ብዛዕባ’ታ እናእወየት ዝተረኽበት ምሙያ ዘሎ ሓድሽ ሓበሬታ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Sahar Saleem
ኣብቲ እዋን ዝተረኸበትሉ ኣገባብ ሓደ ካብቶም ዘፍርሑ ርኽበታት ክትከውን ኣኽኢልዋ’ዩ።
ብቤተ-መዘክር ሜትሮፖሊታን ኒውዮርክ ብዝተወደበ ወፍሪ፡ ኣብ 1935 ክትርከብ እንከላ፡ እታ ሙምየ ኣፋ ዝተኸፈተሉ ኣገባብ ብገለ ምኽንያት ትጭድር ወይ ተእዊ ከምዘነበረት’ዩ ዘመልክት።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ግን ክሳዕ ቀረባ እዋን ሚስጥር ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።
ሕጂ ግን ሳላ መሳርሕታት ቴክኖሎጂ፡ ተመራመርቲ ሕሉፍ ታሪኽ እታ ሙምየ ከጽንዑን፡ ብዛዕባ ህይወት፡ ሞትን ከም ሙምየ ዝተዓቀበትሉን ኣገባብ ዝምልከቱ ዝርዝር ሓበሬታታት ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ።
ነቲ ጕጅለ መጽናዕቲ ዝመርሐት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ሆስፒታል ካስር ኣልዓይን እትሰርሕ ፕሮፌሰር ራድዮሎጂ ዶክተር ሳሃር ሳሊም እያ። ሲቲ ስካን፡ ስካኒን ኤሌክትሮን ማይክሮስኮፒን ካልእ ልዑል መሳርሕታት ቴክኖሎጂን ብምጥቃም፡ ብድሕሪ ሞት እታ ሙምየ ዘሎ ታሪኽ ዘርኢ ንጹር ስእሊ ኣማዕቢሎም ኣለዉ።
ብተለምዶ ሓደ ሬሳ ከም ሙምየ ክዕቀብ እንከሎ ሓንጐል ዝርከብዎ ውሽጣዊ ኣካላት ይእለ እዩ። ኣብዛ ሙምየ እዚኣ ግን እቶም ክእለዩ ዝነበሮም ኣካላት ዘይተኣለዩ ኰይኖም፡ ካብ ኣካላታ ወጻኢ ዝዀኑ ነገራት እውን ተረኺቦም እዮም።
እዚ ምስቲ ውጽኢታዊ ዕቀባ እታ ምሙየ ተደሚሩ፡ “ውሽጣዊ ኣካላታ ኣብ ምእላይ ድኹም ዕቀባ ዘመልክት እዩ ዝብል ባህላዊ እምነት ዝጻረር'ዩ" ክትብል ሳሊም ገሊጻ።
ቅድሚ ሕጂ ህላወ ናይቶም ኣካላትን ጥንቃቐ ዘይብሉ ዕቀባን ጠንቂ እቲ ዘስካሕክሕ መልክዕ ገጻ ዘመልክቱ ምዃኖም እዩ ክሕሰብ ጸኒሑ።
እቲ ሓድሽ ርኽበታት ግን ነዚ ሓሳብ ዝጻረር እዩ።

እታ ኣብ እዋን ሞታ ኣስታት 48 ዓመት ዕድመ ከምዝነበራ እትግመት ጓል ኣንስተይቲ፡ ቁመታ ኣስታት 1.54 ሜትሮ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሞታ ምልክታት ቅልል ዝበለ ሕማም ዓንዲ ሕቖን ከምዘርኣየትን ሓያሎ ኣስናና ከምዝሰኣነትን የርእዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ርኡይ ደረጃ ዝነበራ ሰብ ከምዝነበረት ብንጹር ይርአ። እቶም ተመራመርቲ፡ ዕቃበኣ ከም ጁኒፐርን ዕጣንን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓቱ ንጥረ ነገራት ዘጠቓለለ ከምዝነበረን እዚ ድማ ኣገዳስነት ዘርኣ ዘመልክት ምዃኑን ይገልጹ።
"መቓብር ቱታንካሙን ዕጣንን ጁኒፐርን እውን ነይርዎ" ትብል ሳሊም።
ስለዚ ብፍጹም ሕጽረት ሓልዮት እንተዘይኰይኑ ከመይ ኢሉ እዩ ገጻ ክሳብ ክንድዚ ስቓይ ዘመልክት?
እቶም ጸሓፍቲ፡ ውጽኢት ናይ ሬሳ እዚ ሳሕቲ ዝርአ ዓይነት ምትራር ጭዋዳታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ። እዚ ድማ፡ ብተለምዶ ምስ ዓመጽ ሞትን ጽንኩር ስቓይን ዝተኣሳሰር እዩ።
እታ ሰበይቲ፡ “እቲ ዝሞተትሉን ዝተዓቀበትሉን ኣገባብ ሓቀኛ 'ናይ ግዜ ካፕሱል' እዩ" ክትብል ሳሊም ገሊጻ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብታ ሙምየ ዝልለ ርኡይ ጠንቂ ሞት ኣይረኸቡን። መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ዓይነት ምጭብባጥ ኣብ እዋን ዓመጽ ዝመልኦ ምትህልላኽ ወይ ኣብ ምጥሓል ክኽሰት ይኽእል እዩ፤ ግን እዚኦም ኣብ ሞታ ተራ ነይርዎም ድዩ ኣይነበሮን ዝብል ምልክት ክሳብ ሕጂ የለን።
ድሕሪ 3500 ዓመታት እውን እንተዀነ፡ እታ ሕጂ ኣብ ቤተ መዘክር ካይሮ ግብጺ ዝዓረፈት ሙምየ፡ ገና ክግለጽ ትጽቢት ዝግበረሉ ምስጢር ከምዘሎ'ዩ ዝንገር ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







