ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘሕለፎ ህይወት ስደተኛ እንታይ ይመስል ነይሩ?

ብብዙሓት "ኣቦ ኣፍሪቃ" ተባሂሉ ዝግለጽ፣ ኣንጻር ፋሽሽታዊያን ሓይልታት ብምቅላስ ጅግና ተባሂሉ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝነኣድ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ደርግ ዕልዋ መንግስቲ ተገይርሉ ካብ ዝእለ 50 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
እቲ ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ መንጐ 1936 ክሳብ 1940 [ኣ.ኣ] ዓዲ እንግሊዝ ካብ እትርከብ ከተማ ባዝ ኰይኑ ኣንጻር ኢጣልያዊ ውልቀ መላኺ በኒቶ ሙሶሊኒ ንነዊሕ ዓመታት ጐስጓስ ክገብር ከም ዘሕለፎ ዝፈልጡ ግን ውሑዳት እዮም።
ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ዌስት ኦፍ ኢንግላንድ ሻውን ናፍታሊ ሶበርስ፡ ዛንታ ስደት እቲ ሃጸይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ኣብ ቢቢሲ ተሪኹዎ’ሎ።
ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ለንደን መደበር ባቡር ፓዲንግተን ክኣቱ እንከሎ ብዙሕ ሰብ ተኣኪቡ እዩ ተቐቢልዎ። ይዅን እምበር፡ ኣንጻር እቲ ንኢትዮጵያ ዝወረረ ኢጣልያዊ መራሒ ሙሶሊኒ ዝገበሮ ውዕዉዕ መደረታት፡ ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምቾት ዝኸልእ እዩ ነይሩ።
ካብዚ ንደሓር’ዩ ነይሩ እምበኣር መንግስቲ እንግሊዝ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ምስ ኣዝማዱን ኣገልገልቱን ካብ ከተማታት ርሕቕ ኢሉ ባዝ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ክነብር ዝተኣዘዘ።
ኵሎም ስድራኡን ሰራሕተኛታቱን ናብ ፌርፊልድ ሃውስ ምስከዱ መዘራረቢ እታ ከተማ ኰይኖም።
ሃይለስላሰ ዋላ’ኳ ነቲ ዓዲ ጓና ብምዃኑ ብቐሊሉ ሰብ ክፈልጦ ዝኽእል እንተነበረ፡ ቀልጢፉ ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ከምዝተወሃሃደ ፕሮፌሰር ሶበርስ ገሊጹ።
"ብሓቂ ህዝቢ ዝፈቱ ሰብ እዩ ነይሩ" ዝበለ እቲ ፕሮፌሰር፤ ሓደ እዋን ሃጸይ ሃይለሰላሰ ኣብ ዌስተን-ሱፐር-ማረ ዝርከብ ትሮፒካና ማእከል መዘናግዒ ሪጋ ሒዙ ኣብ ዝተሰለፈሉ ግዜ፡ ክሓልፍ ሕቶ ቀሪብሉ’ኳ እንተነበረ ‘እምብለይ’ ኢሉ ከም ሃገሩ ተሰሊፉ ከምዝተገልገለ ኣዘኻኺሩ።

ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ ግዜ ሃጸይ ሃይለስላሰ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምውጻእ ድሌት ከምዘይነበሮ ንኣመሓዳሪ መንበሪ ኣባይቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝነበረ ሰብ ብምጥቃስ እቲ ፕሮፌሰር ሓቢሩ።
“ይዅን እምበር ኢትዮጵያውያን ነቲ ዝወረረ ሓይሊ ብዋልታን ጭማራን ገጢሞም ክስዕርዎ ከምዘይክእሉ ስለዝተረድአ፡ ኣብ ወጻኢ ከይዱ ንናጽነት ሃገሩ ክቃለስ ወሲኑ” ይብል ፕሮፌሰር ሶበር።
እቲ ሃጸይ ኣብ ስደት እንከሎ ኣብ ጉባኤ ‘ሊግ ኦፍ ኔሽንስ’ ቀሪቡ ኣዘራራቢ መደረ ኣስሚዑ ከምዝነበረ ድማ ይሕብር።
"ሎሚ ንሕና እንተዄንና ጽባሕ ድማ ንስኻትኩም ኢኹም ክትኰኑ” ዝብል ትሕዝቶ ድማ ነበሮ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ዓባይ ብሪጣንያ “ንመሶሊኒ ኣቀባጢራ ዝሓዘትሉ ግዜ ከምዝነበረ" ዝገለጸ እቲ ፕሮፌሰር፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ፈለማ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክመጽእ እንከሎ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ መደበር ፓዲንግተን እዩ ወጺኡ ተቐቢልዎ።
"ብሓቂ ተፈታዊ ሰብ እዩ ነይሩ፤ ንመንግስቲ እንግሊዝ ድማ ምቾት ዝኸልእ ስለዝነበረ ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ከይዱ ኣጽቂጡ ክነብር ዝተገበረ” ይብል ፕሮፌሰር ሶበርስ።

