካብ ፍልስፍናዊ ክትዓት ክሳብ እቲ ኣብ ኮምፒዩተራት ዘሎ 'ኰዳት' መበገሲ ዝዀነ ስነ መጐት'ዩ።
ኣሪስቶትል፡ 'ከመይ ጌርና ክንነብር ኣሎና' ዝብል ንሓደ ካብ ዓበይቲ ሕቶታት ህይወት'ውን ኣልዒሉ'ዩ።
ኣብ 'ኒኮማክያዊ ስነ-ምግባር' ደቂ ሰባት፡ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ምሁራዊ ፍልጠት ንምድላይን ሚዛን ምስ ዝህልዎም ከም ዝስስኑ ይምጕት።
ጽቡቕ ህይወት፡ ርእሰ-ምግታእ ነማዕብልሉ፡ ምስ ማሕበረሰባትና እንዋሳእሉን ፍልጠት እንስዕበሉን ህይወት እዩ ኢሉ ከኣ ይኣምን።
ብሪጣንያዊ ፈላስፋ ጆን ሴላርስ፡ ሓሳባት ኣሪስቶትል ኣዝዮም ዓሞቕቲ ኰይኖም፡ ኣብዚ ዘመናዊ ህይወት ኰይንና'ውን ከነስተብህለሎም ዘይንኽእል ከም ዝዀኑ ይሕብር።
"ሓሳባቱን መምሪሒታቱን ኣብ ፎቘድኡ እዮም ዘለዉ፡ እንግልገለሎም ከኣ ኣለና፡ እንተዀነ ከም ውሁብ ስለ ዝወስናዮ ንኣሪስቶትል ከነመስግን ኣይንስማዕን ኢና" ይብል።
ስለዚ እቲ ኣሪስቶትል ኣብ ታሪኽ እቲ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ ድዩ ነይሩ? ኣብዚ'ዩ ዝልዓል።
ጆን ሴላረስ መልሱ ኣብ መጽሓፉ ኣስፉርዎ ኣሎ፡ መልሱ ድማ 'እወ' እዩ።
ንስኻትኵም ከ እንታይ ትሓስቡ?







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







