'ወርሒ ፀለምቲ'፡ ንሃፀይ ሃይለስላሴ ዝዝክር ፅምብል ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, BATH & NORTH EAST SOMERSET COUNCIL
ወርሒ ታሪኽ ፀለምቲ፡ ዓመታዊ ዓወታት ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያንን ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ፅምብል’ዩ።
እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝተጀመረ ዓመታዊ በዓል፡ ወርሒ ታሪኽ ኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያን ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ።
ካብ መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣፍልጦ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት እዩ ዝኽበር።
ወርሒ ታሪኽ ፀለምቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣየርላንድን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ጥቅምቲ ክኽበር ጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ሃገራዊ ጽምብል’ዚ፡ ዘርኢ ኣፍሪቃን ካሪብያንን ዘለዎም ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ እንግሊዝ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ንምሃብን ንምጽንባልን ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ኣብ ታሪኽ ጸለምቲ ርድኢት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ድማ፡ ምስ ከተማ ባዝ ብዝተኣሳሰር ንሃጸይ ሃይለስላሴ ዝጽምብል ስነ-ስርዓት ተኻይዱ።
ማሕበረሰባት ኢትዮጵያን ራስታፋሪን፡ እቲ መደብ ምስ ሃፀይ ሃይለስላሰ ናፃ መንበሪ ከተማ ባዝ ዝረኸብሉ መበል 69 ዓመት በዓል ብሓባር ኣአንጊዶም።
እቶም ንጉስ፡ ጣልያን ነታ ሃገር ድሕሪ ምውራሩ ካብ 1936 ክሳዕ 1941 ኣብ ባዝ ኣብ ዝርከብ ፌርፊልድ ሃውስ ኣብ ስደት ይነብሩ ምንባሮም ይፍለጥ።
ነቲ መደብ ዘዳለወ ራስ ቤንጂ፡ "እቶም ሃጸይ ምስ ከተማ ባዝ ብዛዕባ ዝነበሮም ርክብ ግንዛበ ንምዕባይ ብሃንቀውታ ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።
"ኣብኡ ንጽምብል ምህላውና ንዓና ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ክፍልታት ባይቶ ሃገራዊ ትራስት ዝተኻየደ መደብ ንኹሉ ክፉት እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, RAS BENJI
እቶም ሃፀይ፡ ብሙሶሊኒ ትምራሕ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ምውራራ እዮም ከም ስደተኛ ኣብ ከተማ ባዝ ክነብሩ ጀሚሮም።
ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ ድማ ፌርፊልድ ሃውስ መዕቆቢ ኣረጋውያን ንክኸውን ንከተማ ባዝ ኣወፍዮም።
እቲ መደብ መደረታት፣ ዓውደ መጽናዕቲ ግጥሚ፣ ሙዚቃ፣ መግብን ጸወታን ዘጠቓልል ነይሩ።
"ባህልናን ከምኡ’ውን እቶም ሃፀይ ኣብ ባዝ ዝገደፍዎ ሕድሪ ገና ህያው ምዃኑን ከነርኢ ንደሊ" ይብል ቤንጂ።
"ባዝ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር ከነብዕል’ዩ ድሌትና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, RAS BENJI
ምክትል መራሒ ቤት ምኽሪ ኣባል ባይቶ ዴቭ ዉድ፡ "ወርሒ ታሪኽ ፀለምቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ታሪኽ ፀለምቲ ንምፅንባል፡ ንምስትንታንን ንምምሃርን ተወሳኺ ዕድል ዘቕርብ ሃገራዊ ጽምብል'ዩ" ኢሉ።
"እንተዀነ ግን፡ ንማዕርነት ዓሌታት ዘለና ተገዳስነት ኣብ ሓደ ፍሉይ ወርሒ ናይ ዓመት ክድረት ስለዘይክእል፡ ኣብ መላእ ማሕበረሰባትና ንማዕርነት ዓሌታት ዝኣተናዮ ቃል ንምኽባር ምስ መሓዙትና ብቐረባ ክንሰርሕ ክንቅጽል ግድን'ዩ።"
ወርሒ ታሪኽ ጸለምቲ ብኸመይ ተጀሚሩ?
እዚ በዓል ብቲ ኣቦ ታሪኽ ፀለምቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ካርተር ጂ ዉድሰን ዝተጀመረ’ዩ።
ብ1875 ኣብ ቨርጂንያ ካብ ባሮት ነበር ወለዱ ዝተወልደ ዉድሰን፡ ድሩት ዕድላት ትምህርትን ስራሕን’ዩ ነይርዎ።
ንሱ ግን ሰራሕተኛ ዕደና ከሰል ኰይኑ ብምስራሕ ዝረኸቦ ገንዘብ ድሕሪ ምቑጣቡ፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ፀለምቲ ተማሃሮ ዝቕበላ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክመሃር ክኢሉ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, ALAMY
ዉድሰን ቀጺሉ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ፒኤችዲ ዝረኸበ ፀሊም ኰይኑ፤ ኣብቲ ዝተማሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ድማ መምህር ኰይኑ።
ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ታሪኽ ጸለምቲ ንምስፋሕ ከይተሓለለ ጽዒሩ።
ኣብ 1926 ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ልደት ፕረዚደንት ነበር ኣብርሃም ሊንከንን ፍረደሪክ ዳግላስን ክጋጠም ዝተመደበ ፈላማይ ሰሙን ታሪኽ ፀለምቲ ኣበጊሱ። ሊንከንን ዳግላስን ክልቲኦም ባርነት ንምውጋድ ኣብ ምሕጋዝ ልዑል ተራ ተፃዊቶም እዮም።
ካብ 1976 ጀሚሩ ድማ ነፍሲ ወከፍ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ለካቲት 'ወርሒ ታሪኽ ጸለምቲ' ክትከውን ብወግዒ ይውስኑ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