ሓደ ካብቲ እቲ ሃጸይ ንከተማ ባዝ ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እንከሎ ብከሚካል ዝተቓጸለ ኣብ ኢዱን ቅልጽሙን ዝረአ በሰላ ንምሕካም መሐምበሲ ስፍራታት እታ ከተማ ንኽረክብ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ፌርፊልድ ሃውስ ዝዓደጐ ገዛ ድማ ምስ ደቁ፡ ኣገልገልቱ፡ ካህናትን ሰበ ስልጣናቱን ኰይኑ ይነብረሉ ከምዝነበረ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ሶበር፡ ብምኽንያት እቲ ማሕበራዊ ኣነባብራኦም ኣዝዮም ፍሉጣት ነይሮም።
ደቂ ሃጸይ ሃይለስላሰ ምስቶም ናይቲ ከባቢ ቈልዑ ይጻወቱን ድራር ይተዓዳደሙ ምንባሮም’ውን ይንገር እዩ።
ካልኦት ድማ ንሃጸይ ሃይለስላሰ ብምኽባር ቈጸራ ከምዝዝክርዎ ይዝረብ።
ንሱ፡ ኣብ መረባ ገዛኡ ኣንበሳ ከምዝነበሮ’ኳ ወረ እንተነበረ፡ ሓቂ ከምዘይኰነን ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ግን ምስታ ሉሉ እትበሃል ከልቡ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ እቲ ፕሮፌሰር ኣብሪሁ።
ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ብዛዕባ መደብ ናይቲ ሃጸይ መዓልታዊ ሓድሽ ሓበሬታታት የውጽእ ከምዝነበረን፡ ብተወሳኺ “ጭሕሙ ብሰንኪ ጭንቀት ሰይቡ” ዝብል ወረታታት ጌጋ ከምዝዀነ ኣቃሊሐን ይፈልጣ እየን።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ስፍራታት ይጥቀምን ህዝቢ ከፊሉ ኣብ ዝሕምብሰሎም መሕምበሲ ቦታታት’ውን ሬጋኡ ሒዙ ይጥቀም ከምዝነበረን ፕሮፌሰር ሶቦር ወሲኹ ገሊጹ።
‘ሪጋ ኣይትሓዝ ሓሊፍካ ኪድ’ ክበሃል እንከሎ፡ “ኣይፋል ምስ ኵሉ ሰብ ተሰሪዐ’የ ኣገልግሎት ክረክብ ዘለኒ” ብዝብል ሓሳቡ ብዙሓት ከምዝዝክርዎ እውን ሓቢሩ።
እቲ ሃጸይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ይቕመጥ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓዱ ዝፍጸም ዝነበረ ከምዘይረሰዐ እቲ ፕሮፌሰር ጠቒሱ።

ሓደ እዋን ሞግዚት ናይቲ ገዛ ሩት ሃስኪንስ፡ ሓደ መዓልቲ ራድዮ ከፊቱ ናይ ተዅሲ ድምጽታት እናሰምዐ እንከሎ ከምዝተዓዘበትን ሃንደበት ካብ ዓይኑ ንብዓት ወረር ኢሉ እንክወርድ ከምዝተዓዘበትን ምግላጻ ፕሮፌሰር ሶበር ሓቢሩ።
ብ1939 ሙሶሊኒ ምስ ሂትለር ብወግዒ መሓዙት ምዃኖም ዝተፈለጠሉ ግዜ እዩ ዝነበረ።
ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ብሓገዝ እንግሊዛውያን ንሰራዊት ጣሊያን ምስኣውጽእዎ ብ1940 ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ።
ኣብ ባዝ ዝነበሮ ግዜ ፈጺሙ ኣይረስዖን። ነታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጠላ ዝነበረ ከተማ ባዝ ንምዝካር ኢሉ ድማ ንሓደ ካብ ቤተ መንግስታቱ ፈርፊልድ ኢሉ ሰመዮ።
ኣብ ባዝ ዝርከብ ፈርፊልድ ሃውስ ሕድሩ ንምዕቃብ ብቐጻሊ ሰብ ከምዝበጽሖ ይግበር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







